ድለ

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ኰንጐ ጸልዮም

ሰላም ዝዓሰሎ ሃዋሁ ክዕቅብ እላበው

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነታ ሕዝባዊ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዝካየደላ ዘላ ዓመጽን ውጥረት ዘይተፈለያ ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ዘክሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነቶም ኣብ ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ብምኽንያት ዓመጽን ብሕማ ኤቦላን ብኸቢድ ንዝሳቐዩ ብሓባር ንጸልይ፡ ኣብታ ሃገር ኵሉ ሰላማዊ ስርዓትን ሰላማዊ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሀልው ሰላም ዝዓሰሎ ሃዋሁ ክዕቅብ እላበው ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ኣብ ኰንጐ ጸልዮም

 

31 December 2018, 11:08