ካብ ኢየሱስ ከመይ ቢልካ ከምዝጽለ ንመሃር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ ኣብ ኣደራሽ ቅ.ጳውሎስ 6ይ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅራብ ኣብቲ ኣደራሽ ንዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡን ምስ ባረኹን ‘ንሱ [ኢየሱስ] ከአ ኣብ ሓደ ቦታ ይጽሊ ነበረ እሞ ምስ ወድአ ሓደ ካብ ኣርድእቱ ‘‘ኦ ጐይታና ከምቲ ዮሓንስ ነርድእቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና!’’ በሎ።’ (ሉቃ 11.1) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ቀረበ ነዚ ዚስዕብ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ክንጅምር ኢና። ወንጌላውያን ኩሎም ኢየሱስ ናይ ጸሎት ሰብ ከምዝነበረ ብዝተፈላለየ መንገዲ ገሊጾምልና። እወ ኢየሱስ ይጽሊ ነይሩ ናይ ጸሎት ሰብ እዩ ዝነበረ። ሽሕ’ኳ ናይ ተልእኮኡ ኩነትን ግድነት ናይቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባትን ወትሩ ኣብ ናይ ኣፈርክቡ ሃዋሁ የንብሮ እንተነበነረ ኢየሱስ በይኑ ክኸውን ከምዝግብኦን ክጽሊ ከምዘለዎን ኣይዝንግዕን ነሩ። ነዚ ኩነት እዚ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ኣብቲ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮኡ ዝጀመረሉ ግዝያት ንርእዮ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅፍርናሆም ኪኣቱ እንከሎ ዓወት ዝመልኦ ነበረ ብዙሓት ሕሙማት ሓውዮም እቲ መሲሕ ይሰብኽ ሕሙማት የሕዊ። እቲ ኣብ ትንቢት ብዛዕባኡ ዝተነግረ ክፍጸም ስቃይ ናይ ብዙሓት ክፍወስ ንርኢ። ኢየሱስ እግዚአብሔር ኣብ ማእከል ሕዝቡ ከምዝተረኽበ ቀረባኦም ከምዝኾነ ሓርነት ከምዘልብሶም ንግንዘብ። ሕዝቢ ብምሉኡ ኣብ ከባቢ ነቢይ ናዝሬት ኮይኑ ይሕጐስ ተስፋ እስራኤል ትጽቢት ሕዝቢ ተፊጺሙ ከኣ ይብል።

ኮይኑ ግን ንሱ ምስቲ ሕዝቢ ጠቢቁ ጥራይ ሱቅ ኣይብልን። በዚ ሆሆታን ከም ሓደ መራሒ ክመርጾ ዝደሊ ዝነበረ ሕዝብን ጅሆ ክታሓዝ ኣይደለን፣ እዚ ምስ ሕዝቢ ብዙሕ ምጥባቅ ናይ ብዙሓትት መራሕቲ ፈተነ እዩ፣ ካብ ሕዝቢ ፍልይ ዘይምባል ምስ ሕዝቢ ብዘይ መጠብ ምጥባቅ ፈተነ እዩ፣ ኢየሱስ ነዚ ብኡ ንብኡ ቆብ የብሎ ጅሆ ናቱ ክኸውን ከኣ ኣይደለን፣ ከመይ በዚ ጥራይ ኣይዓግብን ፍልይ ክብል በይኑ ምስ ኣቦ ክራኸብ ይደሊ። ወንጌል ከምዝገልጾ ካብታ ቀድማይቲ ለይቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝኣተወላ ጀሚሩ ፍሉይ መሲሕ ምዃኑ የርኢ፣ ኣብ መወዳእታ ለይቲ ምድሪ ክወግሕ ምስ ቀረበ ንሱ ግን ንክጽሊ ናብ እምባ ድዪቡ ዝሓደረላ ለይቲ ሓዋርያት ዋእ ኣበይ ደኣ ኣሎ ኢሎም ሃሰው ይብልዎ ኣበይ ከምዘሎ ከኣ ምርካብ ይስእንዎ፣ ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍልይ ኣብ ዝበለ ቦታ በይኑ ክጽልን ከስተንትንን ይረኽቦ እም ‘ዋእ ኣንታ ጐይታ ኩሉ ሰብ ንዓኻ እንክደሊ ኣበይ ኣቢልካ` ይብሎ (ማር 1.37)፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኣግራሞት ቃል ጠፊኡ ነሩ ናይ ዝተኸበ እፎይታ ዝዓሰሎ ዓወት የቃልሕ፣

