ጸሎት ካብታ ሕይወት ብዓንዲ ርእሳ ይጅምር ካብ ተስፋ ቊርጸት ከኣ ሓራ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፡ ‘‘ለምኑ ኪውሃበኩም ከኣ እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም፡ ኳሕኳሑ ኪኽፈተልኩም እውን እዩ። ከመይሲ እቲ ዚልምን ይቕበል፡ እቲ ዜናዲ፡ ነቲ ዚዅሕኸሕ ከአ ይኽፈተሉ እዩ። ካባኻትኩም እንታዋይ ወላዲ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ዓሣ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሣ ተመን ዚህቦ? ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢት ዚህቦ? ንስኻትኩም ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንውልድኩም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ እትፈልጡ ካብ ኮንኩምስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ግዳ ነቶም ዚልምንዎ ኽንደይ ኣዕዚዙ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧’ በሎም’’ (ሉቃ 11.9-13)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና። ኢየሱስ ሓንቲ ሓሳር ግን ከኣ ዓቢ ትሕዝቶ ዘለዋ ተባዕ ዝኾነት ብሸውዓተ ሕቶታት ዝቆመት ጸሎት ይህሮም። እዛ ኮነ ኢልካ ተጠቂሳ ዘላ ሸውዓተ ትብል ቊጽሪ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምልኣት እያ እተመልክት። ከኣሊትን ተባዕን ጸሎት እያ ከመይ ክርስቶስ እንተዘየውክኣልና ምናልባ ካብ ደቂ ሰባት ብከምዚ ዝበለ መንገዲ ንእዚአብሔር ዚጽሊ ኣይምተረኽበን ይመስለኒ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ናብ እግዚአብሔር ክቀርቡን ብዓቢ ተኣማንነት ከኣ ገለ ሕቶታት ክውከስዎ እዚአን ከኣ ገሊአን ንኣኡ ዝምልከታ ገሊኤን ንኣና ዝምልከታ እየን። ኣብ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ትብል ጸሎት መባእታስ ይኹን መቅድም የለን። ኢየሱስ ንእግዝአብሔር ኣብ እነመስግነሉ ግዜ ክንገብሮ ዘሎና ስሩዕ ጸሎታት ኣይመሃረን እኳ ደኣ ብዘይ ምንም ፍርሓት ከምኡ ንዝኾነ መጋረጃ ቀንጢጦም ክቀርብዎ ይምህሮም። ንእግዚአብሔር ኦ ክኣሌ ኩሉ ኦ ልዑል ወይውን ካልእ ተመሳሳሊ መጸውዒ ዘይኮነስ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ኣቦና ብትብል ቃል ክንጽውዖ እዛ ቃል እዚኣ ከኣ ምትእምማን ውሉዳዊ ምትእምማን ከኣ ይገልጽ።

ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር እትብል ጸሎትከስ ሰራውሩ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ወዲሰብ እዩ ዝስረት፡ ንኣብነት እንጌራ ክንሓትት ዕለታዊ እንጌራ ክንሓትት እዚ ከኣ ቅልል ዝበል ሕቶ ኮይኑ መሠረታዊ ሕቶ ደቂሰባት እዩ፣ እዚ ከኣ እምነት ሓደ መመላኽዒ ከምዘይኮነ ካብ ሕይወት ዘይፍለ እንተጸገብካ ትገድፎ እንተጠመኻ ትምሕጸኖ ኣይኮነን። ጸሎት ከምቲ ኢየሱስ ዝምህረና ካብ ህላዌ ደቂሰባት ጀሚሩ ከብድኻ ምምላእ ዘይኮነት ወዲሰብ ኣብ ዘለዎ ኩሉ እዩ ዝግበር። ዝኾነ ሰብ ጥሜት ክህልዎ ይኽእል ክበኪ ይኽእል ጸገም ከጓንፎ ክሳቀ ይኽእል ወትሩ ግን እታ ንምንታይ ትብል ሕቶ ኣላ። እታ ቀዳመይቲ ጸሎትና በዚ መንገዲ እታ ውሉድ ምስ በልና ኣብ ቀዳማይ ምስትንፋስና እነቅርባ እያ። ኣብ ብኽያት ውልድ ዝበለ ሕጻን ናይ ምሉእ መዋዕል ሕይወትና ኩነት ይግለጽ፡ ብቀጻሊ እንጥመቅዮ ብቀጻሊ እንጸምኦ ብቀጻሊ ሃረር እንብሎ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ኢየሱስ ኣብታ ዝመሃረና ጸሎቱ ነዚ ኩሉ ድሌት ደቂሰባት ከቅህሞ ኣይደለየን ኣይቃወሞም እውን እዩ። ንኩሉ እናተጻወርና ነዚ ሕቶታትን ድሌታትን እዚ ጸቂጡ ከትርፎ ኣይደለየን። እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ቃንዛ ነፍሲ ወከፍ ሽቚረራ ንሰማይ ገጹ ክውንጨፍን ምስ ኣቦና ዘተ ከምዝኸውንን ይገብሮ። እምነት ምህላውከስ ናብ እግዚአብሔር ዝግበር ገዓር ልማድ እዩ። ከምቲ ኣብ ማር 10.46 ተጠቂሱ ዘሎ ኣብ ዘፈር መንገዲ ኢያሪኮ ዝልምን ዝነበረ ዕውር ባርጠሜዎስ ኰና ብቀጻሊ ክንግዕር ኣሎና። ኣብ ዙርያ ባርጤሞስ ብዙሓት ንፉዓት ሰባት ነበሩ ሱቚ ክብል ከኣ ይገንሕዎ! በቲ ዘሰልጩ ገዓሩ ገሩ ንመምህር ከይርብሽ ይቋየቊዎ። ንሱ ግን ወይከ ብቅዱስ ጽንዓት ነቲ ቀይዱ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ ኢየሱስ ብምርኻብ ክዛዝሞ ኣንቂዱ እዩ። ‘ኢየሱስ ራሕራሓለይ` እናበለ ኣጸቢቑ ይግዕር ነበረ። (ኁ 47) ኢየሱስ ዳግም ከምዝርኢ ይገብሮ ‘እምነትካ ኣድሒናትካ’ (ኁ 52) ከኣ ይብሎ።  እዚ ከኣ ነታ ምሕዋይ ወሳኒት ምኽንያት ዝኾነት ክንዮ እቲ ብዙሓት ዓበይትን ለባማታን ሱቚ ክብል ዝመኸርዎ ሠናይ ተበግሶ እዛ ብዓቢ እምነት ዝተገበረት ገዓር ወይውን ጸሎት ከምዝኾነ የመላኽት። ጸሎት ንድሕነት ጥራይ ኣይትቅድማን እኳ ደኣ ብገለ መልክዕ ኣብ ውሽጣ ሒዛቶ ትርከብ በዚ ከኣ ካብቲ ክንጾሮ ዘይንኽእል ኩነታት ንምውጻእ ንዝፈታተነና ተስፋ ቊርጸትን እምነት ምጒዳልን ይኣልየልና። ብድሕር`ዚ ኣብ ገለ ኩነት ምስ በጽሑ ኣመንቲ ንእግዚአብሔር ክውድሱ ይደልዩ። ኣብ ወንጌል ተጠቂሱ ከም እንረኽቦ ነዚ ውዳሴ እዚ እየሱስ ብዓቢ መንፈሳውነት ናብ ኣቦኡ ዘቅርቦ ወዳሴ ምርኣይ ይከኣል (ማቴ 11.25-27)።

ቀዳሞት ክርስትያን ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ናይ ምስጋናን ውዳሴን ቃላት ‘ከመይ ሓይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዮም` (ዲዳከ 8.2)። እዚ ግን እታ ኢየሱስ ዝመሃራ ናይ ልመና ጸሎት ድኽምቲ መግለጺት እምነት እያ ዝብል ማንም ዘይቅበሎ ኮይኑ እታ ናይ ምስግናን ውዳሴን ክብርን ኣምልኾን ምቅራብን ብዘይ ምንም ለመና ንእግዚአብሔር ጥራይ ሃረር ብምባል እትቀርብ ጽርይቲ ጸሎተ ኣኰቴት እውን ኣላ። እግዚአብሔር ኣቦ እዩ ኣባና ኣብ ደቁ ከኣ ዓቢ ፍቅሪ ኣለዎ ስለዝኾነ ከኣ ደቁ ብዘይ ምንም ፍርሂ ምሳኡ ክዛረቡ ክ ዋስኡ ይደሊ። በዚ ከኣ ንኩሉ ዘጋጠመና እርይ ቚጽር ኣቢልና ክነግሮ ምስኡ ክንዋሳእ ወላ እቲ ኣብ ሕይወትና ዘሎ ጥውይዋይን ዘይንርድኦን ነገራት ክነግሮ ንኽእል። ንሱ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ከምዝኸውን ክሳብ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዘሎና ምሳና ከምዝኾነ ክሳብ መጨረሻ ከይምዘይሓደግና ነጊሩና እዩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 December 2018, 17:16