ልብና ኣብ እግዚአብሔር እንተደኣ ሃልዩ ሓጐስና ምሉእ እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብቲ ላዕሊ ዝበልናዮ ቀጺሉ ‘እግዚኣብሔር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፣ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፣ እግዚኣብሔር ንጉሥ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን’ እንክብል ባህታኣን ሓጐሳን ምሉእ ከምዝኾነ እዚ ከኣ እቲ ብነቢያት ዝተነግረ አማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና ኰይኑ አብ መንጎ ደቂሰባ ክሓድር ሰላሙን ሓጐሱን ክዕድል ምምጻኡ ስለዝበጽሔ እዩ።
ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ብወገኑ ኩሉ ፈጺሙ እዩ፣ ተሪፉ ዘሎ ግደና እዩ። ክንቅበሎ ክንሰናዶ ክንሳሕ ክንልወጥ ኣሎና። ንልደት ክንሰናዶ እንተደኣ ኰና እሞ ክንቅበሎ ንሓስብ እንተሊና ቀዳማይ ስጉምቲ ለውጢ ንስሓ እዩ እሞ ሃየ ንተዓወት ኢሎም። አማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና እቲ ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና እኳ እዩ ዘሎ ኢሎም።
ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና ኣሎ!
ግዜ ልደት ድሮ ከምዝተቃረበ ዘመልክት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተኺሉ ዘሎ ጽሕዲ ልደት ከቢቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ቅዱስነቶም ነቲ ነቢይ ጸፎንያስ ንጓል ጽዮን ዝበሎ ብምድጋም ‘ኣቲ ጓል ተሓጐሲ ደስ እውን ይበልኪ እግዚአብሔር ንፍርድኺ ንኩነኔኺ ኣወጊድዎ’ እንክብሉ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝምሕር መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሩ ስለዘፍቅረና ከምዘይቀጽዓና ከምቲ ሓደ ኣቦ ንልውዱ ዘርእዮ ርሕራሔን ሓደ መርዓዊ ንመርዓቱ ዘለዎ ሓልዮትን ይርሕራሓልናን ይሓልየልናን። ትርጉም ልደት ከኣ እዚ እዩ ምንጪ ሓጐስን ሰላምን ዝኾነ እግዚአብሔርሲ ምሳና ኣብ ማእከልና ኣሎ።
እግዚአብሔር ፈጺሙ ስለዘይሓድገና ንተሓጐስ!
ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ታሕጓስ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ወትሩ ተሓጐሱ’ ከመይ ጐይታ ቀረባና እዩ ንዝብል ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ፊሊ. 4.4 ጠቂሶም። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍልጲስዩስ ወትሩ ንኽሕጐሱ እንክዕድሞም ንዓና እውን ወትሩ ክንሕጐስ ይዕድመና ኣሎ ከመይ እግዚአብሔር ወትሩ ምሳና እዩ፣ ንዘለመናዮ ዘበልና ከኣ ይህበና፣ ንሱ ምሳና ስለዘሎ ዘጨንቀና ምንም ነገር የለን። ሕይወትና ኣብ ኢዱ እያ።
ዘመነ ምጽኣት ምሩጽ ናይ ለውጢ ግዜ እዩ።
ነዛ ናይ ሎሚ ሰንበት ዝገልጽ ተሓጐሱ ደስ እውን ይበልኩም ዝብል ሓረግ ብቀንዱ ምቅራብ ልደት እንከበስር ንነፍሲወከፍና እውን ዕድመ ጐይታ ኰይኑ ምስኡ ክንዋሳእ ይጽወዓና። እዚ ተዋስኦ እዚ ከምቲ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ጣዕሳ ጥምቀት ዝህብ ዝነበረ ዮሓንስ መጥምቅን እቶም ተጣዒሶም ዝምለሱ ዝነበሩን ዘተ እዩ። ነፍሲወከፎም ሓራይ ንስኻስ ከምዚ ትብል ተጠምቅ ንሕናኸ እንታይ ንግበር (ሉቃ 3.10) ይብልዎ ከምዝነበሩ ሓገዝ እኖና ድንግል ማርያም ብምልማን ንሕናውን ክንሓቶ ዘሎና ሕቶታት እዮም።
ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ንኩሎም ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ሞሮከ ብዛዕባ ስደተኛታትን ሕጻናትን ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ንዘሕለፎ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም ኣብዚ ዘመነ ልደት ፍልይ ብዝበለ ብዛዕባ ስደተኛታትን ሕጻናትን ክንሓስብ ኣዘኻኺሮም።