ኢየሱስ ግን ነቶም ናቱ ገና ናብ ካልእ ቦታ ክኸይድ ከምዘለዎን ክደልይዎ ዘለዎም እቶም ሕዝቢ ዘይኮነስ ንሱ ነቶም ካልኦት ክደሊ ከምዘለዎ ይገልጸሎም። በዚ ከምዚ ዝበለ መንገዲኸስ ሽሕ’ኳ ኣብቲ ዝመሃርሮን ዝሓለፎን ኩሉ ኣሰር ክገድፍ እንተነበሮ ኣብ ጐደናታት ይሁዳ ሓላፍ መንገዲ ምዃኑ ከኣ ክገልጽ ኣድለዮ (ማር 1.38-39 ተመልከት) ኣብ ምድሪ ይሁዳ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጒዕዞ ጸሎት ኮይኑ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ገጹ ይጐዓዝ ከምዝነበረን ሓላፍ መንገዲ ከምዝኾነን ንምግላጽ ወትሩ ኣብ ጸሎት ይጽመድ ነበረ። ኩሉ ከኣ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ናይ ጸሎት ይፍጸም።

ኣብ ገሊኡ ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ ንኩሉ ዘማእክል እቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ጥቡቅ ርክብ ማለት ጸሎት ኢየሱስ ንኩሉ ዝመልኽ ይመስል። እቲ ናይ መወዳእታ ዕዮ ኢየሱስከስ ክሳብ ሽዑ ዘይፈጸሞ ብዝመስል ብቀጻሊ ምስ ኣቦኡ ብጸሎት ብምውሳእን ንኣኡ ጽን ኢሉ ብምስማዕን ትርጉም ናይ ጸሎት ክምህር ዝደለ ይመስል፣ እዚ ጸሎት እዚ ግን ቀሊል ጸሎት ከምዘይኮነ እኳ ሓቐኛ ስቃይ ምዃኑ የመልክት ከመይ እቲ ንጽሊ ኢና ዝብሉን ጸሎት ዝለማመዱን ንጉዕዞ መስቀል ከሰኒ ዝኽእል ጸሎት እንታይ ምዃኑ ብዙሕ ኣይግንዘብዎን።

እቲ ቀንዲ ነጥቢኸስ እዚ እዩ! ኢየሱስ ይጽሊ ነበረ፣ ምስቲ ሕዝቢ ኣብ ዝጽልየሉ ዝነበረ እውን ኣበርቲዑ ይጽሊ ነበረ፣ ኣብቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ሕዝቢ እውን ብዕምቆት ይሳተፍ ነበረ፣ ኮይኑ ግን በይኑ ኮይኑ ዘስተንትነሉ ካብ ጫውጫውታ ዓለም ፍልይ ዝብለሉ ዓሚቚ ምሥጢራት ነፍሱ ንምፍላጥ ዘኽእሎ ቦታን ግዜን የድልዮ ነሩ፣ ናይ ምድረ በዳ ኣእማን ዝፈልጥን ኣብ ጎቦታት ዝድይብን ነቢይ ነበረ፣ ኣብ ቀራንዮ ቀቅድሚ ሞቱ ዝደገመን ቃላት ናይ መዝሙረ ዳዊት ቃላት እየን ዝነበራ። መዝሙረ ዳዊት ቀንዲ ጸሎት ኣይሁድ እዩ ዝነበረ፣ በቲ ኣዲኡ ድንግል ማርያም ዝመሃረቶ መንገዲ እዩ ዝጽሊ ዝነበረ።

