ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰኣላይ ኣርቱር በትራንድ ብስእላዊ ሰነድ የቕርብዎ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰኣላይ ኣርቱር በትራንድ ብስእላዊ ሰነድ የቕርብዎ 

ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰኣላይ ኣርቱር በትራንድ ብስእላዊ ሰነድ የቕርብዎ

እንተዀኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር በይትና ዝምልከት ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ሓሳብን ምሉእ ብምሉእ ዝድግፍዎን ዝሰማምዕሉን እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ ይሴባሕ እትብል ዓዋዲት መእኽቶም ኣቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ዘለዎም ትብዓትን ቆራጽነትን ተስተውዕል

ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስእሊ ዝትርኽ ብስነ ስእሊ ሊቅ ሰኣላይ ያን ኣርቱስ በርትራንድ ዝደረስዎ ስእላዊ መጽሓፍ ብምትሕብባር ቤት ማሕተም ሪዞሊን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ተሓቲሙ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ንንባብ በቒዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ይሴባሕ ዓዋዲት መልእክቲ ቅዱስ ኣቦና እቲ እተቕርቦ ኣምርን ዘለዋ ዓሚዩቕ ትሕዝቶን ዘበራትዕን ናይታ ዓዋዲት መልእክቲ ትሕዝቶ ብፍሉይ ዘዘኻኽር ብስእሊ ዝተደገፈ ያን ኣርቱስ በርትራንድ ዝደረስዎ መጽሓፍ ነቲ ቅዱስነቶም ናይ ሓባር በይትና ንከናኸን ዝብል ጻውዒት ዘቃልሕን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ዘለዎ ሓላፍነት የመላኽት።

ብሰብኣዊ ፍጥረት ዝዕመጽ ዘሎ ተፈጥሮ

72 ዓመት ዝዕድመኦም ኣርቱስ በርትራንድ ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ከባቢ ኣየርን ንጡፍን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ጽላል ካብ ዝዀነሉ ናይ ፈረንሳ ናይ ስነ ጽባቔን ቅብእን ንድፍን ስነ ሓወትልትን ተቕዋም እታ እንነብረላ መሬት ጥማቶ ካብ ሰማይ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዘደንቑ ከባቢታት ብስእሊ ዘመላኽትን ምስ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ሉክ በሶን ብምትሕባ Home - ብየት ዝብል ኣርእስቲ ጥዕና ናይ ሓባር ቤትና ዝገልጽ ኣብ 2009 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምህዳር ዝቐረበ ምኽንያት ናይ ክብሪ ማዕርግ ዝተወሃቦም እዮም።

ኣርቱስ በርትራንድ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ዝኣምኑ ኣብ እግዚኣሔር ዝብል እምነት ዘይብሎም ምዃኖም ዝገልጹ እውን እንተዀኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር በይትና ዝምልከት ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ሓሳብን ምሉእ ብምሉእ ዝድግፍዎን ዝሰማምዕሉን እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ ይሴባሕ እትብል ዓዋዲት መእኽቶም ኣቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ዘለዎም ትብዓትን ቆራጽነትን ተስተውዕል እንክብሉ፡ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ኵለ መዳያዊ ኣድናቖት ብተደጋጋሚ ዘረጋግጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ሲር ናይ ዚና ኣገልግሎት የመላኽት።

ልምዓት ብዝብል ምስምስ

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ይብሉ እቶም ፈረንሳዊ ናይ ስነ ስእሊ ሊቅን ሰኣላይን ኣርቱስ በርትራንድ፡ ሶውራዊ እዩ፡ ብሓቂ ውሑዳት መራሕቲ ሃገራትን ናይ መንፈሳዊ መራሕትን ዝብልዎ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዓለም እንተረኣና ውሑዳት ሃገራት እያተን ስነ ምህዳር ኣብ ምኽባር ዝተግሃ፡ ልምዓት ብዝብል ምስምስ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ጥራሕ ልምዓት ዝብል ከይዲ ሃማኖቱ ዝገበረ ዓለም ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ከቢድን ንሓዋሩ ንኽትኣልዎ ዘይከኣል ናይ ተፈጥሮን ናይ ኣእምሮን ኣካልን ማህሰይቱ የስርጽ ኣሎ፡ ነዚ ዘስተውዓሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድሕሪ ስነ ምህዳር ሰብኣዊ ክብሪ ከምዘሎ ዘመላኽት ሓድሽ ዓይነት ስነ ምህዳራውነት የመላኽቱ፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘገድሶም ዝመርጾም ድምጸ ህዝቢ እንተዘይኰነ ካልእ ግዲ ዘይብሉ እያቶም፡ ሓቂ ዘይኰነስ እቲ መራጺ ሕዝቢ ክሰምዖ ዝደሊ ንሱ ዋላ ዘይኣምንሉ እውን እንተዀኑ ንኣኡ ዘነብንቡ እያቶም፡ እዚ ዓይነት ፖለቲካ’ዚ ሓጺር እምበር ነዊሕ ጥማቶ ዘይብሉ እዩ።

