ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኵሪያ ሮማና፥ ብርሃን ካብ ጸልማት ኣዚዩ ዝበርትዔ እዩ

ብኽብረትኩም ነዛ ቅድስቲ ኣዴና ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓቂ ካብ ኣጸለሞት ወይ ስም ምጽላን ከተለልይ ንሓግዛ፡ ብርግጽ እዚ ከቢድን ብዙሕ ጥንቃቔን ዝሓትት ሓላፍነት እዩ፡

ዕለት 21 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ በቢ ዓመቱ ናይ ቅዱስ በዓለ ልደት ሰናይ ምንዮት ንምልውዋጥ ናይቲ ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ኣባይቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝግለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳኖም፡ በዓለ ልደት እቲ ብገለ ገለ ሰባት ዝፍጸም ግብረ እከይ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያን ብምስዋዕ ኣብ መላእ ዓለም እትፍጽሞ ሰናይ ግብሪ ከይዕፈን ይገብር፡ ስለምንታይ በዓለ ልደተ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እነብዕለሉ ዓመት ዋላ’ኳ ናትና ሰብኣዊ ሓሳርነት ይሃሉ ብርሃን እግዚኣብሔር ብቐጻልነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ስለ ዘረጋግጸልና፡ እቲ ብገለ ገለ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎን ግብረ እከይ ፈጺሙ ናይ እግዚኣብሔር ጽባቔ ወጅሁ ኣይዕበጥን። ሓይሉ ኣብቲ መድሕን ዓለም ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ክስትውዓል ይገብር። ኣብ 2018 ዓ.ም. እታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጃልባ ብዙሕ ማዕበላትን ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስን ኣጓኒፍዋን ብዙሓት ብፍርሒ ድዩ ወይ ብገለ ገለ ጥቕማ ጥቕምታትን ተስፋ ቆሪጾም ካብኣ ዝረሓቑን ገሊኣቶም እውን በቲ ዘጓንፋ ጸፍዕታት እንቋዓነይ ዝብሉ ደስ ዝበሎም እውን እንተሃለዉ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይክሕይልዋን እዮም፥ ማንም ሰብኣዊ ተግባር ወጋሕታ መለኰታዊ ብርሃን ኣብ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ዳግም ከይውለድ ክገብር ብጭራሽ ኣይከኣሎን እዩ።

ነቶም ዓመጽ ዝፈጸሙ ንፍትሕን ሕግን ንምቕራብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ጻዕሪ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመን ዝተፈጸመን ከበድቲ በደላት ብፍላይ ከኣ እቲ ዓቢይን ምኽንያት ጓህን ዕንወትን ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ሕልና ዓመጽን ስልጣን ዕርዲ ምብግባር ዝተፈጸመ ዓመጽን ጠቒሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ እቶም ሕጻናት ፍትሒ ክረኽቡ ናብቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ግብረ እከይን ዝፈጠርዎ ጓህን ስቓይን ንዘይርስዕ እግዚኣብሔር ፍደየኒ ክብሉ ዝድርዀም እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝተፈጸመ ግብረ እከይ ካብ ሱሩ ክመሓው ቆራጽ ውሳኔታት ኣብ ምርግጋጽ ትርከብ፡ … ተሓተትትን ንሕግን ፍትሕን ክርከቡ ትገብር። ..  ከም ዳዊት ቅቡኣትን ካብ ጐይታ ዝተወሃቦም ስልጣን ንመጋበርያ እከይን ዓመጽን ዘውዓሉ ብምዃኖም። ስልጣኖም ቅቡእነቶም ተጠቒሞም ዝፈጸምዎ ግብረ እከይ ከይኣክል እቲ ዘፈንፍን ከምዘይፈጸሙ ተመሲሎም ኣግልግሎት ቅቡእነቶም ምቕጻሉ እዩ፡ … በዚ ተግባሮም እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ዘሳቐዩ እያቶም፡ ብዙሕ እዋን ድሕሪ እቲ መልኣኽ ዝተመሰለ ገጽን ርእሰ ምቍጽጻርን ዘለዎ ጭዋ ተመሳልነቶም ነቲ ኣብኦም ዘሎ ጨካን ተዅላ ዝሓብእ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እውን ንገዛእ ርእሳ ናይዚ እከይ ተግባሮም ዘይተኣማንነቶምን ኣደዳ እያ …  ።

