ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ኣበጊሶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ኣበጊሶም 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ኣበጊሶም

ብሓቂ ጽድቂ ጥራይ ሰዓቡ/ድለዩ (ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 16, 18-20) ዝብል ቃል፥ ብዛዕባ ኢፍትሓውነት ዝምልከት ጭቡጥ ኩነት ንምውጋድ ብቑዕን ንጡፍ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ማሕበረ ክርስቲያን ሓድነቱ የስተውዕል

እቲ በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ነቲ … ጽድቂ ጥራይ ስዐብ (ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 16. 18-20)  ብዝብል ቃለ ቅዱስ ምጽሓፍ ተመሪሑ ዝካየድ ናይ 2019 ዓ.ም. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሳምንቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቃን መሪሖም ብዝተሳተፍሉ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ ኣጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ 2019 ዓ.ም. ምእንቲ ክርስትያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ ዝምፍጸም ጸሎት እቶም ኣብታ ካብ ጠቕላላ ብዚሒ ህዝባ 86 ሚእታዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምናን 10 ምIእታዊ ጥራሕ ዝሽፍን ከኣ ክርስቲያን ዝዀነላ ሃገረ ኢንዶኖዥያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባላት ብዝኸኑ ማሕበረ ክርስቲያን ዝተሰናደወ ምዃኑ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣድልዎን ምግባረ ብልሽውና ብዝተፈላለየ መልክዕ ይግለጽ፡ ብፍላይ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ኤኮኖምን መዳያት ኣዚዩ ዘጥቅዕ ከምዝዀነ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ኣካባብን ተፈጥሮን ፍጥረትን ዝሃስይን ንፍትሕን ሕግን ናይ ሕጊ ሉኣላውነት ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ገሊጹ፡ ምእንቲ’ዚ ፍትሒ ብፍላይ ንድኹማን ትሑታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ንዘይብሎም ክመጽእ ምእንቲ ምርግጋጽ ፍትሒ ዝተፈላለዩ ተግባራት ንምፍጻም እንነቓቕሓሉ እዋን ምዃኑ ጠቒሱ ኢፍትሓውነት ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ መነባብሮ ኣዚዩ ክረሓሓቕ ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡ ብስፍሓት ዝረአይ ዘሎ ናይ እዋንና ዓቢይ ሓደጋ እውን ምዃኡ የመላኽት።

ብሓቂ ጻድቕ/ቅኑዕ ምዃን

ብሓቂ ጽድቂ ጥራይ ሰዓቡ/ድለዩ (ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 16, 18-20) ዝብል ቃል፥ ብዛዕባ ኢፍትሓውነት ዝምልከት ጭቡጥ ኩነት ንምውጋድ ብቑዕን ንጡፍ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ማሕበረ ክርስቲያን ሓድነቱ የስተውዕል፡ ማሕበረ ክርስቲያን ፍትሒ ንምስፋሕን ኣብ ኢፍትሓውነት ተግባራት እውን ኣእዳዉ እቱው እንተድኣ ኰይኑ ገዛእ ርእሱ ክምርምር ኣለዎ። እቲ ኢየሱስ ሓደ መታን ንዀኑ (ዮሓን. 17, 21) እንክብሉ ናብ ኣቡኡ ዘዕረጐ ጸሎት ብምጽላይ ጥራሕ እዩ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፍልልያቱ ሓድነቱ ዝምስክር፡ ኣብ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት መሰረት ጥራሕ እዩ ብሓባር ኢፍትሓውነት ክንዋጋእን ነቶም ናይ ኢፍትሓውነት ኣደዳ ንዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘድሊ ኵሉ ከነቕርብ እንኽእል ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኢንዶነዥያ ኣብ ዝደረሶ ጸሎት ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ንኽንጽልይ ዝተጸዋዕና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 16 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዘኪሮም፡ እቲ ኣቦይ … ሓደ ምእንቲ ክዀኑ (ዮሓንስ ምዕ. 17. ፍቕዲ 21) ዝብል ጸሎት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስቲ ኣብታ ጸሎት  ናይ ኢየሱስ ፍቓድን ድላን ስሙራት ክንከውን ሓደራ ቢሎም፡ ሓደ እብ ምዃን ድላይ ንዕበይ፡ ሓድነት ክርስቲያን ኣማራጺ ኣይኰነን ከምዝበሉ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣዘኻኺሩ፡ እውነተይና ፍትሒ ኣብ ምርግጋጽን ኣብ ምስስካርን ስሙራት ብምዃን ንድኹማን ድኻታትን ጭቡጥን ሕጹጽን ብቑዕን ስሉጥን ድጋፍ ነቕርብ እንክብሉ ዘመሓላለፎ መግለጺ ዛዚሙ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ብወግዒ ኣበጊሶም
18 January 2019, 17:29