ዚኣምን ዘበለ ኩሉ ንካልኦት መንግዲ ትጽቢት ተስፋ የመልክት! ር.ሊ.ጳ

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃ 3.1-6 ኮይኑ ‘መንገዲ እግዚአብሔር ኣሰንድው ጐደናታቱ እውን ኣቅንዑ፣ ዓሚቚ ዘበለ ይምላእ እንባን ኵርባን ትሕት ይበል፣ ጥውይዋይ ይቕናዕ ሓባጥ ጎባጥ ሰጥ ይበል፣ ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ኸአ ድኅነት ኣምላኽ ኪርኢ እዩ’ ዝብል ይርከቦ።

ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥቅምቕ ንምስንዳው ናይ ጣዕሳ ጥምቀት ክእውጅ እንከሎ ዝተጠቅሞ ቃላት ብምድጋም ንንስሓን ጣዕሳን ዓዲሞም።

“ነቲ ከድሕነና ዝመጽእ ጐይታ መንገዲ ክነሰናዱ እንተዀና ነቲ ብዛሕሊ መንፈስን ሸለልትነትን ነቲ መንገዲ ንክዕንቅጹ ዘፍቀድናሎም ነገራት ብምእላይ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ስምዒት ኣሕዲርና ልብና ንኽፈት። ብዙሕ ናይ ትዕቢት ጎቦታት ለጠቕ ክነብሎ ኣሎና! ነዚ ከኣ ጭቡጥ ናይ ዕርቂ ተግባራት ምስ ኣሕዋትና ብምፍጻምን ንበደላትና ይቅረታ ብምሕታትን ኢና እንገብሮ። ዕርቂ ምፍጣር ቀሊል ኣይኮነን፣ ከመይ ኣማኒ ምዃን ትርጉሙ ምስ ሓውኻ ቅርበትካ ምግላጽ እዩ።”

ትርጉም ኣማኒ ምዃን!

ቅዱሰንቶም ኣብቲ ቀንዲ ትርጉም ኣማኒ ምልስ ይብሉ እሞ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዝሰበኾ ንብጾትና ቅርበትና ብምግላጽ ትጽቢት ተስፋ ክነስንቆም ነዚ ኣብቲ ዝተሸንፍና ኰይኑ ዝስመዓና ፈተነ መነባብሮ ዘጋጥመና ነገራት ከይተረፈ ክንገብሮ ኣሎና።

“በቲ ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ኣገልግል ዝብል ኣሉታዊ ኩነታት ተዓጺኻ ናይ ምትራፍ ዘመንና ተዓኒድና ክንተርፍ የብልናን። ካብቲ ንኩሉ ዝነጽግን ብኣተሓሳስባ ዓለም ክጸልወና ዝጽዕርን ዘመንና ንተኣለ ምክንያቱ ከኣ ማእከል ሕይወትና ኢየሱስን ናይ ብርሃንን ፍቅርን ምጽንናዕን ቃሉን እዩ። ንሱ እዩ፣ ብዘይካኡ ካልእ የብልናን፣ ርግጽ ትሕትና የድሊ፣ ትሑታት ግን ከኣ ተብዓት ክንከውን ኣሎና።”

ትሑታት ግን ከኣ ተብዓት!

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ነቶም ናይ ዘመኑ ሰባት ንንስሓን ንለውጥን ይዕድሞም ነሩ። ነዚ ከኣ ብዓቢ ሓይልን ብርቱዕ ቈይቊን ይገብሮ ነበረ። ኮይኑ ግን ሕቶታቶም ጽን ኢሉ ናይ ምስማዕን ዝግባእ መልሲ ናይ ምሃብን ክእለት ነርዎ። ናይ ርሕራሔን ምሕረትን ኣገባብ እውን የርኢ ነሩ። ኣሰሩ ንሕና እውን ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ትሑታትን ተበዓትን ክንከው ከምዚ ክብሉ ጸዎዖም።

“ሎሚ እውን ኣርድእቲ ኢየሱስ ኩሎም ናቱ ትሑታት ግንከ ተባዓት መሰኻኽር ንምዃን ዝተጸውዑ እዮም፣ ነዚ ከኣ ኣብ ልቢ ካልኦት ንተስፋ ኢየሱስ እንደገና ከምዝዂላዕ ብምግባር ሽሕኳ ከቢድ እንተኾነ መንግሥቲ እግዚእብሔር ዕለት ዕለት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እናተሃንጸት ምዃና ብምምስካር ይገብርዎ። ቅድሚ ናብ ካልኦት ገጽና ምጥማት ንሕና ንባዕልና ወላውን ንእሽቶይ ትኹን ካብቲ ሕማቅ ጠባያትና ከመይ ገርና ክንልውጥ ከምእንኽእል ንሕሰብ።”

በዚ ከምዚ ከኣ ጐደናታቱ ነሰናዱ ማለት እዩ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 December 2018, 20:23