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘፈንፍን ግብረ እከይ ቤተ ክርስቲያን ተሓተትቲ ንሕግን ፍትሕን ካብ ምቅራብ ገዛእ ርእሳ ኣይትበቕቕን፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፈጽመ ግብኡ ፍርዲ ክረክብ ንሕጊ ከምእተረክብን ገበናት እትኽውልን ትሕተ ግምት እትህብ ከምዘይኰነት ምፍላጥ የድሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሪክ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፈጸሙ ኣብ እዋኑ ዝተወሃቦም ፍርድን ግምትን ገሊኡ እውን እቲ ዝተፈጸመ ገበን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ተረዲኡ ክሳብ ዝተፈጸመ እዩ ቢሉ ንምእማን ተሳኢንዎ እውን ይኸውን ወይ ካብ ጉድለት ተመክሮ ከየቃልዔ ዝተረፈ ዘስቐጠ ይኸውን፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ብናይ ዝሓለፈ ኩነት ምንባብን ምትንታንን ግድን ይኸውን፡ ወይ ከኣ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም ሓላፍነትን ብዘይ ሕጹጽነትን ነቲ ከምዚ ዓይነት ገበን ሸለል ብምባል እውን ይኹን፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር’ዚ ንሓዋሩ ፈጺሙ ክህልው የብሉን፡ እዚ እዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ!

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ርእሰ ጉዳይ ክዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሊቀ መናብርት ጉባኤ እናሓሰቡን፡ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ግቡእ ፍርዲ ብምሃብ ንሓዋሩ ከይፍጸም ንዝግበር ጻዕርን ናይ ወሲብ ዓመጽ ካብ ሱሩ ንምምሓው ዘተባብዕ ከም ዕድል እውን ንምጥቃምን እዚ ብሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ብሕብረተሰብ እውን።

እዚ መዓት’ዚ ንገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ውፉያንን ብቐጥታ ዝምልከት ካብ ኰነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ማሕበረሰብናን ኣባይቲ ስድራናን ጥሉቕ ይኸውን ዝብል ሕቶ ከነልዕል ግንድ ይኸውን፡ ቤተ ክርስትያን ገዛእ ርእሳ ኣብ ምፍዋስ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ንብዙሓት ቀስ እናበለ ዝቐትል ምኽንያት ግብረ ገባውን ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ሞት ዝዀነ ገበን ብግቡእ ክትገጥሞ እውን እያ።

ነቶም ተዃሉ ዘቃልዓ ሓቀይና መራኸቢ ብዙሃን ምስጋና ይኹን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፡ ገለ ገለ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጥራሕ ኣምሲሎም ዘቕርቡ ኣለዉ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ገበን ክቃላዕ ንዝገበራ መራኸቢ ብዙሃን ምምስጋን ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም፡ ነቶም ተዃሉ ዘቃልዓ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ድምጺ ብምዃን ቃሎለ ብወግዒ ብምቕራብን ብቕንዕናን ብሓላፍነተን ብምኽባር ብምቅላዕ መፍትሒ ክረክበሉ ዘተሓሳሰበ መራኸቢ ብዙሃን ምስጋና ይኹን ምስ በሉ

እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ተሓተቲ ገዛእ ርእስኹም ንሰብኣዊ ሕግን ፍትሕን ኣቕርቡ ንመለኰታዊ ፍርዲ ተቐራረቡን

