ድለ

ንበዓለ ልደት ዓለማዊ መንፈስ ኣይነልብሶ! ነቲ ኢየሱስ ዝልግሰልና ዜሔጉስ ነገራት ንቀበል! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ - ‘‘እቲ ንኩሉ ሰብ ዜብርህ ኡነተኛ ብርሃን ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለም እውን ብእኡ ኾነ ዓለም ግን ኣይፈለጦን። ናብቶም ናቱ መጽአ እቶም ናቱ ግን ኣይተቐበልዎን።’’ (ዮሓ 1.9-11)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሕንዶ ሓዲርኩም!

ድሕሪ ሽድሽተ መዓልቲ ልደት እዩ። ኣብ ኩሉ ኲርንዓት እንዕዘቦ ጽሕዲ ልደት ሽልማታትን መብራህትታን ሎምዘመን እውን በዓለ ልደት ከምዘሎ የዘኻኽሩና። ናይ ምውዕዋዕ ምንቅስቃሳት እውን ሓደስቲ ህያባት እናተወሃሀብና ክንተሓጓጐስ ይዕድሙ። ኣብ’ዚ ግን ንእግዝአብሔር ዘሐጒስ እዚ ዓይነት ኣበዓዕላ እዝዶ ይኸውን! ኣየናይ ልደት ምደለየ እንታይ ህያብ ምደለየ ዘይተጸበዮ ነገር እንታይ ምሃብናዮ! ኢለ እሓትት!

ንእግዚአብሔር እንታይ ከምዘሐጒሶ ንምርዳእ ነቲ ቀዳማይ ልደት ንመልከት። እቲ ናይ ታሪኽ መጀመርያ ልደት ብሓቂ ብዘይተጸበናዮ ሓጐስ ህያባት ዝመልኤ ነበረ። በታ ሕፅይቲ ዮሴፍ ዝነበረት ማርያም ይጅምር ሓደ መልኣኽ ይመጽእ የበስራ ሕይወታ ይልወጥ። ካብ ድንግል ምዃን ኣደ ትኸውን። ዮሴፍ ይስዕብ ንዘይወለዶ ቆልዓ ኣቦ ክኸውን ይጽዋዕ። ስግንጢራዊ ብዝኾነ መንገዲ እዚ ውላድ እዚ ማርያምን ዮሴፍን ገና ሕፁያት እንከለውን በቲ ዝነበረ ሕጊ ከኣ ሓቢሮም ክነብሩ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ዕንቅፋት ምስ ኣጋጠመ ዮሴፍ ስማ ከይከፍእ ጽቡቕ ሽም ሒዛ ክተርፍ ብማለት ብስቱር ንማርያም ክፈትሓ ይሓስብ። እዚ ከኣ ምሉእ መሰል እንከለዎ እዩ ንማርያም ነዚ ዘይተጸበየቶ ሠናይ ዝሓሰበ ብምሥጢር ከሰናብታን በዚ ከኣ ክብሪ ሽማ ከይንካእ ሓሲቡ። ስዒቡ ካልእ ዘይተሓስበ ነገር የጋጥሞ እግዚአብሔር ብሕልሙ መልኣኹ ሰዲዱ ንኩሉ መደባቱ ይቅርይር ንማርያም ምሳኡ ክወስዳ  ይሕብሮ። ሥድራቤት ክምሥርት እናመደበ ከኣ ኢየሱስ ይውለድ እንደገና ካልእ ዘይተጸበዮ ነገር ብሕልሚ ተንሢኡ ንሕጻንን ኣዲኡን ሒዙ ንግብጺ ክኸይድ ይእዝዞ። ሕጽር ብዝበለ መንገዲ በዓለ ልደት ኣብ ሕይወት ዘይተጸበኻዮም ለውጥታት የምጽእ። ንሕና ብሓቂ በዓለ ልደት ክነብዕል እንተደሊና ልብና ንኽፈት ኣሞ ነቲ ጐይታ ዝልግሠልና ዘይተጸበናዮ ሺሻይ ንምቅባል ንሰናዶ እዚ ማለት ከኣ ንሕይወትና ብዘይሓሰብናዮ መንገዲ ክልውጦ ነፍቅደሉ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን! ኣብ ለይቲ ልደት ካልእ ዝዓበየ ሺሻይ ይግለጽ! እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነስ ንእሽቶይ ሕጻን ይኸውን። ቃል ሥጋ ለቢሱ ሓደ ሕጻን ይኸውን። ብካልእ ኣዘራርባ እቲ ነባቢ ቃልሲ ክዛረብ ዘይክእል ሕጻን ይኸውን። መለኮታዊ ቃልሲ ክዛረብ ዘይክእል ሕጻን ይኸውን። ንመድኃኔ ዓለም ንምቅባል ናይ ዘመኑን ናይ ቦታኡን ሰበሥልጣን ኣብኡ ኣይነበሩን ኣምባሳደራት ኣይነበሩን፣ እኳ ደኣ ገርሀይናታት ጓሶት ብለይቲ እናጓሰዩ ከለው መላእኽቲ የበስርዎም ነግ ፈረግ ከይበሉ ብጉያ ይጐዓዙ መን ይፈልጥ ከየጸብይዎ ኢሎም ይኾኑ። በዓለ ልደትከስ ነዚ ማይ ዘይጠዓመ ጐይታ ምቅባል ነዚ ንኣተሓሳስባናን ትጽቢትናን ዝገማጥል ጐይታ ምኽባር እዩ።

