ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽባቔ ዘለዓለማውነት ዘህውይ ተስፋ ምዃኑ ይገልጹ ር.ሊ.ጳ.፥ ጽባቔ ዘለዓለማውነት ዘህውይ ተስፋ ምዃኑ ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽባቔ ዘለዓለማውነት ዘህውይ ተስፋ ምዃኑ ይገልጹ

እቲ ዘለዓለማውነት ዝብል ናይ እምነት ሓቂ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ስብከተ ወንጌልን እንጥቀመሉ ቃላት ንገዛእ ርእሱ ነቲ ክገልጾ ዝፍትን ዘለዓለማውነት ዝብል ሓቂ ብግቡእ ክውክሎ ዘይኽእል ብምዃኑ፡ ኣብ ዘይፍሉጥነት ወይ ህቡእነት ክጸንሕ ይገብሮ፡

ብምኽንያት መበል 23 ዓውደ ጉባኤ መላእ ጳጳሳውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ትምህርቲ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዘለዓለማውነት ዝብል መርሕ ኣርእስቲ ጠቒሶም፡ ዘለዓለማውነት ብዙሕ ግዜ ኣብ ስነ ምርምር ቲዮሎጊያ ኰነ ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታትን ንምእመናን ኣብ ዝቐርብ ሕንጸት ዝተዘንግዔ ይመስል ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳጳሳውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ትምህርትን ትቕዋማትን፥ ዘለዓለማውነት ናይ ሕይወት ካልእ ገጽ ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ብዛዕባ ዘለዓለማውነት ንምስትንታንን ንምዝካርን ዓቢይ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ጠቒሶም፡ ዘለዓለማውነት ዝብል ሓቂ ክፍሊ እምነት ብዙሕ ግዜ ዝዝንጋዕን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝበሃል ከምዘየለ ዘምስል ምንባር ልሙድን ንዕለታዊ ሕይወትን ንእዋናዊ ስምዒት ኰነ ግንዛበ ወጻእተይና ከይኑ ከምዝረአይ ገሊጾም፡ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ምብዓል ቅዱሳት ምስጢራትን ክዝከርን ብዛዕባኡ ሕንጸትን ኣስተምህሮታትን ክቐርብ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ክግለጽ ዘይከኣል መጻእነት ክንየው ሞት

ዘለዓለማውነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክዝንጋዕ ዝድርኹ ብዙሓት ረቛሕታት ኣለዉ፡ ሓደ ካብኣቶም፡ እዋናዊ ባህሊ፡ እቲ ኣብ እዋናውነት ሽኹል ዝኸውን ኵለ መዳያዊ ዓይነት ኣነባብራን ስነ ምርምርን ከምዝዀነን፡ እዚ ኸኣ ብገዛእ ርእሱ ዘለዓለማውነት ዝብል ሓሳብ ኰነ ሕቅነት ክርሳዕን ክእገድን ዝገብርን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ደረት መርኣያ ኰነ ብፍላይ ከኣ መጻእነት ኣብ መንእሰይ ወለዶ ድቡንን ምጥርጣርን ኣልቦ ርግጸይናነትን ክኸውን የተባብዕ፡ በዚ ማዕቅፍ’ዚ መጻእነት ክንየው ሞት ክረአይ እንከሎ፡ ዘይብጻሕ ርሑቕን ክግለጽ ዘይኽእል ወይ ከኣ ዘይህልው የምስል።

ሕዳሴ ቋንቋ

ሓደ እቲ ካልእ ኣተኵሮ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ከይህሉ ዝድርኽ ረቛሒ፡ እቲ ዘለዓለማውነት ዝብል ናይ እምነት ሓቂ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ስብከተ ወንጌልን እንጥቀመሉ ቃላት ንገዛእ ርእሱ ነቲ ክገልጾ ዝፍትን ዘለዓለማውነት ዝብል ሓቂ ብግቡእ ክውክሎ ዘይኽእል ብምዃኑ፡ ኣብ ዘይፍሉጥነት ወይ ህቡእነት ክጸንሕ ይገብሮ፡ ስለዚህ እቲ ዘለዓለማውነት ናይ ምግላጽ ብቕዓት ዘይብሉን ወይ ከኣ ንምግላጹ ዝቐርብ ኣሉታዊ ስእለ ኣእምሮ ማራኺ ንኽኸውን ዝቐርብ ኣገላልጻ ክሕደስ እዩ ዘለዎ ኢሎም።

ጽባቔ ዘለዓለማውነት

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ኣብ ዘለዓለማውነት ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና  ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም፡ ብብቑዕ ቋንቋ እቲ ናይ እምነተ ሓቂ ዝዀነ ዘለዓለማውነት ንምግላጽን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝኩር ክኸውን እንጥቀመሉ ቋንቋ ስሉጥን ውዕውዕን ዘሀይው ንናይ ክርስቲያን ምስክርነት ኣብ ዓለም ዘሐይል ጽባቔ ዘለኣለማውነት ዘነጽር ናይ እምነትናን ተስፋናን ሕመረት ምዃኑ ኣሚኑ ዘእምን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ፥ በቢ ዓመቱ ዝህቦ ስልማት መሰረት፡ ናይ 2018 ዓ.ም. እምነትን ግብረ ገብን ካብ ክርስቲያናዊ ተስፋ ዘወግድ ፍልጠትን ሰብ ሰርሖ ሰብ ምርምራትን፡ መጽናዕቲ ኣብ እዋናዊ መሲሓውነት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ዝደረሱ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ስተፋኖ ኣባተን መንግስቲ ኣምላኽ ምልኣተ መሬት ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ታሪኽ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ምርምር መጽሓፍ ዝደረሱ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ፍራንሲስኮ ኻቪየር ፑአቮ ቨላስልኮን ከምእተወሃበን ጳጳሳዊ ናይ ክብሪ ስልማት ከኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ፡ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ኣብ ናይ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ንኡስ ዕድመ መጽናዕትታት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምር መጽሓፍ ንዝደረሱ ጉለርሞ ኮንቲ ኣይሎን ከምእተወሃበን ነቲ ስልማት ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምዃኖም ተገሊጹ።

06 December 2018, 16:03