ልብና ኣብ እግዚአብሔር እንተደኣ ሃልዩ ሓጐስና ምሉእ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሣልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት ኣብ’ቲ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ 3.14 ‘ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ።’ ዝበሎ ተመርኲሶም ናይ ፍሥሓን ሓጐስን ደስታን ዕልልታን ሰንበት ይብልዋ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ እግዚአብሔር ኣብ ማእክልና ክነብር ስለዝመጸ ካብዚ ዚዓቢ ሓጐስ ስለዘየለ ብሓጐስ ንጨርሕ እልል ንበል ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብቲ ላዕሊ ዝበልናዮ ቀጺሉ ‘እግዚኣብሔር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሔር ንጉሥ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን’ እንክብል ባህታኣን ሓጐሳን ምሉእ ከምዝኾነ እዚ ከኣ እቲ ብነቢያት ዝተነግረ አማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና ኰይኑ አብ መንጎ ደቂሰባ ክሓድር ሰላሙን ሓጐሱን ክዕድል ምምጻኡ ስለዝበጽሔ እዩ።

ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ብወገኑ ኩሉ ፈጺሙ እዩ፣ ተሪፉ ዘሎ ግደና እዩ። ክንቅበሎ ክንሰናዶ ክንሳሕ ክንልወጥ ኣሎና። ንልደት ክንሰናዶ እንተደኣ ኰና እሞ ክንቅበሎ ንሓስብ እንተሊና ቀዳማይ ስጉምቲ ለውጢ ንስሓ እዩ እሞ ሃየ ንተዓወት ኢሎም። አማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና እቲ ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና እኳ እዩ ዘሎ ኢሎም።

ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና ኣሎ!

ግዜ ልደት ድሮ ከምዝተቃረበ ዘመልክት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተኺሉ ዘሎ ጽሕዲ ልደት ከቢቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ቅዱስነቶም ነቲ ነቢይ ጸፎንያስ ንጓል ጽዮን ዝበሎ ብምድጋም ‘ኣቲ ጓል ተሓጐሲ ደስ እውን ይበልኪ እግዚአብሔር ንፍርድኺ ንኩነኔኺ ኣወጊድዎ’ እንክብሉ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝምሕር መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሩ ስለዘፍቅረና ከምዘይቀጽዓና ከምቲ ሓደ ኣቦ ንልውዱ ዘርእዮ ርሕራሔን ሓደ መርዓዊ ንመርዓቱ ዘለዎ ሓልዮትን ይርሕራሓልናን ይሓልየልናን። ትርጉም ልደት ከኣ እዚ እዩ ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና ኣብ ማእከልና ኣሎ።

“ኣብ ሓደ ማንም ዘይግደሰሉ ሻውል ገሊላ ኣብ ልቢ ሓንቲ ንዓለም ኣይእንታዩ ዝዀነት ጐርዞ እግዚአብሔር ንምሉእ ዓለም ዝኸውን ብርሃን ሓጐስ ዀሊዑ። ሎሚ ከኣ እዚ ብሥራት እዚ ናብታ ንቃል ወንጌል ክትቅበልን ሥጋ ከምዝኸውንን ጭቡጥ ሕይወት ዝህምብን ምእንቲ ክኸውን እትሰርሕ ቤተክርስትያን ተሰጋጊሩ ንሳ ኸኣ ብግዲኣ ‘ኦ ንኡስ መጓሰ ማሕበረ ክርስትያን ሽሕ’ኳ ንዓለም ድኻን ትሕትን እንተኾነት ብኣዕይንቲ ናይቲ መንግሥቱ ዝእውጅ ዘሎ ኣምላኽ ግን ምርጽትን ጽብቅትን ዝኾነ ማሕበረ ክርስትያን ተሓጐሲ! ሽሕ’ኳ ናይ ፍትሒ ጽምእን ጥሜትን እንተሎኪ ንሰላም ብዓቢ ሃንቀውታ ሃረር ትብሊ እንተሎኺ ግዜ ዝሃቦም ሓያላን እተዘይተኸተልኪ ወትሩ ግን ብተኣማንነት ኣብ ጐድኒ ድኻታት ኢኺ ትርከቢ። በዚ ከአ ምንም ዘፍርህ የብልክን ልብኺ ብሓጐስ ይመልእ።’ ትብለና ኣላ። ንሕና ነዚ መስመር እዚ ኣብ ህላዌ ኣምላኽ እንተተኸቲልና ልብና ወትሩ ኣብ ሓጐስ ክህሉ እዩ። እዚ ሓጐስ እዚ ዝለዓለ እዩ። እዚ ሓጐስ እዚ ብምልኣት እንተደኣ ሃልዩ ትሕቲ ሰላም ናይ ኩሉ ግዜ እያ። ወላ እታ ዝነኣሰት ሰላምስ ይኹን ሓጐስ ወትሩ ሓጐስ እዩ። እዚ ከሐጒሰና ኣለዎ ከመይ እግዚአብሔር ንማንም ምቅባል ኣይኣብን።”