በዓለ ልደት ምኽባርከስ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዘይተጸበናዮ ሺሻይ ኣብ መሬት ምቅባል እዩ። ሰማይ ሓዲስ ዝኾነ ነገራት ከምጽኣልና እንከሎ መሬት መሬት እናረአኻ ክንበር ኣይከኣልን። በዓለ ልደት ሕይወተይ ከምዝን ከምዝን ክመርሕ እየ ኢልካ ዘይትምድበሉ ሓዲስ ዘመን ይኸፍተልና። ሕይወትካ ተወፍየሉ ዘመን ንገዛእ ርእስኻን ንባህታኻን ዘይኮነ ንእግዚአብሔርን ምስ እግዚአብሔርን ትነብር ከመይ በዓለ ልደት ንእግዚአብሔር ንወትሩ ምሳና ከምዝኸውን ምሳና ከምዝነብር ምሳና ከምዝጐዓዝ ይገብሮ። ንበዓለ ልደት ምኽባር በቲ ንሱ ዝዕድሎ ሃንደበታዊ ሕዳሴ ክትልወጥ ምፍቃድ እዩ። ልደት ኢየሱስ ብመውስኢ ትኪ ዝወርድ ውሕስነት ኣይልግስን እንታይ ደኣ ንታሪኽ ዘንቀጥቅጥ መለኮታዊ ገብኢ እዩ ዝሰድድ። በዓለ ልደት ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ብደዔ ገርህነት ኣብ ልዕሊ ትዕቢት ሱቚታ ኣብ ልዕሊ ሸበድበድ ጸሎት ኣብ ሎሊ ግዜየይ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ኣነነት ዘሸንፈሉ እዩ።

በዓለ ልደት ምኽባር ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ምግባር እዩ ማለት ንሱ ኣብቶም ጸገም ዘለዎም ከምዝመጸ ንሕናውን ናብ ጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንገስግስ። ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ምግባ እዩ፣ ብእግዚአብሔር ምትእምማን ወላውን እንታይ ከምዝገብር ኣይትረዳእ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ የድሊ። ከምቲ ዮሴፍ ዝገበሮ ከምቲ ዝሓሰብካዮን ዝዓለምካዮን እውን ኣይኹን እግዚአብሔር ንዝበለካ ንምፍጻም ሓፍ ኢልካ ምብጋስ የድሊ። ቅዱስ ዮሴፍ ብሃንደበት ዝሰርሕ ኣብ ወንጌል ምንም ዘይዛረብ ኣብ ምሉእ ወንጌል ሓንቲ ቃል ዮሴፍ የላን። ጐይታ ከኣ ኣብ ሱቚታኡ ይዛረቦ። ኣብ ድቃሱ ይዛረቦ። በዓለ ልደትከስ ክንዲ ወካዕካዕ ዓለምና ነታ ሱቚታ ዝመልኣ ድምጺ እግዚአብሔር ምምራጽ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንዝኽሪ ልደት ሠሪሕናዮ ዘሎና በዓቲ ብሱቚታ ኣስተንቲና ቀደም ዝረኣናዮ ዘይኮነስ ሓዲስ ኣደናቂ ነገር ክገልጸልና እዩ። ሃየ እምበኣር ኣብዚ በዓለ ልደት ነዚ ጉዳይ እዚ ውራይ ኢልኩም ሓዝዎ ዕዮ ገዛ ይኹንኩም ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት ብሱቚታ ኣስትንትኑ እግዚአብሔር ዝገብረልኩም ክትርእዩ ኢኹም።

