ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ብርእደ ምድረ ብሕሪ ዝተጠቕዔት ሃገረ ኢንዶነዢያ ይጽልዩ

ጸሎተይ ናብታ ከቢድ ናይ ዜጋታት ሞትን ማህሰይትን ውድመት ንብረትን ብዘጓነፈ ርእደ ምድረ ማያት ባሕሪ ኣዚያ ንዝተጠቕዔት ሃገረ ኢንዶነዢያ ጸሎተይ የዕርግ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ እታ ብርእደ ምድረ ብሕሪ ዝተጠቕዔት ልዕሊ 280 ናይ ሞት ሓደጋን ንልዕሊ 800 ዝግመት ዜጋታታ ሓደጋ ማህሰይቲ ንዘጓነፋ ሃገረ ኢንዶነዢያ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ገሊጾም ማሕበረሰብ ዓለም ነዛ ሃገር ሓገዙ ከወፍይ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካ

ጸሎተይ ናብታ ከቢድ ናይ ዜጋታት ሞትን ማህሰይትን ውድመት ንብረትን ብዘጓነፈ ርእደ ምድረ ማያት ባሕሪ ኣዚያ ንዝተጠቕዔት ሃገረ ኢንዶነዢያ የዕርግ እንክብሉ ዕለት 23 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሒር ኣብ ዘዕረግሉ ዕለት ሰንበት ከምዝገለጹን፡ እቲ ኣብ መትርብ ሶንዳ ኣብ መንጐ ደሴት ጃቫን ሱማትራን ዝተኸስተ ርእደ ምድረ ባሕሪ ንልዕሊ 280 ዜጋታት ናይ ሞትን ንልዕሊ 800 ዝግመቱ ዜጋታት ናይ ማህሰይቲ ምኽንያት ከምዝዀነ እንክንገር፡ ብዙሓት ገና ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ ካብ ኢንዶነዢያ ዝተወሃበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ድጋፍ ንሕዝቢ ኢንዶነዢያ

ነቲ ብኸቢድ ርእደ ምድረ ባሕሪ ዝተጠቕዔ ሞትን ማህሰይትን ውድመትን ነዚ ስዒቡ ከቢድ ስቓይ ንዘጓነፎ ሕዝቢ ኢንዶነዢያ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዘኑ ከምዝሓብሩን እግዚኣብሔር ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ክፍውስ ምእንታኡ ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህዝቢ ኢንዶነዢያ ድጋፉ ከቕርብን ተሓባባርነቱ ክምስክርን እላበው ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብዘጋጠመ ርእደ ምድረ ባሕሪ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ዘጋጠሞ ሕዝቢ ብዝሒ ክብ ክብል ይኽእል

ናይ ሃገረ ኢንዶነዢያ ናይ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋ ምክልኻል፥ በቲ ዘጋጠመ ርእደ ምድረ ባሕሪ ምኽንያ ዝተጐድኤን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞን ሃለዋቱ ገና ዘይተፈልጠን ሕዝቢ ብዝሒ ክብ ክብል ከምዝኽእል ከመልክት እንከሎ፡ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ጂኮ ዊዶዶ፡ ብርግጽ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞ ዜጋታት ቅጽሩ እናዓበየ ክኸይድ ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፡ መንግስቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝመዓራረይ ሕጹጽ ኵለ መደያዊ ድጋፍ ከቕርብን ንዝተጐድኡን ዝቖሰሉን ዘድሊ ሓገዝ እውን ከቕርብ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ ናይ ኢንዶነዢያ ናይ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጽታት ይሕብሩ።

ናይ ስነ ከባቢ ኣየርን ናይ መልክኣ ምድሪ ስነ ኣቀማምጣ ምርምር ማእከል እቲ ርእደ ምድረ ባሕሪ ዝኸሰቶ እታ እሳተ ጐመራዊት ደሴት ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብምኽንያት ክራካቶኣ እሳተ ጐመራ ዝተደረኸ ግንፋለ ዘንቀሎ ምዃኑ ክንገር  እንከሎ፡ ኣብቲ ብርእደ ምድረ ባሕሪ ዝተጠቕዐ ከባቢ ዝክርከብ ሕዝቢ ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቕ ናይ ኢንዶነዢያ ናይ ስነ ከባቢ ኣየር መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈ ሓላፊ ራህማት ሪዮኖ ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ርእደ ምድረ ባሕሪ መሊሱ ክለዓዓል ዝኽእል ምዃኑ ገሊጾም፡ ሕዝቢ ጥንቃቔ ክገብር መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፉ ካብ ኢንዶነዢያ ዝመሓላለፈ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ድሮ ኣብ ምቕራብ ሓገዝ

እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት በቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ብዝርከብ ጨንፈር ኣቢሉ ድሮ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ይረባረብ ከምዘሎን ናይ ደሴት ጃቫ ሰበኻ ቦጎርን ናይ ደሴት ሱማትራ ሰበኻ ታንጁንግን ካራን ሰብኣዊ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ናይ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኢንዶነዢያ ሓላፊ ዮሃነስ ባስኮሮ ገሊጾም፡ ናብቲ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ከባቢ ሓገዝ ንምቕራብ ዘጸግም እውን እንተዀነ ብዝከኣል መገዲ ድጋፍ ንምቕራብ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ብርቱዕ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ኣብ ኢንዶነዢያ ብዝተፈላለየ እዋን ንዝኽሰት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ዘርእዮ ቅርበትን ኣቕርቦት ደገፍን ብምቕጻል ሕጂ እውን ኣብ ምቕራብ ናይ ሰብኣዊ ድገፍ ይሳተፍ ከምዘሎን ድሮ ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ድጋፍ ንምቕራብ ሕዝቢ ኢጣሊያ ዘሳትፍ ናይ ረድኤት ጐስጓስ የሳልጥ ምህላዉ ካብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

24 December 2018, 12:58