ድለ

መደብ ዓለም ለኻዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ መደብ ዓለም ለኻዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ 

መደብ ዓለም ለኻዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢሚራት ዓረብ

ናብ ሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5 ፍቕዲ 9 “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እያቶም” ዝብል ቃል ኣስተንፎፍሶ ዝገበረ ኣብ ጸሎት ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተነብረ፥ ኦ ጐይታ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ ዝብል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ጉባኤ ክሳተፉ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ካብ ናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ልኡል ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ናሕያን ዘቐረበሎም ዕድመ መሰረት ኣብቲ ኣብ ዱባይ ኣብ 2019 ዓ.ም. ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጉባኤ ንኽሳተፉ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ካካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሕ ቃል፡ ናይ ሰላም መጋበርያ ግበረኒ ዝብል እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ዱባይ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣምሪሑ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጉባኤ ንኽሳተፉ ናብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 5 ፍቕዲ 9 “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እያቶም” ዝብል ቃል ኣስተንፎፍሶ ዝገበረ ኣብ ጸሎት ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተነብረ፥ ኦ ጐይታ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሰብኣዊ ጽልእ ይፍውስን እቲ መላእ ዓለም ኣብኡን ምሳኡን ዘተርቕ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣወጀ ሓድሽ ቃል ብስራት ዘሰንይ እዩ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓረይዎ ናይ መገሻኦም መርሕ ቃል ኣብቲ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሰላም ዘስፍሕ ብፍላይ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ኣብ ልቢ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዘስፍሕ ክኸውን ንዘለዎም ድላይ ዘረጋግጽ ምዃኑ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም

ናይቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ትእምርቲ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሓንቲ ኣውሊዕ ዝሓዘት ርግቢት ትእምርቲ ዝገበረ ከይኑ፡ ናይታ ርግብቲ ሕብሪ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰንደቕ ዕላማ ጻዕዳን ቢጫን ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ሰንደቕ ዕላማ ሕብሪ ኣብታ ርግቢት ዝተብረ እውን እዩ፡ እዚ ትእምርቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሰላም ንብሳር ምዃኑ ዝሕብር እዩ እንክብሉ ቡከር ይገልጹ። 

06 December 2018, 17:27