ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እታ ቅድስቲ ለይቲ፡ በዓለ ልደት እትዀነልና ኢየሱስ ምስ እነፍቅር እዩ

በብበዓለ ልደት ኣብዛ መሬት ነቲ ሰማያውን ዘይወድቕ ብዓንተውኡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከነስተማቕር ዝገብረና ሰማያዊ መግቢ ዝዀነ ኢየሱስ ንቕበል፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ለይቲ  በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እቲ ተኣፋፊ ሕጻን ቤተ ልሔም፡ ኩሉ ምስናግን ምብሓትን ዘይኰነስ ምክፋልን ምልጋስን ዝብል ሓድሽ ዓይነት ናይ ሕይወት ኣገባብ የበግስ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 24 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነቲ ብህርፋንን ምርዋይ ብዘይፈልጥ ስስዔን ብዝብል ኣሉታዊ ተግባር ምልኩት ዝዀነ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት በቲ ሕይወት ብጉኡዛዊ ሃብቲ ዘይኰነ ብፍቕሪ፡ ብምብሓት ዘይኰነ ብምትሕልላይ ዝብል በቲ ናይቲ በዓቲ ብርሃን ምቅዋም። ሰብኣዊ ፍጥረት ሃርጓፍን ስሱዕን ከይኑ ውሑዳት ኣብቲ ፍድፋደ መኣዲ ዝቕመጡሉን ብዙሓት ከኣ ናይ ዕለት እንጌራ ዘይረኽብሉን ኣብ ዝዀነ ዓይነት ኣነብብራ ይርከብ፡  ትርጉም ሕይወት ብነገራት ምኽዕባት ዝመስሎም ብዙሓት እያቶም፡ ነዚ ዓይነት ስሱዕ ኩሉ ክብሕት ዝብል ዓይነት ምንባር ክንየው ክምዕደው ዘለዎ ቦታ ኣሎ፡ እቲ ቦታ’ቲ ድማ ቤተ ልሔም እዩ፡ ናይ ታሪኽ ኪደት ንምልዋጥ፡

ኣብ ቤተ ልሔም እግዚኣብሔር ሕይወት ዝህብ እምበር ሕይወት ዝምንዝዕ ከምዘይኰነ ነስተውዕል፡ ካብ ኣናስር ጀሚሩ ሰብኣዊ ፍጥረት ምውሳድን ምብላዕን ዝተላመደ እዩ፡ ኢየሱስ ግና እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱን ብልዑን ይብል፡ እቲ ዝተወልደ ዕሸል ቤተ ልሔም፥ ኩሉ ምስናግን ምብሓትን ዘይኰነስ ምክፋልን ምልጋስን ዝብል ሓድሽ ዓይነት ናይ ሕይወት ኣገባብ የበግስ፡ እግዚኣብሔር መግቢ ክዀነና ሕጻን ይኸውን፡ ንኣኡ እንጌራ ሕይወት ምስ እንምግበ ኣብ ፍቕሪ ንውለድን ነቲ ናይ ስስዔን ሃርጓፍ ሕይወት ነወግድ።

ኢየሱስ ልቢ ይልውጥ

ቅዱስ ኣቦና፥ ብበዓለ ልደት ኣብዛ መሬት ነቲ ሰማያውን ዘይወድቕ ብዓንተውኡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከነስተማቕር ዝገብረና ሰማያዊ መግቢ ዝዀነ ኢየሱስ ንቕበል፡ ኣብ ቤተ ልሔም ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ መትኒ ሰብኣዊ ፍጥረት ይውሕዝ፡ ኢየሱስ እንተድኣ ተቐቢልናዮን ኣአንጊድናዮን ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝጅምር ምልዋጥ ታሪኽ የህሉ፡ ኢየሱስ ልቢ ክልውጥ እንከሎ፡ ናይ ሕይወት ማእከል እቲ ኣነ ዝብል ገዛእ ርእሱ ዘረጋግጽን ንኣይነት ዝብልን ሕይወት ዘይኰነ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ዝውለድን ዝነብርን ይኸውን፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ እቲ ኣነ ብዘይ ብኣኡ ዘይኰነለይ ዝብሎ መግቢ ሕይወተይ ንኣይ እንታይ እዩ? ጐይታ ድዩ ወይ ከኣ ካልእ? እቲ ንዓይ ዘድልየኒ ብዝሓ ነገራትን ዝተሓላለኸ ትእዛዛትን ድዩ? እቲ ዘይተሓላለኸ ሕይወት ንኽመርጽ ብዘይ እቲ ኣገዳሲ ዘይኰነ ሕላፍ ምላፍ ኵሉ ምንባር እመርጽ ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም

ንጐይታ ምጽባይ

ኢየሱስ ናይ ጉዕዞ መግቢ እዩ፡ ብዙሕ ኰፍ ቢልካን ዓቢይን ንምምጋቡ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ብዙሕ ኰፍ ዝበሃለሉን ቀስ እናበልካን ህኩይ ምድቃቕ ዝንበሮ ሃብታም መኣዲ ዘይኰነስ፡ ቀልጢፍካ ተመገብ ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ዝርፍተት መግቢ  ክትከውን ከተገልግሎ ተንስእ ዝብል መኣዲ እዩ፡ ኢየሱስ ማንም በይኑ ከምዘይኰነን ፍርሕና ኵሉ ዘሰንፍን ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ብሓደ ዘፍቕር ጓሳ ከምዘሎና ንኽሕብረና ኣብ ማእከል ጓሶት ይውለድ፡ እቶም ናይ ቤተ ልሔም ጓሶት እታ ለይቲ ክይደቀሱ ነቒሖም እዮም ዝነበሩ፡ ንኣና ዘድልየና እዚ ዓይነት ምንቃሕ እዩ።

ሕይወትና ትጽቢት ክኸውን ይኽእል፡ ኣብቲ ናይ ሽግራት ጸላም ንኢየሱስ ዝደልን ዝውከፍን ምስ ዝኸውን ብርሃኑ ይዕደል። ወይ ከኣ ይግብኣኒ ዝብል ኣብ ናይ ገዛእ ርእስን ዓቕምን ብቕዓትን ዝተኣማመን ምስ ዝኸውን ንብርሃን እግዚኣብሔረ ዕጹው ይኸውን፡ ጐይታ እንጽበዮ ክኸውን እንከሎ ባህ እዩ ዘብሎ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቐጥዒ ኣልቦ ምቻኤ ሮሞቕ ቢልካን ወይ ትኽስ እናበልካን ክትጽበዮ ኣይደልይን፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቶም ጓሶት ብዘይ ምድንጓይን ሰጋእ መጋእን ናብኡ ዝነቐሉ፡

ናብ ቤተ ልሔም ገጽካ ምጉዓዝ

እቶም ጓሶት ቤተ ልሔም ንኢየሱስ ምስ ርኣይዎ፡ ዋላ’ኳ ናይ ቃላት ሊቃውንትን ምጭዋት ኣፍን መዳርያን ኣይንበሩ፡ ከበስርዎ ይጐዩ፡ ነቒሕካ ምጽባይ፡ ምብጋስ ኵንዶኾን ብዘይምባልን ነቲ ውበትን ውህነትን ምብሳር፡ እዚ እዩ ናይ ፍቕርን ምፍቓርን ምልክታ፡

እቶም ጓሶት “ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” (ሉቃስ. 2፡15) ቢሎን ነዚ ከኣ ፈጸሙ፡ ኣንሕና እውን፡ ጐይታ ናብ ቤተ ልሔም ክንመጽእ ንደልይ ኣሎና፡ ሎሚ እውን እተዀነ እቲ መገዲ ዓቐበት እዩ፡ ኬላታት ኢጐነትን ምስጋር ይሓትት፡ ኣብ ስንጭሮ ዓለማውነትን ኣህላኽነትን ሸተት ክንብል ኣይንደልን፡ ኣብ ቤተ ልሔም ክንበጽሕን ንቤት ልሔም ክንበጽሕ ንደልይ ኣሎና፡ ስለምንታይ ንስኻ ጐይታ ኣብኡ ስለ እትጽበየና፡ ኣብቲ መብልዒ ማል ዘለኻ ንስኻ ምዃንካ ከለልይ፡ ንስኻ እንጌራ ሕይወት ኢኻ፡ ኣነ እውን ብተራይ ንዓለም ዝቑረስ እንጌራ ክኸውን መታን ናይቲ ኣላዪ ዝዀነ ፍቕርካ ጥዑም መኣዛ የድልየኒ፡ ንስዃ ሕያዋይ ጓስ ዝዀንካ ጐይታ ኣብ ዝባንካ ሕቖፈኒ፡ ኣነ እውን ከፍቅርን ነሕዋት በእዳዎም ሕዚ ክጓዓዝ ብኣኻ ዝተፈቐርኩ እየ፡ ኦ ጐይታ ንስኻ ኵሉን ዘፍቅረካን ምስ ዝኸውን ሽዑኡ ልደት ይኸውን!

ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እታ ቅድስቲ ለይቲ፡ በዓለ ልደት እትዀነልና ኢየሱስ ምስ እነፍቅር እዩ
25 December 2018, 11:11