እግዚአብሔር ፈጺሙ ስለዘይሓድገና ንተሓጐስ!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ታሕጓስ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ወትሩ ተሓጐሱ’ ከመይ ጐይታ ቀረባና እዩ ንዝብል ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ  ፊሊ. 4.4 ጠቂሶም። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍልጲስዩስ ወትሩ ንኽሕጐሱ እንክዕድሞም ንዓና እውን ወትሩ ክንሕጐስ ይዕድመና ኣሎ ከመይ እግዚአብሔር ወትሩ ምሳና እዩ፣ ንዘለመናዮ ዘበልና ከኣ ይህበና፣ ንሱ ምሳና ስለዘሎ ዘጨንቀና ምንም ነገር የለን። ሕይወትና ኣብ ኢዱ እያ።

“ኣብ ግዜ ጸገምና ናብኡ እንጐዮ እግዚአብሔር ኣቦ ከምዘሎና ምፍላጥ ንምህለላና ጨሪሹ ከምዘይድርብዮን ምፍላጥ ምኽንያት ዓቢ ሓጐስ ክኾነና ኣለዎ። ዘሻቅለናን ዘጨንቀናና ዝኾነ ይኹን ዝኾነ ፍርሒ ነዚ ሓጐስ እዚ ከሕድገና ኣይክእልን። እዚ ሓጐስ እዚ ክንዮ ዝኾነ ናይ ወዲሰብ ምጽንናዕን ነገራትን እዩ። ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ሰላምን ቅሳነትን ዝወዳደሮ የብሉን። እግዚአብሔር ብፍቅሩ ሕይወትና ወትሩ ከምዝመርሕ ምፍላጥ ዝህበና ቅሳነትከስ ልዑል እዩ። ኣብ ሽግር ንሃሉ ኣብ ስቃይ እዚ ርግጽነት እዚ ንተስፋና የስንቆ እሞ ትብዓትን ጽንዓትን ይህበና። ሓንትስ ንሕና ናብኡ ንመለስ።”

ዘመነ ምጽኣት ምሩጽ ናይ ለውጢ ግዜ እዩ።

ነዛ ናይ ሎሚ ሰንበት ዝገልጽ ተሓጐሱ ደስ እውን ይበልኩም ዝብል ሓረግ ብቀንዱ ምቅራብ ልደት እንከበስር ንነፍሲወከፍና እውን ዕድመ ጐይታ ኰይኑ ምስኡ ክንዋሳእ ይጽወዓና። እዚ ተዋስኦ እዚ ከምቲ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ጣዕሳ ጥምቀት ዝህብ ዝነበረ ዮሓንስ መጥምቅን እቶም ተጣዒሶም ዝምለሱ ዝነበሩን ዘተ እዩ። ነፍሲወከፎም ሓራይ ንስኻስ ከምዚ ትብል ተጠምቅ ንሕናኸ እንታይ ንግበር (ሉቃ 3.10) ይብልዎ ከምዝነበሩ ሓገዝ እኖና ድንግል ማርያም ብምልማን ንሕናውን ክንሓቶ ዘሎና ሕቶታት እዮም።

“እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ`ዚ ዘመነ ምጽኣት ክንፍጽሞ ንዕደሞ ንዘሎና ለውጢ ቀዳመይቲ ስጉምቲ እያ። ነፍሲ ወከፍና እስኪ ነናብ ሕልናና ተመሊስና ኣነኸ እንታይ ክገብር ኣሎኒ! ወላ ዝነኣሰት ነገር ትኹን ገለስ ክገብር ኣሎኒ እንታይ እገብር! ኢልና ንግዛእ ርእስና ንሕተት። ኣደና ዝኾነት ድንግል ማርያም ነቲ ንመላእ ሕይወትን ብሓጐስ ክመልኦ ናባና ዝመጽእ ዘሎ እግዚአብሔር ልብና ንክንከፍት ትሓግዘና ኢሎም።”

ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ንኩሎም ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ሞሮከ ብዛዕባ ስደተኛታትን ሕጻናትን ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ንዘሕለፎ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም ኣብዚ ዘመነ ልደት ፍልይ ብዝበለ ብዛዕባ ስደተኛታትን ሕጻናትን ክንሓስብ ኣዘኻኺሮም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 December 2018, 18:54