ቅዱስ ኣቦና ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዳዊት ዘኪሮም፡ ዳዊት ምስ ሰበይቲ ኡርያ ጓል ኤሊዓም ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ንኡርያ ክሳብ ክቕተል ዝገበሮ ግብረ እከይ እናሓሰቡ፡ ዳዊት ምስ ናታን ምስ ተራኸበ እቲ ነቢይ እግዚኣብሔር ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንኽርዳእ ይገብሮ፡ ኣብ ሎምና ንብዙሓት ዳዊት ካብቲ ስዱዕ ዘይባህርያዊ ተግባራት ንኽምለሱ ንቕሑን ተንስኡን ዝብሉ ሓደስታ ናታን የድልዩና እዮም።

ብኽብረትኩም ነዛ ቅድስቲ ኣዴና ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሓቂ ካብ ኣጸለሞት ወይ ስም ምጽላን ከተለልይ ንሓግዛ፡ ብርግጽ እዚ ከቢድን ብዙሕ ጥንቃቔን ዝሓትት ሓላፍነት እዩ፡ እቶም ግብረ እከይ ገዛእ ርእሶም ንጹሓን ገይሮም ዘቕርቡ ግብረ ክፍኣቶም ክሓባብኡ ዝኽእሉ ኣቦታት ድያቶም ኣሕዋት ሓወቦታት ድያቶም ኣኮታት ጐረባብቲ ድያቶም መምሃራን ምዃኖም ኣዴታትን ኣሓትን ፈልየን ክፍልጠኦም ዘጸገምን ይኸውን እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍጽሙ ንመን ክሃድኑ ከምዘለዎ ይፈልጡ እዮም፡ ነቶም ሱቕ ዝብሉን፡ እቲ ዝተፈጸሞም በደል ኣሕፊርዎን ሓፊሮም ኣብ ስቑታ ክነብሩ ንዝኽእሉ እዮም ፈልዮም ዝሃድኑ፡

እቶም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጸሙ ተነስሑን ተለወጡን ንሰብኣዊ ሕግን ፍትሕን ገዛእ ርእስኹም ኣቕርቡ፡ ከምቲ ክርስቶስ “ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡
መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይክተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ” እንክብል ንዘዘኻኽረና ንመለኰታዊ ፍርዲ ተቐራረቡ እብል።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኽርስቲያን ዝጭቁኑ ሓደስቲ ነሮነ ኣለዉ

ብጀካ እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ካብቶም ዘሳቕዩ ዓበይቲ ጸገማት እውን ናይቶ ሞትን ዝተውዓጽወ በራትን ዘጓንፎን ስደተይናታትን እቶም ብስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይን ብስእነት መግብን ዝሃልቁ ሰባትን ሕጻናትን እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ብዓመጽን ብዙሕ ምይይጥ ዝገበረሎምን ዝንገረሎም ውግኣትን ምኽንያት ዝፈስስ ናይ ደም ንጹሓንን ኣብ ዝተፈላለየ ነቑጣ ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ፈቐዶ ኣባይቲ ማሕቡስን ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዕቆቢ ኣደዳ መግረፍቲ ዝዀኑን ዝነብርዎ መዓት እውን ከምዘሎ ልክዕ ከምቲ ካብ 39 ክሳብ 68 ዓመተ ምሕረት ንጉስ ናይ ሮማ ዝነበረ ኖሮነ ንኽርስትያን ዘሳድዱን ዝጭቁኑን ኣባይቲ ክርስትያንን ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዘባድሙን ብምኽንያት ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ዝንጸሉን ጸር ክርስቲያን ሓደስቲ ነሮነ መኽረርትን ጸንፈይናታትን ዘኪሮም

… ሎሚ እውን እምነትካ ብነጻነት ምንባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ከቢድን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕን ኰይኑ፡ ጥሕሰት ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልናን ናጽነት ኣሎ

ነዚ ዘኪሮምን ብኻልእ ሸነኽ እውን ኣብነት ዝዀኑ ማእለያ ዘይብሎም ሰማዕታትን ሕያዎት ሳምራውያንን ከምዘለዉ ጠቒሶም፡ ብዙሓት መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ናይ ግብረ ሰናይ ምንቅስቓሳትን ወለንተይናታትን ምእመናንን ውፉያንን እናሓሰቡ፡ እዚ ዅሉ ምስክርነት’ዚ እቲ ተጻይ ፍቕሪ ዝዀነ ምስክርነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸሙ ዕንቅፋትን ተስፋ ንኸይንቍርጽ ዘተሓሳስበና እዩ ቢሎም።

