ር.ሊ.ጳ. - ዓባስ፥ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ምብጋስ ር.ሊ.ጳ. - ዓባስ፥ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ምብጋስ 

ር.ሊ.ጳ. - ዓባስ፥ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ምብጋስ

ዝብሎ ክልተ ልኡላውያንን ጐረባብትን ሃገራትን ኢየሩሳሌም ክፍቲ ከተማ ዝብልን ህልዊ ኵኔውታ መሰረት ዘለዎ ውሳኔ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ሰዓት 10.30 ብናይ ሃገሮም ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ተሰንዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፍልጥኤምን፡ ብዛዕባ ኪደት ዕርቂ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ፍልስጥኤምን እቲ ኣብ መንጐ ኣስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ንኽነጥፍን ኣብቲ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ዝብል ድምዳሜ ክብጻሕን ብዛዕባ ህልዊ ኵኔታ ኢየሩሳኤምን ከይዲ ሰላምን ዘተን ንጸረ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ርክብ ከምዝነበረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሲዕቡ፥

ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ጋላገር ከምእተራኸቡን፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ’ዚ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፍልስእጢምን ዘሎ ርክብ ዕዉት ምዃኑን፡ ፍልስጥኤማዊ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሃገሩን ንሃገሩን ዘለዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦን ኣብ ፍልስጥኤም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ክሌኣዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝቖመ ኣብቲ ከባብን ሕዝብን እተበርክቶ ኣገግሎት ኣድማዒ ምዃኑ ከምእተረጋገጸን የመልክት።

ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ ፍልስጥኤም ዕርቂ ክህሉን ካብዚ ብምብጋስ ምስ እስራኤል ክህሉ ዝግበኦ ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ንምቕቓሕን እዚ ኸኣ ከምቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝብሎ ክልተ ልኡላውያንን ጐረባብትን ሃገራትን ኢየሩሳሌም ክፍቲ ከተማ ዝብልን ህልዊ ኵኔውታ መሰረት ዘለዎ ውሳኔን እዚ ናይታ ከተማ ኵላውነት ዝገልጽ ናይተን ሰለስተ ዓበይቲ ኣብራሃማውያን ሃይማኖታት ከተማ ዝብል ጸዋዕታኣ መሰረት ኣብ ዝገበረ ስምምዕ ክብጻሕ ዝብል ሃሳብ ከምተሰመረሉን ኣብ መወዳእታ እቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ስቓይ ኰይኑ ዘሎ ሁከትን ውጥረትን ንምውጋድ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሰላም ዘተ ክተባባዕን እዚ ከኣ ናይ ኩለን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃይማኖታት ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ዝነጽግ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኸተ ርክብ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

04 December 2018, 17:25