ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዲትራኒያ ስለ ዝሞቱ ስደተይናታት ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ገሊጾም

ብሉጽ መጻኢ ሕይወት ንኸናድዩ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ መዲትራኒያን ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተይናታን ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለት 20 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ብኽልተ ናይ ሞተር ነኣሽቱ መራኽብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ ሊቢያ ከባቢ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 117 ኣብ ከባቢ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሞሮኰን ስፐይንን ዘሎ ባሕረ ኣልቦራን ከኣ 53 ስደተይናታት ከምዝሞቱ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ካብ ሞት ሓደጋ ዝተረፉ ናብ ኢጣሊያ ደሴት ላምፐዱዛን ናብ ሞሮኮን ከምእተወስዱ ዝተውሃብ ሓበሬታጠቒሶም፡ ብሉጽ መጻኢ ሕይወት ንኸናድዩ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ስደተይናታን ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቶም ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ስደተይናታት ኣሕዋት ዘሕደረሎም መሪርሕ ሓዘንን ስቓይን ገሊጾም፡ ባሕሪ መዲትራኒያ ናይ መቓብር ስፍራ፡ ተስፋ ዝቕበረሉ ስፍራ ኰይኑ ከምዘሎ ክገልጹ እንከለዉ፡

ነቶም 170 ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዝሃለቑ እዝክር፡ ተስፋ ሰኒቖም ትስፍው መጻኢ ሕይወት እናማዕደዉ ዝጓዓዙ ሞት ዘጓነፎም፡ ናይቶም ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታው ኣደዳ እውን ክዀኑ ዝከኣል እዩ፡ ስሌኦምን ስለ እቶም ናይቲ ዝተፈጥሮረ ሕልቂት ተሓተቲ ምእንቲ ዝዀኑ እውን ንጸልይ፡ ሰላማ ነዓኺ ኦ ማርያም …

ጸሎት ደጊሞም፥ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዲትራኒያ ስለ ዝሞቱ ስደተይናታት ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ገሊጾም
21 January 2019, 10:49