ሓድሽ ብቃለ መሕትት ኣገባብ ዝተደርሰ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ ሓድሽ ብቃለ መሕትት ኣገባብ ዝተደርሰ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ 

ሓድሽ ብቃለ መሕትት ኣገባብ ዝተደርሰ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ

ውፉይ ሕይወት ብዘይ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ብጸሎት ናይ ውፉይ ሕይወት ቲዮሎጊያ ዝንበር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮብማሕበር ልኡካነ ወንጌል ክላሪታኒያኑም ኣባል ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ፈርናንዶ ፕራዶ ብዘቕረቡሎም ቃለ መሕትታዊ ኣገባብ ሓይሊ ጸዋዕታ፡ ውፉይ ሕይወት ሎሚ ብዝብል ኣርስቲ ውፉይ ሕይወት ኣብ እዋናዊ ዓለምን ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብሰፊሕ ዝድህስስ መጽሓፍ ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ቃለ መሕትት 120 ገጽ ከይኑ ሓይሊ ጸዋዕታ፡ ውፉይ ሕይወት ሎሚ ብዝብ ኣርእስቲ ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ቋንቋ ቻይና ዘጠቓልል ብ10 ቋንቋታት ተሓቲሙ ንንባብ ክበቕዕ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ክላሪቲያኑም ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ተወላዲ ስፐይን ኣባ ፈርናንዶ ፕራዶ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ተረኺቦም ብዛዕባ ጽዋዕታ ዝምልከትን ብፍላይ ብዛዕባ ውፉያትን፡ ውፉይ ሕይወት ብዘይ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ብጸሎት ናይ ውፉይ ሕይወት ቲዮሎጊያ ዝንበር ምዃኑ ዝገልጽን ብዛዕባ ዓቢይ ፈተና ክህነታውነትን (ፈሪሳውነት) ርእየት ዓለምን ዝብሉ ዓበይቲ ናይ ውፉይ ሕይወት ጸላእት ምዃኖምን እዚ ዝነበረ ፈተና’ዚ ክህሉ ዝኽእል ኣስጋኢ ፍተና እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ዘብርህ መጽሓፍ እዩ።

ክህነታውነት (ፈሪሳውነት) ኣብ ውፉይ ሕይወት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ኣናስር እዩ፡ ድሕሪ ዝተፈላለየ ዓመጽ እውን ክንየው ዘይምብሳል ክህነታውነት (ፈሪሳውነት) ኣሎ፡ ስለዚህ ኣብ ሕንጸት ንውፉይ ሕይወት ብዙሕ ጥንቃቔን ልልያን ክህሉ ኣገዳሲ እዩ፡

እቲ 120 ገጽ ዝሓዘ መጽሓፍ ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ ዝተመደበ ኰይኑ፡ ንመጻኢ ብተስፋ እናማዕደኻ ኣብ ከይዲ ሕዳሴ ኣብ ትሕቲ መርሕነት ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣብ ናይ  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐረባ ዝተመልክትዎን ዘብርህዎን ቃለ ምዕዳን ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ በውዕዉዕ መንፈስ ህልውነት ምንባርን ዝብሉ ኣርእስታት ዝድህስስ እዩ።

ዝሓለፈ ብዓቢይ ሞሳ ምምልካት፡ እዚ ምምልካት’ዚ ከኣ ከም ኣብ ቤተ መዘክር ዝንበር ዓይነት ምምልካት ዘይኰነስ እቲ ናይ ኣስተንፍሶ ኣናስር ምምልካት ዝብል እዩ፡ ህያው ምምልካት።

ቅዱስ ኣቦና፥ እቶም ናይ ክላሪቲያኑም ቤት ማሕተም ዋና ኣመሓዳሪ ቅድም ኣቢሎም ሕቶኡም ክልእኹ እሞ ደሓር መልሲ ክህቡ ኣይደለዩን፡ ስለዚህ እቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ክፉትን ክፉት ናይ ዘተ ኣገባብ ዝተኸተለ ከምዝነበረ ክምልከት እንከሎ፡

ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት (ተባዕት ምስ ተባዕት፡ ኣንስት ምስ ኣንስትን ) ሶዶማውነት ጾታዊ ስምዒት ዝብል ዓቢይ ሕቶ እዩ፡ ናብ ንውፉይ ሕይወት ዝኣትው ሕጹይ ተመሃራይ/ተመሃሪት ብቑዕ ሕንጸት ክረክብን ኣብ ከይዲ ሕንጸት ልልያ እውን መተካእታ ዘይብሉ መደብ ክኸውን ኣለዎ፡ ጽኑዓት ምዃን የድሊ፡ ብዙሕ እንጽበይ ክንከውን ኣሎና፡ ኣብ ሕብረተሰብና ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ከም ሓድሽ ኣመት ዝምባለን ኣገባብን ከይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጽልዋ ኰይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል።

እቶም ኣብ ዓለም ካብ ብቑዕ መመሓደሪ ሕይወት ንታሕቲ ኰይኖም ዝነብሩን ብዘይእኹል እቶት ሕይወቶም ዝመርሑን ዝምልከት ሕቶ ኣናሓሰቡ፡ ብዙሓት ድኽነት ብዓይኒ ርእየት ዓለም ብምምልካት ኣብ ልዕሊ ድኽነት ዝተፈላለዩ ህልዩ ብምቕራብ እምበር ነቲ ኣብ ድኽነት ዝርከብ እቲ ዘጋጠሞ ድዩ ወይ በስጋዳድ ንዝነብሮ ድኽነት ክብድህ ብጩቡጥ ተግባር ምድጋፍ የድሊ ንዝብል ኣገባብ ክዝንግዕዎ ይርአይ።

ድኻታት በዓል ናይ ምግባር ዓቢይ ሓይሊ ኣለዎም፡ ሓሴት ኣይጥፍኡን፡ ኣብ ቅድሚ ጽንኩር ድኽነት እውን እንተዀነ ምሕጓስን ምብዓል ዝብል ኣጋጣሚ ፈጺሞም ኣይዝንግዕዎን እያቶም፡ እዚ ብሓቂ ውሽጠይ ይትንክፈኒ፡ ድኽነት በዚ መልክዕ’ዚ እዩ ክንበር ዘለዎ፡ ብተራን ገርሄይናን ዘይተሓላለኸን ሕይወት … እዚ ግና ድኽነት ዕድል ወይ ጽሕፍቶ ኢዩ ቢልካ ብዘይ ምቕባል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

እታ መጽሓፍ ነዚ ኩሉ ብዕምቆት እተመላኽትን ሓይሊ ጸዋዕታን፡ ውፉይ ሕይወት ኣብ እዋናዊ ዓለም ከመይ ክንበር ከምዘለዎ ጥርሕ ዘይኰነስ ጸዋዕታ ኣሎኒ ዝብል እውን ብቐረባን ብጥልቅን ምፍላጥን ዓሚዩቕ ሰብኣዊ ሕንጸት ዘድልዮን ምዃኑ እተረጋግጽን፡ ዝጽውዕ እግዚኣብሔር እዩ፡ ግብረ ልልያ ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ፡ እዚ ተልእዀ ልልያ ኣብ ጸዋዕታ ካብ እግዚኣብሔር ዝተወሃባ ሓላፍነት ምዃኑ ብሰፊሕ ብቃል ቅዱስ ኣቦና መሰረት እተመላኽት እያ።

03 December 2018, 16:38