ድለ

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ብጋሴ ናይ ሓባር ዘተ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ብጋሴ ናይ ሓባር ዘተ ክርስቲያንን ኣይሁድን 

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ብጋሴ ናይ ሓባር ዘተ ክርስቲያንን ኣይሁድን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝተበገሰ ናይ ክርስቲያንን ኣይሁድን ናይ ሓባር ዘተ ንምሕዳስን ብዕምቆት ንኽስትውዓልን፥ መጽሓፍ ኣስቴር ብዘማእከለ መደብ ክንበር ንናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ምእመናን ኣብዚ ካብ ዕለት 17 ጥሪ 1990 ዓ.ም. ምእንቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕድነት ንናይ ጸሎት ሰሙን ምኽንያት ካብ 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ዋዜማ ምዕዳን ከቕርብ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዝለዓለ ሕድ ሕዳዊ ምፍላጥ ነቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ቅድመ ፍርድታት ንምውጋድን ናይ ሓባር መጽሓፍ ቅዱሳውያን ዕሴታት ዳግም ምርካብን ንፍትሕን ሰላምን ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምዕቃብን ብናይ ሓባር ተበግሶታትን ብምብጽጻሕን ብዕምቆት ምንባር ብዝብል መንፈስ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዕለት 30 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ክንበር ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነትን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ድርገት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ኣብ ዝጅመረሉ ዋዜማ ክንበርን፥ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ፍልይ ዘብሎ ክንየው እቲ ዘተ ኣብቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተሰርተ ናይ ሓባር ዕሴታት ዘተኵር ብምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብምምልካት ነቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ክሌኣዊ ዘተ እምነት ክርስትናን ኣይሁድን ክንበር የተሓሳስብ፡

እቲ ናይ ሓባር ዘተ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣብ መንጐ ኣይሁድን ክርስቲያንን ናይ ሓባር ሌላን በቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተደረኸን ጳውሎስ ሻድሻይ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦን ከምኡ እውን ኣብ 1986 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብኡ ተረኺቦም ቦኽሪ ኣሕዋት እንክብሉ ንኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዝገለጽሉ ሓሳብን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2005 ዓ.ም. ከለን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣሁድ ምኵራብ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ምስ ክርስቶስ ዝራኸብ ምስ ኣይሁዳውነት እውን ይራኸብ ዝበለዎ ሓሳብን ካልኦት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብወገኖም ዝሃብዎ ኣበርክቶን መሰረት ንምዝካርን ልዕሉ ግምት ንኽህሉ ዓቢይ ኣጋጣሚ ምዃኑን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ የዘኻኽር።

እስራኤል ናይ ክርስትና ቅድስ መበቆል

ኣብቲ ሰነድ ትምህርተ ክርስቶስ ንበጽሒ ወለዶ ዝብል ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ምዕ. 11 ፍቕዲ 5፥ እስራኤል ናይ ክርስትና ቅዱስ መበቆልን መሰረት ምዕባለን እምነት ክርስትን እያ፡ እቲ ኣረመን ዝነበረ እምነት ክርስትና ክቕበል እንከሎ ዝቕብኣሉ ዝነበረ ቅዱስ ዘይቲ ዘፍርይ ኣውሊዕ ዝቦቕላላ መሬት እንክብል ኣብ ሕይወት ክርስትና እስራኤል ዘለዋ ዓቢይ ግደን ቅዱስን ስፍራ የብርህ።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ሃይማኖት ኣይሁድ ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መበር ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮጆ ስፕረያፊኮ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ምዕባለ፡ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ብዕምቆት ምልላይን ዝጸንዔ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ከምዝብልዎ፡ ብሓደ ሸነኽ ኣንሕና እውን ሴማውያን ኢና፡ ኢየሱስ ብጥልቂ ኣይሁድ እዩ፡ ካብ ኣይሁድ ኣደ እዩ ዝተወልደ ከምዝዓበየን ከም ኣይሁድ እውን እዩ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ፡ ኣብ ሕዝቢ ኣይሁድ ተሰግወ፡ ደቀ መዝሙር ኵሎም ኣይሁድ እዮም ዝነበሩ፡ ሓዋርያ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ጳውሎስ እውን ኣይሁድ እዩ ዝነበረ፡ እዚ እዩ መበቆልና፡ እቲ ዝተቐብልናዮን እንነብሮን እምነት ክርስትና ኣብ ኣይሁዳውነት እዩ ኣናስሩ፡ ፈጺምና ክንዝንግዖ ዘይግባእ ዓቢይ መንፈሳዊ ውርሻና እዩ ኢሎም።