ኢየሱስ ማንም ሰብ ኣብ ዓለም ከም ዝጽልዮ እዩ ዝጽሊ ዝነበረ። ኣብ ኣገባብ ጸሎቱ ሓደ ምሥጢር ተዓቢጡ ከምዝነብረ ርግጽ ኮይኑ እዚ ግን ካብ ኣዕይንቲ ሓዋርያቱ ክዅአል ኣይተኻእለን በዚ ከኣ እዩ ሓዋርያት ነቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ‘ኦ ጐይታ ጸሎት ምሃረና’ (ሉቃ 11.1) ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ዝሓተትዎ። ንሳቶም ኢየሱስ ወትሩ ክጽሊ እንከሎ ይዕዘቡ በዚ ከኣ ንሶም እውን ጸሎት ክመሃሩ ይደልዩ እሞ ‘ኦ ጐይታ ጸሎት እንዶ ግዳ ምሃረና’ ይብልዎ። ኢየሱስ ንሕቶኦም ኣይንጸጎን ከምቲ ንሱ ገሩ ዝጽልዮ ንክጽልዮን ምስ ኣቦኡ ውህደት ክህልዎምን ንፍገት ኣይተሰምዖን። በዚ ከኣ መምህር ጸሎት ናይ ሕዋርያቱ ይኸውን፣ ብርግጽ ንዓና ንነፍስወከፍና እውን መምህር ክኸውን ይደሊ እዩ። ስለዚ ንሕና እውን ‘ኦ ጐይታ ጸሎት ምሃረኒ’ ክንብሎ ኣሎና።

ወላውን ካብ ነዊሕ ዓመታት ንጽሊ እንተኾና ወትሩ ጸሎት ክንመሃር ኣሎና። እዚ ካብ ነፍሲ ደቂ ሰባት ብባህሪኡ ዝውሕዝ ናይ ምጽላይ ድሌት ካብቶም ገና ፍታሕ ዘይተረኸበሎም ምሥጢራት ዓለምና እዩ ክንብሎ ንኽእል። እቲ ኣብ እግዚአብሔር እነዕርጎ ጸሎታት ብርግጽ እግዚአብሔር ካባና ክሰምዖ ዝደልዮ ምዃኑ እውን ኣይፈልጥን። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተተመልከትና ብዙሕ ዘይከውን ጸሎታት ከምዝነበረን ጐይታ ከምዝነጸጎን የመልክተልና። ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ኣብነት ናይ መጸበሓውን ፈሪሳውን ጸሎታት ምዝካር እኹል እዩ፣ እቲ መጸበሓዊ ጥራይ ጸሎቱ ከምዝተሰምዔን ከምዝጸደቀን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ፈሪሳዊ ብትዕቢት ተነፊሑ ከምዝጽሊ ሰብ ክርእዮ ይደሉ ብምንባር ከምዝጽሊ ኮይኑ መሲሉ ክረኤ ሒዅ ይብል ብምባሩ ልቡ ግን ዝሑል ነበረ፣ ኢየሱስ ከኣ እዚ ሰብ እዚ ጸሎቱ ኣይተሰምዔን ይብለና ምስኡ ኣተሓሒዙ ከኣ ‘ንርእሱ ዘልዕል ዘበል ክዋረድ ንርእሱ ዘትሕት ግን ልዕል ክብል እዩ’ (ሉቃ 18.14) ይብለና። ንክትጽሊ ዘድሊ ቀዳማይ ስጉምትኸስ ትሑት ምዃንን ናብ ኣቦ ከድካ ‘ተቀበለኒ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ! ድኹም እየ! ክፉእ ሰብ እየ’ ክንብል ወይውን ንኣኡ ዝመሳሰል ነፍሲ ወከፍና እንታይ ከምእንብል ንፈልጥ ኢና። ኮይኑ ግን ወትሩ ብትሕትና እዩ ዝጅመር ሽዑ ጐይታ ይሰምዕ። ብትሕትና ዝቀረበት ጸሎት ወትሩ ብእግዚአብሔር ምስ ተሰምዔት እያ።

ስለዚኸስ ነዚ ሓዲስ ጒዕዞ ዙር ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ኢየሱስ ኣብ እንጅምረሉ ዘሎና እታ ዝበለጸትን ፍትሓዊትን ኲልና ክንገብራ ዘሎና ነገር ነታ ሓዋርያት ዝበልዋ ነገር ምድጋም እያ ‘ኦ ጐይታ ጸሎት ምሃረና’። ኣብዚ ግዜ ዘመነ ምጽኣት ነዛ ነገር እዚኣ ምድጋማ ጽቡቅ ‘ኦ ጐይታ ጸሎት ምሃረና’። ንሱ ከኣ ብርግጽ እዛ ልመናና ከይሰምዓ ኣይክሓልፍን እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
05 December 2018, 20:42