ኮይኑ ግን በዓል ክትጋገ ይከኣል እዩ! ነቲ ናይ ወትሩ ናይ ምድሪ ነገራት ካብ ሰማይ ከምሓዲስ ነገር ክወሃቡኻ ምጽባይ ጌጋ እዩ። በዓለ ልደት በዘልማድ ዝግበር ባህላዊ በዓል ጥራይ ገርናዮ ማእከል ናይቲ በዓል ንጐይታ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእስና እንተገርና ዝጠፍኤ ዕድል እዩ ዝኸውን። በጃኹም ንበዓለ ልደት መንፈስ ዓለም ኣይነልብሶ። ከምቲ ኣብ ዘመን ኢየሱስ ዝኾነ ኣብ ፈንጠዝያ ኣይንጥሓል እንተዘየሎ ‘ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግን ኣይተቀበልዎን’ (ዮሓ 1,11) ዝብል ኣብ ርእስና ኳሕ ክትብል እያ። ካብ መጀመርያ ሰንበት ዘምጽኣት ጀሚሩ ጐይታ ንቅሑ ይብለና ኣሎ። ‘ስኽራንን ሕምብጣን ሓልዮት ናብራን ንልባትኩም ከየደንዝዞ ተጠንቐቑ’ (ሉቃ 21,34) ከኣ ይብለና። ኣብዚ ዕለታት እዚ ዘሎ ጉያን ላዕልን ታሕትን ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓመት ዘይግበር እዩ። ከምዚ ብምግባር ግን ተጻይ ናይቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ኢና ንገብር ዘሎና። ነቲ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ጉዳያት ዓለምና እናኣማረርና ምሉእ መዓልቲ ንተሓዝ። ኮይኑ ግን ኢየሱስ ንዓለም ኣይትስዓብዋ ኢሉና ብዓለም ከይተታለልና ኩሉ ግዜ እናጸለና ክንጽበ (ሉቃ 21.26) ክነቅሕ ኣዚዙና።

እነሆ ኣምበኣር ከም ዮሴፍ ንሱቚታ ዝኸውን ግዜ እንተልዩና ከም ድንግል እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካለይ ይኹነለይ ክንብል ኣንተኽኢልና ከም ኢየሱስ ኣብ ጥቃ ብጽምዋ ተበሊዑ በይኑ ዘሎ ሰብ እንተዀና ከምቶ ጓሶት ካብ ደምበታትና ጐዪና ምስ ኢየሱስ ሕጻን ክንከውን እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ልደት ዝኸውን! ኣብታ ድኻ በዓቲ ቤተልሔም ብርሃን ክንርኢ እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ልደት ዝኸውን። ብዘብለጭልጩ ዓለማዊ መብራህትታ እንተሸለምና ዘይተኣደነ ውህበት እንተኣከብና ዓበይቲ ግብዣታት ምሳሕን ድራርን እንተገበርና ኮይኑ ግን ነቲ ንእግዚአብሔር ዝመስል ሓደ ድኻ እኳ እንተዘይሓገዝና ከመይ ኣብ ልደት እግዚአብሔር ከምድኻ ስለዝመጸ እዚ በዓለ ልደት ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ በዓል እምነየልኩም፣ ዘይተጸበናዮ ሺሻይ ኢየሱስ ዝዕድል ልደት ይግበረልና። ምናልባት እዞም ነገራት እዚኦም ዘይምችኡና ክመስሉና ይኽእሉ ኮይኑ ግን ጣዕሚ እግዚአብሔር ዝገልጹ እዮም። ኣሜን ኢልና እንተተቀቢልናዮም ንገዛእ ርእስና ዘደንቅ ውህበት ንረክብ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጢ ልብና ዘይተጸበናዮ ዘደንቅ ውህበት ናይ ምሃብ ክእለት ሓቢእና ኣሎና። ኣብዚ በዓለ ልደት ኢየሱስ ብዘይሓሰብናዮ ብር እናክንብል ክሐጒሰና ነፍቅደሉ እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ነዚ መደብ`ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 December 2018, 16:30