ዝተቐበሎ ጸዋዕታ ዝኽሕድ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክርዳድ ዝዘርእ

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ዓበይቲ ምኽንያት ስቓይ ዝብልዎም ኣተሓሒዞም ጸዋዕታኦም ዝኽሕዱ ዘይእሙናት ብድሕሪ ሰናይ ኣመት ገዛእ ርእሶም ከዋዊሎም ነሕዋቶም ጦሾቕ ከብሉን ብዝባኖም መጺኦም ግብ ዘብሉ ዘራእያን ክርዳድን ፍልልያትን ዘራግያንን ዘተኣታትውዎ ስቓይ ጠቒሶም፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነቲ ምኽንያት ስቓይ ዝዀነ ተግባራቶም ምኽኑይ ዝገብሩን ካብኡ ብዝገደደ እውን መንፈሳውን ሞጐታውን መርትዖ ዘለዎ ገይሮም ብምቕራብ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዝመላለሱ፡ እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ኣይኰነን፡ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መንበረ ኤጶስ ቆጶሳት ኣለዉ እንክብል፥ “ናይ መገዲ ገሃነም ርግራግ ጥዑይ ኣመት እዩ” ሰለ ምንታይ ውላድ ክጠራጠር ኣሚቱ ምግምማዕ ዘተኣታትው ስለ ስዀነ፡ እቲ ሓቂ ድሕሪ እቶም ዘራእቲ ክርዳድ እተን ሰላሳ ዲናር ክሕደት ኣለዋ፡ እንክብሉ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ይጠቕሱ፡፡ ንጉስ ዳዊትን ይሁዳን፡ እቲ ቀዳማይ ኣዶ ወይ ምስሊ ሓጢኣት እቲ ካልኣይ ከኣ ኣዶ ወይ ምስሊ ክሕደት፡ እቲ ቀዳማይ ብሓጢኣቱ ይጠዓስ እቲ ካልኣይ ከኣ ርእሰ ቅትለት ይፍጽም፡ ስለዚህ እቲ ምትላልን ስም ምጽላምን ካልኦት ሰላሓታውያን ገዛእ ርእሰ ወከሳ ተመኻንዮታት ቅኑዕ ገይሩ ንዘቕርብ መንፈሳዊ ምግባረ ብልሽውና ምውጋእ የድሊ ይብሉ።

ብጽሞና መሰኻኽር ወንጌል ብዙሓት እያቶም

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዛዕባ መንእሰይን እምነት ልልያ ጸዋዕታን ኣማእኪሉ ዝዘተየ ሲኖዶስን ካልኦት እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ሓጐስ ዝዀኑ ፍጻሜታትን ጠቒሶም፡ እቲ ኣብ ኵሪያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ምሕደራ መዋቕራት ንምሕዳስ ዘካይድዎ ዘለዉ መደብ ሕዳሴ፡ ብዙሓት እዚ ሕዳሴ’ዚ መዓስ ኰን ይውዳእ ቢሎም ዝሓቱ ኣለዉ? ሕዳሴ መወዳእታ የብሉን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ግልጽነትን ንጹርን ከይዲ ኣሰራርሓን እጹብን ድንቅን ሃብቲ ዝዀኑ ከምቶም 19 ብፁዓን ሰማዕታት ኣልጀሪያን ሓደስቲ ቅዱሳንን፡ ሓደስቲ ጸጋ ጥምቀት ዝቕበሉን እምነት ዝቕበልን፡ ንደቃቶም እምነት ዘመሓላልፉ ወለድን እምነት ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ ጳጳሳትን ካህናትን ደናግል ውፉያንን ወንጌል ብጽሞና ዝምስክሩ፡ ስለ እቶም ዝተሓረጉን ዝተናዕቁን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ዘገልግሉ፡ ማእለያ ዘይብሎም ቆሞሳትን ብመራኸቢ ብዙሃን ዘይንገረሎም ብዘይ ብኣኦም ጸላም ምነገሰ ነይሩ ዘብሉን፡

