መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብርታት ዝርዝር ገና ዘይቀረበ እውን እንተዀነ ዝኽተሎ መርሕ ቃልን መለለዪ ኣርማን ድሮ ከምእተሰናደዎ ኣፍሊጦም።

ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያን መቀዶኒያን ዓለም ሓቆፋዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ ሓበሬት የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡልጋሪያ ኣብ ከተማ ሶፊያን ራኮቪስኪን ኣብ መቀዶኒያ ከኣ ኣብ ከተማ ስኮፕጀ ምብጻሕ ከምዘካይዱን፡ ኣብ ሃገራት ቡልጋርያን መቀዶኒያን ካብተን ሃገራት መንግስታትትን ኣብተን ሃራት ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 13 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብርታት ዝርዝር ገና ዘይቀረበ እውን እንተዀነ ዝኽተሎ መርሕ ቃልን መለለዪ ኣርማን ድሮ ከምእተሰናደዎ ኣፍሊጦም።

ናይቲ ኣብ ቡልጋሪያ ዘካይድዎ መገሻ መርሓ ቃልን መለለዪን

ክልተ ኣእዳው ንዓለም ዝድግፉን ናይ ቡልጋርያ እትርከበሉ ክፍለ ዓለም ዘርእይ ቡልጋሪያ ኣበይ ከምዘላ ዝሕብር ሰንደቕ ዓላማ ቡልጋርያን ዝተነብሮን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ሰላም ኣብ ምድሪ ዝብል ኣርእስቲ መርሕ ቃል ዝገበረን ክኸውን እንከሎ ዮሓንስ መበል 23 ንቡልጋርያ ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክዀኑ እንከለዉ፡ ር.ሊ.ጳጳጳሳትን ካርዲናልን ቅድሚ ምዃኖም እውን ኣብ ቡልጋርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ናይቲ ናይ መቀዶኒያ ዘካይድዎ መገሻ መርሓ ቃልን መለለዪን

ናይ ሃገረ መቀዶኒያ ሰንደቕ ዕላማ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዝበስርን ዝባርኽን ስእሎምን ናይዚ መለለዪ ድሕረ ምድሪ ከኣ ናይ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ መፍለጢ ዝዀነ ናይ ገዳማዊ ልብሰን ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎን እናቴ ተረዛ ኣብ ከተማ ስኮፕጀ ዝተወልዳ ብምዃነን ነዚ ዘንጸባርቕን መርሕ ቃሉ ድማ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 12, 32 “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ … ኣይትፍራህ” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቡልጋሪያን መቄዶኒያን

 

14 December 2018, 16:50