ድለ

ር.ሊ.ጳ.: ዘመነ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ኣሕዋት ምርኻብ ዝብል ኣገዳስነት ሕይወት የመላኽት ር.ሊ.ጳ.: ዘመነ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ኣሕዋት ምርኻብ ዝብል ኣገዳስነት ሕይወት የመላኽት 

ር.ሊ.ጳ.: ዘመነ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ኣሕዋት ምርኻብ ዝብል ኣገዳስነት ሕይወት የመላኽት

እንከረድኡ፡ እታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ንኽህብ ዝመጸላ ሰዓት እትገልጽ ምዃና እንክሕብር፥ ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ፍርዲ፡ ፍቕሪ መሰረት ዝገብር እዩ

ዘመነ ምጽኣት እቲ ንኽራኸበናን ኣብ ኣሕዋት ንኽንራኸቦን ምፍቃር መታን ክንመሃር ናባና ዝመጽእ ጐይታ ንኸነእንግድ ዝወሃበትና ግዜ እዩ፡ እቲ ሓድሽ ዓመት ሊጡርጊያ ዘበግስ ዘመነ መጽኣት ዓሚዩቕ ትርጉሙ ካብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታት ብሓጺሩ ንመልከት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና፥ ዘመነ ምጽኣት እቲ ንኽራኸበና ቢሉ ዝመጽእ ጐይታ ኣብ ሕይወትና ንኸነእንግድን ንቕድሚት እናጠመትናን ንዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ገዛእ ርእስና ንኸነቀራርብ እቲ ዘሎና ሃረርታ ንእዚኣብሔር ሓቅነቱ እነረጋግጸሉ ግዜ እዩ። ብትሑት ሰብኣዊ ኩነት ብበዓለ ልደቱ ኣቢሉ ናባና ክምለስ እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ንኣኡ ንምቕባል ስንድዋት ኣብ እንዀነሉ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ውሽጢ ይመጽእ። ህያዋይንን ሙታንን ክፈርድ ኣብ መወዳእታ ዓለም እውን ዳግም ክመጽእ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ነቒሕና ንጐይታ ብተስፋ ንኽንራኸቦ ንጽበይ።

ሰለስተ ግዜ ምብጽሕ ጐይታ

ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፡ ሰለስተ ምጽኣት ጐይታ ከምዘሎን፡ እታ ቀዳመይቲ፡ ብትስብእቱ፡ ኣብ ቤተ ልሔም በዓቲ ውልደት ኢየሱስ፡ እታ ካልአይቲ፡ ኣብ ህልውነት ዝግለጽ፡ እዚ ኸኣ ዕለት ብዕለት ኣብ ጉዕዞና ንኸሰንየና ዝገብሮ ምጽኣት እዩ፡ እታ ሳልሰይቲ ምጻእት ከስ፡ ቅዱስነቶም ብወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 መሰረት ገይሮም እንከረድኡ፡ እታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ንኽህብ ዝመጸላ ሰዓት እትገልጽ ምዃና እንክሕብር፥ ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ፍርዲ፡ ፍቕሪ መሰረት ዝገብር እዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ንምእንጋድ ነቒሕካ ምጽባይ ንምፍቓር ዕድል እዩ

ዕለት 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ኢየሱስ ኣብ ዘመነ ምጽኣት እቲ ዝጽገወና ፍቕሩ ከይነባኽን ይምዕደና፡ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጫውጫውን ዕግርግርን በቲ ዝረኣይ መዘንግዕን ወይ ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ ኣፍኣውነትን ከይተናወጽና ንኻልኦት ኣቃልቦ ብምግባር ብምልኣት ኣገባብ ንኽንነብር እንጽውዓሉ እዋን እዩ፡ በዚ ዓይነት ኵነት’ዚ ምስ እንነብር ናይ ኣሕዋት ንብዓትን ዘድልዮም ኩሉ ኣባና ይስቆርን ናብ ንብልን ከምዝበሉ ይምልከት።

ምጥንቃቕን ምንቃሕን ማለት ብቀቢጸ ተስፋነትን ብምድንጋራትን ከይተዓብለልናን ኣብ ሓጢኣትና ጠፊእናን እምነት ኣብ ሙግዳል ተዋሒጥና ትኽስ ከይበልና ነቒሕና ነቲ ኣብ ህልውናና ትርጉምን ክብርን ምልኣት ሰናይን ርህራሄን ንኽንብር ዝመጽእ ጐይታ ንምቕባል ዘብቅዕ ክነት እዩ።

ጽቡቕ ገድሊ እምነት

ብዘመነ ምጽኣት ጉዕዞና ናብ ጐይታ ነበግስ፡ ሓሴትን ጓህን ብርሃንን ጸልማትን ዝተመልአ ጉዕዞ እውን ይኹን፡  ጉዕዞ ገድሊ ይኸውን፡ ሰናይ ገድሊ እምነት ዝንበሮ፡ እግዚኣብሔር ፍጹም ሓያል እዩ፡ እዚ እምንቶ’ዚ ንኣማኒ ቅሳነትን ምርግጋእን ትብዓትን ጽንዓትን ኣብ ቅድሚ ተጻረርትን ጸላእትን ሓይሊ ጽንዓት ይኸውን፡ ዋላ’ኳ መንፈስ ክፍኣት ምስ ጭፍራታት ይፈነው ክርስቲያን እቲ ናይ መወዳእታን  መደምደምታን ቃል ካብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣሚኑ ከይተንበርከኸ ጸኒዑ ደው ክብል የበርትዖ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ዕለት 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ቀዳማይቲ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት እዩ።

እዚዩ ዘገድስ ምስ ጐይታ ምርኻብ እዩ

ዕለት 27 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ዘመነ ምጽኣት ኣብ ሕይወት ናይ ሕይወት ዓቢይ ኣገዳስነት ይሕብረና፡ እዚ ኸኣ እቲ ክበጽሓና ናባና ዕለት ብዕለት ምስ ዝመጽእ ጐይታ ምርዃብ ዝብል እዩ … ስለዚህ እዚ ኵነት’ዚ ብናይ ዓለም ነገራት ከይተዓብለልካ ብህድኣትን ርእሰ ምቍጽጻርን ምንባር ይሓትት … ከምዚ ዓይነት ምንባር እንተድኣ ዝጐደለ ኰይኑ እቲ ኣብ ሕይወት ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ በቐንዱ ምስ ጐይታ ምርኻብ ዝብል ይሰሓት፡ ናይ ኩሉ ነገርን ኵነትን ደረት ትርኢቲ ምስ ጐይታ ምርኻብ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ ምስ በሉ፡

ማርያም ኣእንዳውና ሒዛ ናብ ኢየሱስ ትመራሓና

ኣስዒቦም፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ንማርያም ኣወኪፎም፡ ናይ ምጽኣት ቅድስተ ድንግል ማርያም፡ ገዛእ ርእስና ወነንቲ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ገይርና ከይንጥምት ትደግፈና፡ እቲ ንሕይወትና ንኽቕይር ንዝመጽእ ጐይታ ዝቃወሙ ከይንኸውንን፡ መደባትናን ውጥናትናን ኩሉ ዝቕይርን ዝሕድስን ዝተገብኤንን ጽቡይ ዝዀነ ጐይታ ክበጽሓና ዝፈቕዱ ክንከውን ትደግፈና ከምዝበሉ ይዝከር።

01 December 2018, 17:31