ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ሓድነት ክርስቲያን ነቲ ብዓመጽ ዝቆሰለ ዓለም ተስፋ እዩ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ሓድነት ክርስቲያን ነቲ ብዓመጽ ዝቆሰለ ዓለም ተስፋ እዩ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ሓድነት ክርስቲያን ነቲ ብዓመጽ ዝቆሰለ ዓለም ተስፋ እዩ

ኣብዚ ብግጭትን ብዓመጽ ዝደምይ ዘሎ ዓለም እቲ ናይ ተስፋ ምልክት ዝዀነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ጭቡጥ ከይኑ ወትሩ ከንጸባርቕ ቅዱስነቶም ናብ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ብላቲን ስርዓተ ኣምልኰ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝተብዓለ ዓመታዊ በዓል ሓዋርያዊ እንድሪያስ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቅዱስ እንድሪያስ ናይ ቁስጥንጥናያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ብምዃኑ ናብ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ብግጭትን ብዓመጽ ዝደምይ ዘሎ ዓለም እቲ ናይ ተስፋ ምልክት ዝዀነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ጭቡጥ ከይኑ ወትሩ ከንጸባርቕ ቅዱስነቶም ናብ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ቍስጥንትናያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ሓዋርያ እንድሪያስ ምዃኑን እዚ በዓል’ዚ ንናይ ቍስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ምልክት ተስፋ እዩ ኢሎም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ኣብ ቁስጥንጥንያ

ቅዱስ ኣቦና ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ሓለዊ ቅዱስ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝተሳተፉ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕህ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ድሕሪ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍጻሜ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተረኺቦም ከምዘንበብዎን ቅድስቲ መንበር ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያን ልኡካና ናብ ኢስታንቡል ብምልኣኽ ሱታፌኣ ከምእተረጋገጽን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደተ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ዕለት 29 ሰነ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብልኡካና ከምእትሳተፍ ዝፍለጥ እዩ።

ዝሓለፈ ዘይምርድዳእ ክስገር

ካቶሊካዊትን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘብዕለኦ ነናይ ሓላዊ ቅዱሳተን ዓመታዊ በዓል ብልኡካን ኣቢለን ሓድ ሕዳዊ ምስታፍ ዝፍጽማ ክዀና እንከለዋ፡ እዚ ሰናይ ልምዲ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ክልእቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መናብርት ዘሎ ሰናይን ዓሚዩቕ ርክብ ዝምስክር እዩ፡ እቲ ዝሓለፈ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ዘይምርድዳእን ፍልልያትን ዘይምርኻብን ክስገር ዝድርኽ ቅዱስ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ እቲ ናብ ሓድነት ዘምርህ ናይ ሃሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጐራ ብዝተኻየደ ርክብ ኣቢሉ ከምዘብገሶን ንድሕሪ ዘይምለስ እናዓበየ ዝኸይድ ሕውነታዊ መንፍስ ዝዓሰሎ ርክብ እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የዘኻኽሩ።

ኣብ መንጐ ኣህዛብ ሰላም ክዓስል ብሓባር ምስራሕ

ኣቢያተ ክርስቲያናትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም፡ እቲ ናይ ቀዳሞት ቅዱሳት ጉባኤን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበውን ዓቢይ ሓዋርያዊ ባህልን ትምህርትን ዓቂበን፡ ዋላ’ኳ ደሓር ከባቢያዊ ባህልን ቲዮሎጊያዊ መቓን ዘለዎ ፍልልያት ይከሰት እዚ ፍልልይ’ዚ ብምርድዳእን ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ኩሉ ብምስታፍን ኣስፍሆተ ወንጌል ንዅሉ ህዝቢ ብዝብል ጸዋዕታ ተመሪሐን ብግልጽነት ክሰግራ ዝተጸውዓ እያተን፡ እዚ ከኣ ብሓባር ኣብ መንጐ ኣህዛብ ሰላም ንምርግጋጽ ብሓባር ክዓያ ዘኽእለን ባይታ እዩ ኢሎም።

ኣብ ድልያ ምሉእ ውህደት

እቲ ዝነበረ ምሉእ ሱታፌ ዳግም ንኽረጋገጽ ንኣኡ ኣብ ምድላይ ምትጋህ የድሊ፡ እቲ ምሉእ ውህደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዋዜማ ሕማማቱ ንበይኑ ፍልይ ቢሉ ሰዓብቱ ሓደ ምእንቲ ክዀኑ (ዮሓ. 17.21) እንክብል ናብ ኣቡኡ ንዘቕረቦ ጸሎት ልመና መልሲ እዩ፡ ብውህደትን ካብ ውህደትን ንሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ድኽነን ሕማምን ውግእን ንዝርከቡ ኣሕዛብ ዝቐርብ ምስክርነት ፍርያምን ስሉጥን እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥

ናይ ሓባር ስክፍታ ስለ ክርስቲያን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ኣብቲ ቅድስነቶም ዕለት 7 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ንኽካየድ ጸዊዕምዎ ዝነበረ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምርኻቦም ዘኪሮም ብምምስጋን ምሳኹም ቅዱስነቶም በርጠለመዎ ቀዳማዊ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ህልው ኩነታ ዘሰክፍ ምዃንን እዚ ስክፍታ’ዚ ተኻፊልና ምንባር ብሓቂ ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ተስፋ እዩ ኢሎም።

ክርስቲያን ብሕውነታዊ መንፈስ ክወዓውዑ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ንብፁዕ ወቅዱስ ዘቍስጥንጥንያ ጸሎቶም እንከረጋግጹ፡ እግዚኣብሔር ምንጪ ዕርቅን ሰላምን ንኣና ክርስቲያን ስኒትን ብሕውነታዊ መንፈስ ተዋዓዊዕና (1ጴጥ. 3.8) ናይ ሓጐስን ሓዘንን ተኻፈልቲ ክንከውን የብቅዓና እንክብሉ ዛዚሞም።

01 December 2018, 17:21