ድለ

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 30 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም.

እቲ ምድናቕን ኣግራሞትን ዝብል ኩነት ናይ ታሪኽን ናይ ሕይወት ኩነት ኩሉ ብመሰረት ናይ ገዛእ ርእሲ መምዘንታን ኣገባባትን ብምዕቃን ከይሁሉ ምግባር ምፍታን ስኒትን ውህደን ካብ ስድራ ቤት የርሕቕ፥

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ዕለተ ሰንበት ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዓመታዊ በዓል ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስን ኣብቲ ብርቱዕ ፍቅርን ኣመኔታ ኣብ እግዚኣብሔርን ዝጸንዔ ስድራ ቤታዊ ተመክሮኦም ኣማእኪሎም ነቶም ልዕሊ 50 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ናጋዶ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ምእመናን ኣብ ምድናቕን ጭንቀትን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ከተኵሩ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 41 ክሳብ 52 ኣሞርኰይዞም ከተሓሳስቡ እነከለዉ፥ ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ንበዓለ ፋሲካ ናብ ኢየሩሳሌም ተጓዒዛ ኣብ ምምላስ እንከላ ኢየሱስ ካብኣ ተፈልዮ ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ስለ ዝነበረ፡ ማርያምን ዮሴፍን ኢየሱስ ምስኦም ከዘየለ ምስ ፈለጡ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ዝፈልጥዎምን ከኣ ይደልይዎ፥

ኢየሱስ ዘይብሉ ሕይወት

ኣብ ምምላሶም ማርያምን ዮሴፍን ውላዶም ኢየሱስ ምስኦም ከምዘይነበረ የስተውዕሉ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንኽደልይዎ ላዕልን ታሕትን ይብሉን ፍርሒ እውን ይሓድሮም፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምሃራን ተቐሚጡ ኣናሰመዖምን ኣናሓተቶምን ረኸብዎ፡ ቅዱስነቶም፥ ማርያምን ዮሴፍን እቲ ብጸጋን ብጥበብን ብዕድመ ኣብ ማእከሎም ዝዓብይ ዝነበረ ወዶም ኩነቱ ኵሉ ኣብ ልቦም ዓቒቦም ዘርእይዎ ዝነበሩ ውላዶም ምስኦም ከምዘይነረበር ምስ ፈለጡ ዝሓደሮም ጭንቀት ዓቢይ ምንባሩ ገሊጾም፡

ኣብተን ኢየሱስ ካብኦም ዝጠፈኣለን ሰለስተ መዓልታት ዝፈጠረሎም ጭንቀት፡ ናትና ጭንቀት እዩ እውን ክኸውን ዘለዎ፡ ካብኡ ምስ እንርሕቕን ኣርሒቕና ምስ እንነብርን፡ ንኣስታት ሰለስተ መዓልታት ብዘይ ኢየሱስ፡ ብዘይ ጸሎትን ወንጌል ብዘይ ምንባብን ናቱ ህላዌን መጸናንዒ ዕርከነቱን ኣባና ከምዘየድልየና ቆጺርና ክንበብር እንከሎና ካብኡ ተፈሊና ምስ እንነብር ክንነብሮ ዝግብኣና ባህርይ ክኸውን ኣለዎ፡ ንኢየሱስ ዘይዝክረሉ ብዙሕ መዓልታት እነብር፡ እዚ ብሓቂ ዘሰንብድን ኣዚዩ ዝመረረ ኩነት እዩ፡ ኣብ ሕይወትና እዚ ከጋጥመና እንከሎ ክስምዓና ዝግብኣና ኵነት እዩ ክኸውን ኣለዎ።

ማርያምን ዮሴፍን ይደልይዎ እሞ ኰነ ድማ፡ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ”  ነፍሲ ወከፍ ምእመን ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ መለኰታዊ መምህር ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክራኸቦ ዝከኣል እዩ፡ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ናይ ክርስቶ ህልውና ህያው ተመክሮ ንገብር። ንሱ ይዛረበና ጉዕዞናን መገድታትና ዝኹልዕ ቃሉ ይልግሰልና፡ ነቲ ዝዀነ ይኹን ዕለታዊ ጸገማትና ከንገጥም ዘኽእለና ሓይሊ እንረኽበሉ ስጋሁ ወደሙ ይጽግወና።

ምድናቕ ናብ ዓለም ርሁዋት ይገብረና

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቶም ብዙሓት ስድራ ቤት ሰላምን ውህደትን ስንይትን ዝረሓቆም ናይ ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤተ ኣብነት ንሱ ኸኣ እቲ ምድናቕ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ዝጠፍኣሉ ዘሰንብድ እዋን ዝነበረቶ፡ እቲ ምድናቕን ኣግራሞትን ዝብል ኩነት ናይ ታሪኽን ናይ ሕይወት ኩነት ኩሉ ብመሰረት ናይ ገዛእ ርእሲ መምዘንታን ኣገባባትን ብምዕቃን ከይሁሉ ምግባር ምፍታን ስኒትን ውህደን ካብ ስድራ ቤት የርሕቕ፥

ምድናቕ ማለት ገዛእ ርእስኻ ንኻልኦት ምኽፋት ማለት እዩ፡ ናይ ካልኦት ኣመክንዮ ምርዳእ ማለት እዩ፡ እዚ ጠባይ’ዚ ኣገዳሲ እዩ፡ ምስ ካልኦት ዘለካ ርክብ ብተዋጋይነትን ንዝተቛረጸ ንምሕዋይ ናይ ምድናቕ ጠባይ ክህልወካ ኣድላዪ እዩ፡ ኣብ መንጐ ስድራ ቤት ንዝፍጠር ቍስሊ ንምፍዋስ እውን ኣዚዩ ዘድልይ ጠባይ እዩ፡

ኣነ እየ ቅኑዕ ምኽንያት ዘሎኒ ንዝብል ኣመለኻኽታ ትሑት ግምት ንኽህልወናን ማዕጾናን ንኻልኦት ምዕጻው ንኸነቋርጽ ምድናቕ ኣባና ክህሉ ኣዚዩ ወሳኒ እዩ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘሎ ዘገርምን ዘደንቕን ኩነት ምስትውዓል፡ ብፍላይ እቲ ዓቢይ ሃብቲ ዝዀነ ክዕቀብን ክትከላኸሎን ዝግብኣካ ናይ ስድራ ቤት ስኒትን ሓድነትን ንምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ።

ቢሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ብውልቅን ብማሕበረሰብን ተሓቝይፎም ንኽሳተፉ ዝተረኽቡ ሰላታኦም ከቕርቡ እንከለዉ፡ ካብ ዝተፈላየ ከባቢ ኢጣሊያ ንዝመጹ ናይ ማሕበር ካህናት ደቂ መርሰደን ኣግልገልትን፡ ንቪላባተ ማሕበር ስካውትን ናይ ኮዲኘ ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስጢረ መሮንን ካብ ሰበኻ በርጋሞ ንዝመጹ መእመናንን ንዅሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መነሳውያን  ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኵሎም መንፈሳያን ነጋዶ ብሁባሬ ኣዕሪጐም ሓዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም።

ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. 30/12/2018 ዓ.ም.
31 December 2018, 11:02