ዚኣምን ዘበለ ኩሉ ንካልኦት መንግዲ ትጽቢት ተስፋ የመልክት! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃ 3.1-6 ኮይኑ ‘መንገዲ እግዚአብሔር ኣሰንድው ጐደናታቱ እውን ኣቅንዑ፣ ዓሚቚ ዘበለ ይምላእ እንባን ኵርባን ትሕት ይበል፣ ጥውይዋይ ይቕናዕ ሓባጥ ጎባጥ ሰጥ ይበል፣ ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ኸአ ድኅነት ኣምላኽ ኪርኢ እዩ’ ዝብል ይርከቦ።
ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥቅምቕ ንምስንዳው ናይ ጣዕሳ ጥምቀት ክእውጅ እንከሎ ዝተጠቅሞ ቃላት ብምድጋም ንንስሓን ጣዕሳን ዓዲሞም።
ትርጉም ኣማኒ ምዃን!
ቅዱሰንቶም ኣብቲ ቀንዲ ትርጉም ኣማኒ ምልስ ይብሉ እሞ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዝሰበኾ ንብጾትና ቅርበትና ብምግላጽ ትጽቢት ተስፋ ክነስንቆም ነዚ ኣብቲ ዝተሸንፍና ኰይኑ ዝስመዓና ፈተነ መነባብሮ ዘጋጥመና ነገራት ከይተረፈ ክንገብሮ ኣሎና።
ትሑታት ግን ከኣ ተብዓት!
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ነቶም ናይ ዘመኑ ሰባት ንንስሓን ንለውጥን ይዕድሞም ነሩ። ነዚ ከኣ ብዓቢ ሓይልን ብርቱዕ ቈይቊን ይገብሮ ነበረ። ኮይኑ ግን ሕቶታቶም ጽን ኢሉ ናይ ምስማዕን ዝግባእ መልሲ ናይ ምሃብን ክእለት ነርዎ። ናይ ርሕራሔን ምሕረትን ኣገባብ እውን የርኢ ነሩ። ኣሰሩ ንሕና እውን ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ትሑታትን ተበዓትን ክንከው ከምዚ ክብሉ ጸዎዖም።
በዚ ከምዚ ከኣ ጐደናታቱ ነሰናዱ ማለት እዩ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም።