ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካህን ሓላይ ልቢ እዩ

ንሕዝቢ ቀረባ ምዃን ዝብል ተክለ ሰብነት ካህን ቅዱስ ኣቦና ኣጽኒዖን ይሕብሩ፡ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ ሓሙስ ምኽንያት ስነ ስርዓት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ፈጺሞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ካህን ቀረባ ንሕዝብን ሓላይን ለዋህን ኣብ መንጐ ህዝብን ምስ ሕዝብን ዝጓዓዝ እዩ

ቅድሚ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት፡ ልክዕ ዕለት 13 ታሓሳስ ኾርገ ማርዮ በርጐሊዮ ኣብ 33 ሰለስተን ዓመት ዕድመኦም ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም፡ ኣብቲ ኣዋን ናይ ስነ ቅመማ ዕደ ጥበብ ምሩቕ ከምዝነበሩ እውን ይዝከር፡ ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ድሕሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ዘፍሎረስ ከይዶም ብኣባ ዱኣርተ ምዝ ተናዘዙ፡ ጸዋዕታ ኣብ ልቦም ክስምዖም ጀመረ፡ ካህን ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ቅርበትን ሓልዮትን ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምንቶ እውን ነይርዎም፡ ሎሚ እውን ዝብልዎን ዝነብርዎን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓ.ም.  ኣርባዕተ መዓልቲ ቅድሚ ዓመተ ልደቶም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ኮርዶባ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ራሞን ኾሰ ካስተላኖ ድልው ወእቱ ተባሂሎም ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ፡ ኣብ መንእሰይ ዕድመኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ዘፍሎረስ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞም ዘይፈልጡ ንዝነበሩ ካህን ኣባ ዱኣርተ ኣንዙዙኒ ቢሎም ምስ ተናዘዙ፡ ናብ ቤቶም እናተመሱ እንከለዎ ኣበ ነፍስ ረኺበ ዝብል ሓጐስ ክስምዖም ከምዝጀመረን። ኣብታ ሰርጆ ሩቢንን ፍራንቸስካ ኣምብጀቲ ብሓባር ኣብ ዝደረስዎ መጽሓፍ ከም እነንብቦ፡ ንቤቶም እናተመሱ እንከለዉ (17 ዓመት ዕድመኦም) ካህን ንምዃን ጽኑዕን ብርቱዕን ርጉጽን ድላይ ክስምዖም ጀመረ፡ ኣብ 21 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመሃራይ ኰይኖም ኣተዉ።

ካህን ኣቑሳል ሕዝቢ ዝፍውስ - ሓላይ ሕዝቢ

ካህን ብመርኣያን ፍካሬን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መን እዩ? ናይዚ ሕቶ መልሲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳንን ስብከታቶምን ኣስተምህሮታቶምን ምስ ካህናትን ጳጳሳትን ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ኣብ ዘቕርብዎ ቃለ ምዕዳን ተመልኪቱ ይርከብ፡ ዕለት 6 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ካህናትን ቆሞሳትን ተራኺቦም፡ ናይ ካልእ ሓሳር ናቱ ዝገብር እዚ ማለት ከኣ ዝምሕር፡ ስለዚህ ሕያዋይ ጓሳ፡ ደንጋጽን ሓላይን መሓርን፡ ንሕዝቢ ቀረባን ኣገልጋልን፡ ናይ ካልእ ስቓይ ናቱ ኣብ ምግባር ዝጓዓዝ፡ ኣቝሳል ህዝቢ ዝፍውስ፡

ንየው ነጀው ዝብል ልቢ ዘይብሉ

ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ተበጊሱ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዝኣወጅዎ ፍሉይ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ዕለት 3 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮበልዩ ካህናት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ካህን ልቡ ኣብ ኢየሱስ ዘጽንዕ/ዝጸንዐ ማለት እዩ፡ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተሰንጠቐ ልቢ ዘለዎ፡ ከምዚ ብምዃኑ ገዛእ ርእሱ ዝጥምትን ናብ ገዛእ ርእሱ ዘብል ዘይኰነ ናብ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ምባል ዝነብር እዩ፡ ስለዚህ ንየው ነጀው ዘይብል ልቢ ዘለዎ፡ ልቡ ኣብ ኢየሱስ ዝጽንዔ፡ ንኣሽቱ ርውየት ናብ ዘርኽበሉ ተቐባልነት ክረብ ናብ ዝብል ዓነትት ኣብ ግሊ ረብሓን ግላዊ ግዚያዊ ርውየት ዘተኰረ ሕይወት ዘይነብር፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተማረኸ ክፉትን ስንድው ነሕዋትን ዝዀነ ልቢ ዘለዎ እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ቀረባ ንሕዝብን ምስ ሕዝብን

ንሕዝቢ ቀረባ ምዃን ዝብል ተክለ ሰብነት ካህን ቅዱስ ኣቦና ኣጽኒዖን ይሕብሩ፡ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ ሓሙስ ምኽንያት ስነ ስርዓት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ፈጺሞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ካህን ቀረባ ንሕዝብን ሓላይን ለዋህን ኣብ መንጐ ህዝብን ምስ ሕዝብን ዝጓዓዝ እዩ፡ … ከምዚ ኰይኑ ምስ ዝክረብ ሕዝቡ ኣመኔታኡ የንብረሉ፡ እቲ ኣብ ህላዌ ኢየሱስ ዝስምዖ ውሳጣዊ ስምዒት የስተማቕር፡ ቀረባ ምዃን ንዝሕዝቢ እዚ እዩ ዘስምዕ፡ መጠን ንኢየሱስ ቀረባ ዝዀነ ንህዝቢ እውን ቀረባ ይኸውን፡ ነቲ ኣብ ሰብኣውነት ህልው ንዝዀነ ክርስቶስ ይንብረክኽ ከምዚ እንተዘይኰነ ግና ኣብ ሓሳብ ወይ ጽንሰ ሓሳብን ኣብ ስልጣንን ኩሉ ኣብ እውን ኩነት ጥራሕ ምእኩል ገርካ ኣብ ምሕሳብን ኣብ ልምድን ተደጋጋምን ዓይነት ምንባር ተንጠልጢሉ ይተርፍ፡ ልማዳውነት ይኸውን ድልማዳውነት የድክምን የሰልክይን ከምዝበሉ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካህን ሓላይ ልቢ እዩ
14 December 2018, 17:02