ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ታሪኽ ሰብኣውነት ውግእ ነወግድ

ካብቲ ንሓይሊ ምክልኻልን ንሸመተ ኣጽዋር ውግእ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ናይ ሓንቲ ኣጽዋር ዋጋ ብምንካይ መንእሰይ ወለዶ ናይ ጽባሕ ብቑዕን ደላይ ሰላም መራሒ ንኽኸውን ንዝሓንጽ መደብ መሳለጢ ክውዕል

ውግእ ካብ ታሪኽ ሰብኣውነት ንኽመሓው ብሓባር ንዕየይን ናይ ሰላም ዓለም ንሕነጽ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ከተማ ዕርዲ ሰላም ማሕበር ኣባላት ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልትን ዓሰርተን ደቓይቕን ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኽንያትናይቲ ማሕበር ምስረታ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ መንእሰይ ወለዶ ናይ ዘተን ምስ ካልእ ናይ ምራኻብ ኣረኣእያን ብቕዓትን ዘለዎም ናይ ጽባሕ መራሕቲ ንኽዀኑ ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብ መላእ ምድሪ ገጽ ዓለምን ሰብኣዊ ታሪኽን ውግእ ንምውጋድን ናይ ታሪኽ ተረካብን ካብ ግብረ ምትላል ጸላኢ ገዛእ ርእሶም ከርሕቑ ዝኽእል ናይ ጽባሕ መራሕቲ ክሕነጹ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና፡ ሰላም ኵላዊ ሓላፍነትን ኵሉ ሰብኣዊ ግብሪ ፈላላይ መናድቕ ንምውጋድን ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽን እቲ ዘየዛትይ ዶብ ብምውጋድ ናብ ዘተ ንምባልን ካብ ዝተ ጥራሕ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ከምዝረጋገጽ ዝድግፍ ግደ ከበርክቱ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ኣሉታዊ ድኽነትን ውግእን ዝተኣሳሰሩን ሕይወት ሰብ ንሞት ዝዳርጉን ስቓይ ዘበራትዑን ዘይቋረጽ ጽልእ ዝነዝሑ ናይ ክፋእ ዕንኪላሎ እያቶ፡ ንመንእሰያት ኣብ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ድኽነት ንምውጋእን ሰላም ንምሕናጽን ፍትሕን ፍቕርን ንምምጻእ ዘኽእልተግባር እተመላኽቱ፡ እዚ ተግባር’ዚ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት እማኔ ክህልዎ ዘኽእል ተስፋ ዘተባብዕ እዩ።

ዓመጽን ግርጭት ንምቕያር

ቅዱስነቶም እቲ ማሕበር ዘለዎ ኣብ ክልተ ዓበይትን ንሱ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ቅዱስ ሮሟልዶን ዝጸንዔ መንፈሳውነት ጠቒሶም፡ ዘቕርቦ ኣንገዳን መንእሰይ ወለዶ ካብ ባህሊ ጽልእን ዓመጽን  ዘላቕቕ ንዘቕርብዎ ኣገልግሎት ንኢዶም .. ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ታሪኽ ቅዋሜዅም፡ መንእሰይ ካብ ኣታላሊ መንፈስ ተላቒቖም ኣብ ናይ ህዝቦም ምሉእ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ንስልጡን በርገሳዊ ምዕባለ ክዋስኡ ዝድግፍ እተቕርብዎ ኣገልግሎት፡ ለጋሳትን ካብቲ ኣብ ጉዕዞኡ ዝፈሸለ ትውልዲ ዝተፈልየ ሓናጺ ሰላም ክኽውን ዝድርኽ እዩ፡

ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስነቶም ነቶም ብናይ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብብፁዕ ካርዲናል ገዋልቲየሪብ ባሰቲን ብናይ ኣረዞን ክሮቶናን ሳንሰፖልክሮ ሰበኽ ሊቀ ጳጳሳትን ብፁዕ ኣቡነ ሪካርዶ ፎንታና ንዝተሰነዩ 350 ኣባላት ናይቲ ማሕበር ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እቶም ናይዚ ማሕበር ኣባላት መንእሰያት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ፡ ካብቲ ንሓይሊ ምክልኻልን ንሸመተ ኣጽዋር ውግእ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ናይ ሓንቲ ኣጽዋር ዋጋ ብምንካይ መንእሰይ ወለዶ ናይ ጽባሕ ብቑዕን ደላይ ሰላም መራሒ ንኽኸውን ንዝሓንጽ መደብ መሳለጢ ክውዕል ዝብል ብሓደ ፍልስጥኤማውይን እስራኤላውን መንእሰያት ዝተጻሕፈ ናይ ሕጊ ንድፊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ዘካይዶ ዋዕላ ቀሪቡ ከጽድቖ ንዝገብርዎ ጐስጓስ ድጋፎም ብምቕራብ፥

እቲ ዘቕረብኩምዎ ሓሳብ ዘይልሙድን ብርሃን ዝዓሰሎ እዩ፡ ከመይ ገርካ ዘይትሰማምዓሉ ትኸውን? እቲ በጽሒ ወለዶ ንፉዓት ብዝብል ቃል ጥራሕ ጠቢሩ ክሓልፍ የብሉን፡ ስለዚህ ነቲ እተቕርብዎ ሓሳብ ምሉእ ድገፍይ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ይስምዓንን ውዕዉዕ ተስፋይን ቡራኬይን አቕርበልኩም።

ሰላም ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ

እቲ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምኽንያት ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሰላም፡ ናይ ፖለቲካ ሓላፍነት ንናይ ፍሲ ወከፍ ዜጋ ሰላም ምግልጋል ዝብል እዩ፡ እንክብሉ ዘስፈርዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ብፍላይ እቶም ኣብ መርሕነት መንግስታት ዝተቐመጡ ኣካላት ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መስለን ክብርን ኣብ ምውሓስን ብዅሉ ጽፍሕታቱ ኣብ መንጐ ኵሉ ዘተ ከተባብዑ ሓላፍነት ዘለዎም እያቶም፡

ምእንቲ’ዚ ሰላም ናይ ኵልና ሓላፍነት እዩ፡ ብጻዕርን ሱታፌ ኵሉን ካብ ገጽ ምድሪ ዓለምን ካብ ሰብኣዊ ታሪኽ ውግእ ከነወግድ ዝተጸውዕና ኢና

ምስ ጻላኢ ንምራኽብ ናይ ምባል ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኵሉ መዳይ ዘለዎ ሓላፍነት ንናይ ህዝቦም ረብሓ ክተግሁን ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ስድራ ቤታውነት ክቃላሕን መሬት ናይ ኩሉ ቤትትን ኩሉ ምሕዝነትን ስምምዕን ዝነብራላ ክትከውን ግቡእን ብቑዕን ኣስተዋጽኡ ከበርክት ሓቲቶም፡

እቶም መንግስታት ዓለም ኣብ ሕንጸት ሰላም ክተግሁን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ብዓንተውኡ እትጽዕሩ መንእሰያት ድሮ መራሕቲ ኢኻትኩብ። ብስምኵም ንመላእ መንግስታት ዓለም ጻውዒት አቕርብ፡ ሰላምኩም ስንኩፉ እውን እንተዀነ ብርቱዕ ተስፋን ጉልበት መንእሰይ ዝዓሰሎን እዩ፡ እቲ ናብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘቕረብኹምዎ ሓሳብ ዕለት 10 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ጸዲቑ ብመላእ መንግስታት ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ክትግበር ስሌኹም ጻውዒት አቕርብ።

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ተሓቢሩ።

04 December 2018, 17:20