ሕማም ሓበሬታ

ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ብዛዕባ ናይ መሬት ሻድሻይ ጽንታ (ምንጻት) ይዛረቡ፡ እዚ ኸኣ ናይ ዝመጽእ ክልተ ትውልዲ ሕልቂት ዘመላኽት እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ መደባት ተለቪዥን ኣብ ቀዳምይ ክፍለ እዋን ምሸት ጠሪሹ ዘይቀርብን ብዛዕባኡ ካብ ምዝራብ ይቑጠብ እሞ ካብ ነጋሪ ሓቂ ርሒቑ ነጋሪ ልፋፌ ይኸውን፡ ሕማም ሓበሬታ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና፡ ኣገዳሲ ካብቲ ዘየገድስ ፈሊኻ ንምንባብ ዘይከኣለሉ እዋን፡ ነዚ ዘይቅበልን ሓቂ ዘቃልሕ ብዅሉ መዳይ ኣብ ዝንጸለሉ እዋን ንነብር ኣሎና፡ ልብዒ ሕሙም ሓበሬታ፡ ኣብ ኩሉ ይኣትው፡ እቲ ሓቂ ሓሶት እቲ ሓሶት ከኣ ሓቂ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትብዓት ፍሉይ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት መሳሊ ምንባር ዝርከብ ሕዝቢ ተንስእ ይብሉን፡ ሕሊና የነቓቕሑን፡ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቶም ምስ ወጸት ብሓቂ ተደኒቐ፡ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብስእሊ ክትርኻ ተነቓቕሔ ምስ ተሓተቱ ድሕር ከምዘይበሉ ይገልጹ።

መፈሳዊ ሰውራ

እንነብረሉ እዋንን ዓለምን ፖለቲካዊ ድዩ ስነ ምርምራዊ ሶውራ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ሶውራ እዩ ዝሓትት ዘሎ፡ መንፈሳዊ ሰውራ ኣብቲ ኣብ መዓልቲ 95 ሚሊዮን በርሜል ነዳዲ ዘህልኽ ዓለም፡ ካብ ጸሓይ ክርከብ ዝኽእል ጸዓትን ካልእ ተቐባልነት ዘለዎ ጸዓት እናሃለው ነቲ ዝብክል ሃብቲ ነዳዲ ምጥቃም ዝመርጽ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ዓለም ዝትግበር ናይ ልምዓት ኤኰኖሚ ንርሑቕ ዘይጥምት ህሞታዊ እሞ ልምዓትን ምኽዕባት ሃብትን ጥርሕ ዝብል፡ ነቲ መስተውዓሊ ልምዓትን ብልሑት ልምዓትን ዝነጽግ ይኣኽለኒ ዘይብል። ነዚ ዝተደናገረ ዓለም’ዚ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎ ዘለዎ ውሳጣዊ ፍልቀት ዝብል መንፈሳዊ ሰውራ ኣዚዩ የድልዮ፡ “ኣማኒ እውን እንተዘይኰንኩ ሰናይን ክፋእን ከምዘሎ ግና ኣእምን እየ፡ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ንኽፋእ ዝለማመድን ከም ተራ ኣብ ምምልካቱ ዝለማመድ ኰይኑ ኣሎ፡ ከምዚ ምዃኑ ከኣ እቲ ኣብ መነባብሮ ዝስዕቦ ሜላ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ።

ክፋእ ከም ተራ ናይ ምራኣይ ልምዲ

እቶም ሰኣላይ ፈረንሳዊ ይብሉ፡ ናይ ካልእ ስቓይ ዘይምልከተካ ገርካ ምርኣይን ንግድ ኣጽዋርን ኣጽዋር ውግእ ዘምርታ ምዕቡላት ሃገራት ዝበሃላ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ዝዛረባ እየን፡ በቲ ሓደ ሸነክ ካብ መሰልን ክብርን ሓሊፉ ምንባር ብሕይወት ዝሃስያ ክነሰን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እናበላ ይሰብካ፡ ስነ ምርምራትና ሰብ ዘለዓለማዊ ቢሉ ዝሓስብ እዩ ዝመስል፡ መፍትሒ ጥራሕ ይረኸብ ዝብል፡ መፍትሒ ዝበሃል ናይ ብሓቂ መፍቲሒ ክኸውን እንተድኣ ኰይኑ ርሑቕ ዘማዕድው እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር ንዕለቱ ዝብል ክኸውን የብሉን፡ ካብዚ ኩሉ ጸገም’ዚ ከላቕቕ ዘኽእል መንፍሳውነት እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎን ዘብርህዎን ሓሳብ እዩ፡ ኣብዚ ኩነት’ዚ ንሶም ጽኑዕ ኣብነት እዮም፡ ክርስቲያናዊ ባህሊ ናይ ካልእ ስምዒት ተመክሮ ተኻፋልነት ዝብልን ናይ ቅንዕናን ናይ ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ናይ ምክብባርን ምርድዳእን ዝብል እዩ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘይኣምን እውን እንተዀኑ ኣብዞም ዕሴታት እዚኣቶም ግና ኣእምን እየ፡ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ክርስቲያን እየ፡ እዞም ዕሴታት ምንባሮም ኣብ መንጐና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መንጐናን ተፈጥሮን እውን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።  

ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቲ ብስእላዊ ሰነድ
05 December 2018, 16:13