ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓስራይ ፍጻሜ ኣብ ቲቪ 2000፥ ትዕግስትን ውዳሴ ማርያምን

ትዕግስቲ ዝብል ቃል ምስ ጭቡጥ ኩነት ህሙምንን ኣረጋውያንን እሱራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ስቓያት ኣጻሚሮም ምስ ዝነብሩ ኵነት ኣተሓሒዞም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕባር ኣብ ከተማ ፓዶቫ ናይ ዝርከብ ቤት ማእሰርት ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09.05፡ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፡ ሎሚ ዕለት 18 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዛዕባ ትዕግስትን ውዳሴ ማርያምን የስተንትኑ፥ እግዚኣብሔር ብማርያም ኣቢሉ ናብ ዓለም ብትዕግስቲ ይኣትው፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዓስራይ ፍጻሜ ብፍሉይ ኣብ ውዳሴ ማርያም ኣተኵይሮም፥ ብትዕግስቲ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ምስታፍን ንናይ ካልእ ስቓይ መስተብሃልን ዝኸውን ምስ ናይ እግዚኣብሔር ስቓይ ኣብ ኢየሱስ ጽንቡር ይኸውን፡ ቢሎም ትዕግስቲ ዝብል ቃል ምስ ጭቡጥ ኩነት ህሙምንን ኣረጋውያንን እሱራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ስቓያት ኣጻሚሮም ምስ ዝነብሩ ኵነት ኣተሓሒዞም፡

ተስፋ ዶ ወይ ምጽማም?

ብዛዕባ ተስፋ ክሓስብ እንኰለዅ ኣብ ኣእምሮይ ዝስቆረኒ ፍሉይ ቃል ትዕግስቲ ዝብል እዩ፡ ናብ ትዕግስቲ እትው ምዃን ማለት፡ ኵነታት ሕይወት ኩሉ ኣብ እንግዳዕኻ ኣንቢርካ ንቕድሚት እናጠመትካ ምጉዓዝ ማለት እዩ፡ ተዋስአ - ሕማምን ምሕጹንን ናይ ምዕጋስ ብቕዓት ዘለዎ እዩ፡ ናይ ክርስትያን ተዋስአ ሕማም ተሳታፍነት እዩ፡ ስለዚህ እዚ ክርስቲያናዊ ተሳታፍነት ዘይብል እንተወሓደ ኣብ ምጽዋር ክበጽሕ የኽእል።

ምስ ማርያም ምንጽጻር

ቤተ ክርስቲያን እትግለጽ ብኣንስት ጾታ እያ፡ ስለዚህ ውሉደ ክህነት ተባዕት ጾታ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ውሉደ ክህነት ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ብጓለንስተይቲ እያ እትጽዋዕ፡ ስለምንታይ መርዓት ስለ ዝዀነት፡ ማርያም መርዓት ናይቲ ብምልእት መንፈስ ቅዱስ ዘእንግድ ከምኡ እውን ንማርያም ምሉእ ብምሉእ ናይ ዘእንግድ ዮሴፍ ምርዓት እያ፡ ኣደ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን፡ ቤተ ክርስቲያን ከኣ መርዓት ክርስቶስ እያ፡ እቲ ዝስትውዓል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ካብ ናይ ማርያም ኣደነት፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓልዮት ካብ ናይ ማርያም ሓልዮትን ርህራሄን ዝምንጭው እዩ።

ዕዱማት

ቅዱስነቶም ብዝለግስዎ ቃለ ኣስተንትኖ መሰረተ ሓሳበንን ርእይቶኤን ንኽቐርባ እስራኤላዊት ደራፊት ኖኣን ጋዘጠይና ፈደሪካ ኣንጀሊን ክዀና እንከለዋ፡  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣመርኵዞም ኣባ ፖዛ ብዘቕርቡሎም ቃለ መሕትት መሰረት ዝህብዎን ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቩ 2000 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝመሓላለፍ ዘሎ መደብ ድሮ ተጠርኒፉ ብቤት ማሕተም ሪዞሊን ቤት ምሕተም ቫቲካንን ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ዝዝከር እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ዓስራይ ፍጻሜ ኣብ ቲቪ 2000፥ ትዕግስትን ውዳሴ ማርያምን

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ዓስራይ ፍጻሜ ኣብ ቲቪ 2000፥ ትዕግስትን ውዳሴ ማርያምን
18 December 2018, 15:58