ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ነገልግሎት እምነት ምትሕልላፍ

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ዝሕብር ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ምእንቲ እቶም እምነት ንምስፋሕ ዘገልግሉ ክጽለይ ኣተሓሳሲቦም፡

እምነት ብቓል ንምክፋልን ተኻፊልካ ንምንባርን ቅድም ብዙሕ ጽን ምባልን ምስማዕን የድሊ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሃሳብ ነገልግሎት እምነት ምትሕላፍ ክኸውን ብምስማዐ - ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኢየሱስ ነቲ ኣብቲ ዝነበረሉ ግዜ ንዝነበሩ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ቀረባ ንኽኰኑ ዘኽእሎም ዝነበሮ ኣገባብ ሕይወት ናትና ኣገባብ ሕይወት ንግበርን ንኣኡ ንምሰልን፡ ብዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣገልግሎት ማሕበር ዝዝርጋሕ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዘተን ምስማዕን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ዝሕብር ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ምእንቲ እቶም እምነት ንምስፋሕ ዘገልግሉ ክጽለይ ኣተሓሳሲቦም፡ እምነት ኣብ እዋናዊ ዓለም ንምስፋሕ ንእዋናዊ ዓለም ብቑዕን ናይ እዋናዊ ዓለም ቋንቋ ምስትውዓልን ምጥቃምን ኣገዳሲ ከምዝዀነን ብፍላይ ከኣ ዘተን ምስማዕን ኣብ ምስፋሕ እምነት ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ።

እቶም እምነት ኣብ ምስፋሕ ዘገልግሉ ምስ ባህልታትን ልቢ ሰብን ዝዝትይን ብፍላይ ከኣ ጽን ቢሉ ዝሰምዕ ምስ እዋናዊ ዓለም ዝላዘብ ቋንቋ ክረኽቡን መታን ንጸልይ

ናይ ጸሎት መርበብ

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሉእ ዓመት ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብፍሉይ ኣብ ኵለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበራትን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ንኣስፍሆተ ወንጌል ብዝሃቀነ ኣገባብ ዝሕረይ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ከምእትሕብር ዝፈልጥ ከይኑ፡ እዚ ኸኣ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዘካይድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕን ኣብቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝቖሙ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን መደባት እውን ክነቓቓሕ ኣፋፍኖት ዝህብ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 5 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

        ጐይታ ሰማዒ ትሑት ጸሎት እዩ

ንዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

07 December 2018, 16:01