ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ኢሰብኣውነት እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ኢሰብኣውነት እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ኢሰብኣውነት እዩ

ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ቅዱስ እዩ፡ ሰብኣዊ ሕይወት ብዘይ ወጋንነትን ፍሉይነትን ክዕቀብ ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ኣባላት ዓለም ሓቆፍ ድርገት ምንቅስቓስ ጸረ ፍርዲ ሞት ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም፥ እዚ ምንቅስቓስ ካብ መላእ ዓለም ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብል ዓንቀጽ ክወገድ ንዝገብርዎ ጐስጓስ ኣመስጊኖም፡ ፍርዲ ሞት ሕሱም ጭካኔ ዝተመልኦ መቕጻዕቲ እዩ፡ ብሓጺሩ ኢሰብኣውነት ተግባር እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝጽመር ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ቅዱስ እዩ፡ ሰብኣዊ ሕይወት ብዘይ ወጋንነትን ፍሉይነትን ክዕቀብ ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሞት ፍርዲ ኣነጺሩ ናይ ሰብ ብኑባሬ ዘለዎ ሰብኣዊ ክብሩ ዝጐድእ ብምዃኑ ዘይቅቡልን ንጹግን ጥራሕ ዘይኰነ ምኽንያታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ይምህር። ፍርዲ ሞት ንገዛእ ርእሱ ጸረ ወንጌል እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ፈጣርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ጥራሕ ሓቀይና ፈራድን ዋሕስን ዝኸነ እግዚኣብሔር ቅዱስን ክቡርን ስለ ዝዀነ።

ኢሰብኣዊ መቕጻዕቲ

ብዝሕ እዋን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ናይ ሞት ፍርዲ፡ መርትዓውን ቅኑዕን ዘብሎ ምኽንያት ይቐርብ እሞ ናይዚ ምኽንያት ሳዕቤን ምዃኑ ይንገርን ይትግበርን ነይሩ እዩ፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣውን ከይተረፈ ነቲ ኣብ ፍትሓ ፍርዲ ዘሎ ቀዳምነት ምሕረት እግዚኣብሔር ነጺግካን ደንቍይርካን፡ ነዙ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታውን ሓላፍነትና እውን ተቐቢልና ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝሓለፈ ሃላፍነትና ተቐቢልና ፍርዲ ሞት ሓጋግነት እምበር ፍትሓውነት ከምዘይኰነን ናይ ሓጋግነት ሳዕቤን ምዃኑ ተኣሚንና ክርስቲያናዊ ከምዘይኰነ ከነስተውዕል በቒዕና ኢና፡ ስለዚህ ፍርዲ ሞት ናይቲ ሰብኣውነትን ምሕረትን ኣልቦ ናይ ዝዀነ ሓጋግነት ውጽኢት እምበር ክርስትያናውነት ኣይኰነን ኢሎም።

ናብ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ውሳኔ እገዳ ፍርዲ ሞት

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኩለን ሃገራት ዋላ’ኳ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻት ይሃሉ ብዘየገድስ ነቲ ጨካንን ሕሱምን ዝዀነ መቕጻዕቲ ፍርዲ ሞት  ክልኩል እዩ ዝብል ውሳኔ ከልዝባን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ኣብ ዘፈላለዩ ከባቢ ዓለም ዝረአይ ብመገዲ ርእሰ ባዕላዊ ዝፍጸም ጃምላዊ ፍርዲ ሞት ብዙሕ ግዜ ዝረአይ እዩ፡ ሕጋውነት ርእሰ ምክልኻል ዝተመጣጠነ ሓይሊ ምስ ምጥቃም ዝብል ኣምር ክጣመር ይግብኦ።

ኣቦን ኣደን ዝዀነ ፍትሓ ሕጊ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፥ ፍትሓ ሕጊ መንፈስ ኣቦነትን ኣደነትን ዘለዎ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካብ ፍቕሪ ዝምንጭው ሓድ ሕዳዊ ምትሕልላይ መርገሳውን ፖለቲካውን እውን እዩ፡ ዝበለጸ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዝግለጽ ናይ ሓባር ክንክን እዩ፡ ፍቕሪ ንሕብረተሰብን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ጻዕርን እዚ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እዩ፥ ኣብ ውልቃዊ ርክባት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ንኡሳን ርክባትን ማሕበራዊ ርክባትን ኤኮኖሚያውን ፖለቲክውን ርክባትን ዝግለጽ ግብረ ሰናይ ማለት እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሞት ፍርዲ ምጥቃም ኢሰብኣውነት እዩ
18 December 2018, 15:43