ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መበል 41 ጉባኤ ኤውሮጳውያን መንእሰያት ታይዘ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መበል 41 ጉባኤ ኤውሮጳውያን መንእሰያት ታይዘ 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ መበል 41 ጉባኤ ኤውሮጳውያን መንእሰያት ታይዘ

እውነተይና ክርስቲያን ገዛእ ርእሱ ንኻልኦት ክፉት ክገብርን ሕይወታውያን ባይታ ናብ ናይ ሕውነት ስፍራ ብምቕያር ተኻፊልካ ኣብ ምንባር ክዓብይ ኣለዎ

ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 41 ኤውሮጳዊ ሓቆፍ ጉባኤ መንእሰያት ታይዘ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቶም 15 ሺሕ ተጋባእያን መንእሰያት፡ ነቲ ዝቖሰለ ሰብኣዊን ነቶም ኣብ ጠርዚ ዝተሓድጉን ሕሩጋትን ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ንኣሽቱን ድኻታትን ቀረባ ኩኑ ዝብል ጻውዒት ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም መንእሰያት፡ እቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ናይ ምእንጋድ ብድሆ ምቕባልን ልባቶም ንጐይታን ንቓሉን ክኸፍቱ ዓዲሞም ንሓድ ሕድ ብምቅብባልን ኵለ መደያዊ ፍልልያት ብምኽባር ናይ ምርኻብ ባህሊ ከነቓቕሑ ሓደራ ይብሉ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፥ እንገዳ ኣይንረስዕ ዝብል ዝኽተሎ መረሕ ቃል ቅዱስነቶም ግምት ብምሃብ፡ እቲ ዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣማእኪሉ ኣብ ሃገረ ቫትሪካን ዝተኻየደ ናይ ቀረባ ኣዋን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘኪሮም ንሶምን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መንእሰያት ኣመኔታ ከምዘለዎም ብምርግጋጽ። ብፍላይ ናይ 2018 ዓ.ም. ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፡ መንእሰያት መላእ ዓለምን መንእሰያት ታይዘ እውን ናይ ምርኻብን ምሕዝነትን ብሓባር ናይ ምሕላምን ምጉዓዝን መቐረት ከየጥፍኡ ሓደራ ቢሎም። እውነተይና ክርስቲያን ገዛእ ርእሱ ንኻልኦት ክፉት ክገብርን ሕይወታውያን ባይታ ናብ ናይ ሕውነት ስፍራ ብምቕያር ተኻፊልካ ኣብ ምንባር ክዓብይ ኣለዎ ኢሎም።

መንእሰያት ዝተዓደልዎ ክህሎት ንዝበለጸ ዓለም ሕንጸት ከውዕልዎ ዝተጸውዑ እያቶም

መንእሰያት ለጋስ እንገዳ ምንባር ዝከኣል ምዃኑን ካብ ናይ ካልኦት ፍሉይነት ገዛእ ርእስኻ ምህብታም ዝከኣል ምዃኑ ክትመሃርን ክህሎታትካ ንብሉጽ መጻእን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ሃይማኖታትን ሕዝብታትን ናይ መራኸቢ ድልድል ንምሕናጽ ክጥቀምሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማለት ካብ ፕሮተስታንትን ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳውያንን ኣቢያተ ክርስትያን ዝተዋጽኡ መንእሰያት ዘሳትፍ ብምዃኑ፡ ቅዱስነቶም መንእሰያት ፍልልይ ከም ናይ ሱታፌ ጉዕዞ ክነብርዎ ዘኽእሎም ፍልልያት ምእንጋድ ክፍጽሙ መታን ሓገዝ ካብ መንፈስ ቅዱስ ናብኡ ከብል ተማሕጺኖም፡ ክህሎታትኩምን ዕቑር ሓይልኹምን ብሉጽ ሓይልኹምን እንነብረሉ ዓለም ብሉጽ ንምግባርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ዓቢይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ማሕጸት ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ዝረኽበሉ ዓለም ኣቑሙ፡ እቲ ምሉእ ትብዓት ዝዓሰሎ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ዝተማእከለ ኣብነት ፍቕሪ ማርያም፡ ፍቕሪ ብግብሪ ንኽንነብርን እግዚኣብሔርን ገዛእ ርእስናን ከነፍቅርን ነቶም ኣብ መነባብሮና ዕለታዊ ሕይወት እንካፈሎምን ከነፍቅር ይደርኸናን የተባብዓናን እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተመሓላለፉ መልእኽታት

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ታይዘ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይትን ናይ ፈደራላዊ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ማርቲን ዩንገን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ናይ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፥

ተጋባእያን መንእሰያት ኣብ 170 ቍምስናታት እንገዳ ተገይሩሎም ኣሎ

እዚ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ መስራት ነፍሰ ሄር ሓው ሮጀር ዘበገስዎን ብዘይ ምቁራጽ እውን በቢ ዓመቱ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ ለምዘበን ኣብ ዝካየደ መበል 41 ዓውደ ጉባኤ 15 ሺሕ መንእሰያት ይሳተፉ ከምዘለዉን፡ ኣብ ማድሪድ ኣብ 170 ቁምስናታትን ኣባይቲ ስድራን እንገዳ ከምእተገበረሎም እውን ናይ ትይዘ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

28 December 2018, 13:01