መጽሓፈ እስቴር፥ እግዚኣብሔርን ዘድሕን እምነትን

እዚ ዝኽሪ ናይ ሓባር ዘተ መጽሓፈ ኣስቴር ዘማእከለ ኵይኑ ክሕሰብ ምግባር ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነን ኣብ መጽሓፈ ኣስቴር እግዚኣብሔር ብጭራሽ ኣይስየምን፡ እግዚኣብሔር ዝብል ስም ኣይርከብን፡ ብምስጢር እዩ ዝገለጽ፡ ህቡእ እግዚኣብሔር ኰይኑ እዩ ዝንበብ፡ እዚ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ ዓቢይ ሶውራዊ ኣገላልጻ እዩ፡ ኣስቴር ብዛዕባ እቲ ኣብ መንግስቲ ንጉስ ፋርስ ዝተፈጸሙ ነገራት ተዘንትው፡ መርዶክዮስን ሕዝቢ ኣይሁድን ኣብ መንግስቲ ፋርስ ከምዘይተበታተነን ካብዚ ንላዕሊ እውን ከምዘይጸነተን ተዘንትው፡ ፋሕ ከምዘይበለን ከምዘይጸነተን፡ ኣስቴርን ኣንስት እያ፡ ንህዝባ ኣብ እምነቱ ተድሕኖ ንዅሉ ኣይሁድ እውን ዘይነበረ” ናኣይሁዳውን ዘይኣይሁዳውን፡ ኣስቴር ዝብል ስም ንገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስም ኣይኵነን ዝነበረ፡ እቲ ዝሕርር እንኰ ዝዀነ እግዚኣብሔር ትምስክር፡ እቲ ናጻ ዘውጽእ ሓይሊ እግዚኣብሔር ናይ ሓቂ ናጽነት ስለ ዝዀነ ሓይሊ እግዚኣብሔር ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ንእዋናዊ ዓለም ዝዛረብ መጽሓፍ

ኣብ ፍሉይነት ሓድነት ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ኣስቴር ትምስክር፡ ኣብ እዋን ግዝኣት ፋርስ ኣይሁዳውያን ብቝጽሪ ውሑዳት እውን እንተነበሩ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮም እምነት ግና የድሕኖምን ንኻልኦት ናይ ድሕነት መጋበርያ ይዀኑ፡ እቲ ኣብ መጻሓፍ ኣስቴር ዝንበብ ታሪኽ ዓቢይን ማራኽን እዩ፡ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልይ ይሃሉ ኵላትና ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ምዃንና የበስር።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ርክባን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብፁዕ ኣቡነ ስፕረያፊኮ ዘኪሮም፡ ናይ ርክብ ዕሴት ከዘነቓቕሑን ሕውነትን ምሕዝነትን ኣብ ምክብባርን ናይ ሓባር ዘተን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዮም፡ ናይ ሮማ ናይ ሃይማኖት ኣይሁድ ሰዓብቲ ማሕበረሰብ ኣደ መንበር ሩት ዱረገሎ እውን ነዚ ሓሳብ እዚ እየን ዘቃልሓ ቢሎም ምስ ሓበሩ ኣስዒቦም፡ ዕለት 17 ጥሪ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ብኸምዚ ዝበለ መደብ እዩ ዝፍጸም ኢሎም፡ ቀጺለን ዱረገሎ እውን ብወገነን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ ርክብን ዘተን ኣይሁድን ክርስቲያንን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክመስል ዝብል ወይ ከኣ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ክዕብለል ዝብል ኣይኰነ፡ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ዓቂብካ እቲ ፍልልይ ንዓሚዩቕ ሌላ መሰረት ክኸውን ምጥቃም ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ፍልልይ ምኽንያት ግጭት ክኸውን የብሉን፡ እቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ሓባር ዘተ ብተክለ ሰብነት ኣስቴር ምንባሩ ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ፡ ዘጓንፍ የጓንፍ መንነታን መንነት ሕዝባን ዘይሓበአትን ዘይሸጠትን እያ፡ ሕዝብኻ ንዘይምኽሓድ ኣብ ጽንዓት ኣብነት እያ ኢለን።

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ብጋሴ ናይ ሓባር ዘተ ክርስቲያንን ኣይሁድን
17 January 2019, 17:05