በዓለ ልደት፡ ነቲ እውነተይና ብርሃን ዝዀነ ክርስቶስ ልብኻ ምኽፋት ማለት እዩ

ዝዀነ ይዅን ቅዋሜ ወይ ተቕዋም ብፍጹማን ሰባት ዝቖመ ኣይኰነን፡ እዚ ዘይከውን እዩ፡ እንታይ ደኣ በቶም ዕለት ብዕለት ክነጽሑ ጽቡቕ ድላይ ብዘለዎም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ከነብዕሎ እንቀራረበሉ ዘሎና በዓለ ልደት እናሓሰቡ ዝበልዎ ክኸውን እንከሎ፡ በዓለ ልደት ነቲ እውነተይና ናይ ሰናይን ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣትን ጽልእን ሞትን ዘሰንፍ ብርሃን ዝዀ ክርስቶስ ልባትና ምኽፋት ማለት እዩ፡ ልደተ ዘእግዚእነ፡ ከምቲ ቅዱስ መቃሪዮስ ዓቢይ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ግብጺ ኣበ ሕይወት ብሕትውና ዝብሎ እግዚኣብሔር ዓቢይ ክነሱ ገዛእ ርእሱ ዘንኣሰሉን ዘትሓተሉን ማለት እዩ፡ ኣብዚ ዓቢይን ንኡስን ዘዛትይ ኩነት’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ርሕራሔን ሓልዮትን ኣሎ፡ ስለዚህ በዓለ ልደት እምበኣር ከስ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኩሉ ዘናውጽ ማዕበላት ሰጊራ ኣዚያ ጸቢቓ ከምእትትንስእ ዘረጋግጽ እዩ።

በዓለ ልደት፥ እቲ ዕለታዊ ዕዮናን መነባብሮናን ብዙሕ እዋን ዘይረኣይ ብሱቕታ ዝፍጸም ልክዕ ከም ናይ ኩርያ ሮማና ዘይረኣይን ቅዱሳት ዘለውዎ፡ ቤተ ክርስቲያን ሓይላ እቲ ዝመረሓን ኣብ ዘመናት ዝከላኸለላን ክሳብ ሓጢኣት ንናይ ምሕረት ኵነት ዝቕይርን ምውዳቕ ንዳግመ ሕዳሴ ዕድል ዝልውጥን ዘጋጥም ክፍኣት ናብ ናይ ምንጻሕን ዓወትን ኵነት ዝልውጥን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡

ብዙሕ የቐንየለይ ርሑስ በዓለ ልደት እምነየልኩም! እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ዛዚሞም፡ ንዅሎም ኣባላት ኵርያ ሮማና ኣብ 1928 ዓ.ም. ብፈረንሳዊ ካህን ኣባ ታንኵየርይ ዝተደርሰ ናይ ሮማ ተሓባበሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሊባኖሪን ናይ ሮማ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣበ ነፍስ ኣባ ፎርላይ ኣሐዲሶምን ኣአዊኖም ንንባብ ዘብቅዕዎ ኣስተዋጽኦ ናይ ነፍሰ - ሕራመ (ምናኔ)ን ተማልሏኣውነትን (ሰቂለ ሕልናን) ቲዮሎጊያ ዘርእስታ መጽሓፍ ገጸ በረከት ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ነዛ መጽሕፍ ካብ መእታዊ ክሳብ መደምደምታ ከንተንብብዋ ግድን ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ መንፈሳውነት ነፍሰ ሕራመን ተማልሏኣውነትን ዝብሉ ብርታዔ መንፈስን ድልያ ዝብል ክፍሊ ርኣይዎን ኣብንብብዎን፡ ንጽቡቕና እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍና ሕዳሴን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ጥቓሚ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበርን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኵሪያ ሮማና፥ ብርሃን ካብ ጸልማት ኣዚዩ ዝበርትዔ እዩ

 

22 December 2018, 16:27