ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ታሽዓይ ፍጻሜ ኣብ ቲቪ 2000 ቃለ ኣስተንትኖ ዛዕባ ሰላም ለኪ ጸሎት

ማርያም ንኢየሱስ እያ እተመላኽት፡ ናብኡ ከነብል እያ እተመላኽት፡ ኣብኣ ዘትርፍ ግልጸት የሎን፡ ኣብኣ ዘትርፍ ግልጸት እንተድኣ ኰይኑ እቲ ግልጸት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ እዩ ዝኣትው።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣብ ከተማ ፓዶቫ ናይ ዝርከብ ቤት ማእሰርት ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09.05፡ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፡ ሎሚ ዕለት 11 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዛዕባ ግልጸታት ጥንቃቐን ምስትውዓልን ቤተ ክርስቲያንን ጸሎት ማርያም ነብሰይ ተዕብዮን ንእግዚኣሔርን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንማርያም ዘለዎም ኣኽብሮትን ዝምልከቱ ነጥብታት ዝድህስስ ኣስተንትኖ ታሽዓይ ፍጻሜ ከቕርቡ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ማርያም እናተባህሉ ብዙሕ ዝተጋንነ ግልጸት ይዝረብን ይንገርን እነስምዖን ጉዳይ እውን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ግና ጥንቅቕቲ እያ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ፖዛ ብዛዕባ ግልጸተ ማርያም ንዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ሂቦም፡ እምነት ኣብ ወንጌልን ግልጸት ኣብ ናይ ስነ ግልጸት ባህልን ዝተሰርተ እዩ፡ እቲ ዓቢይ ጸገም ኣምበኣር ከስ፡ ግልጸት ተቐበሊና ዝብሉን ዝተቐበልናዮ ቢሎም ዘመሓላልፍዎ መልእኽትታትን እዩ፡ ማርያም ንኢየሱስ እያ እተመላኽት፡ ናብኡ ከነብል እያ እተመላኽት፡ ኣብኣ ዘትርፍ ግልጸት የሎን፡ ኣብኣ ዘትርፍ ግልጸት እንተድኣ ኰይኑ እቲ ግልጸት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ እዩ ዝኣትው።

ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፡ መሰረት ሓሳበንን ርእይቶኤን ንኽቐርባ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ልዊዛ ሙራሮን ኣስራኤላዊት ደራሲት ማኑአላ ድቪሪን እስራኤላዊት ዓረብ መምህር መርይ ቢታርን ከምእተዓደማን፡ ቅዱስ ኣቦና ማርያም ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ኣብ ዘቕረበቶ ጸሎት ምስጋናን ውዳሴን፡ እቲ ብዙሕ እዋን እንዝንግዖ ጸሎት ወዳሴን ምስጋናን ናይ ኣምልዀ ጸሎትን ዘዘኻኽረና እዩ፡ ማርያም እግዚኣብሔር ተምልኽን ትውድስን፡ እዚ ከኣ ጸሎት ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ የረጋግጸልና፡ ንእግዚኣብሔር ብውዳሴን ምስጋናን ምጽላይ።

ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንማርያም ዘለዎም ኣኽብሮት

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እንከጠቓልሉ፡ ብዛዕባ ማርያም ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝበሃልን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንማርያም ዘለዎም ኣኽብሮት ኣሞርኵይዞም፡ ሓደ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ጳጳስ፡ ኣብ ሃገሮም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያንን ብሰላም ዝነብሩን ኣብቲ ፍሉዩ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት እዋን ብቕዱስ በሪ ንምሕላፍ ማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እውን ይመጹ ከምዝነበሩን ብዙሓት ክርስቲያን ናብ መንበረ ታቦትን ናብ መናዘዚ ስፍራ ክኸዱን፡ ናብቲ ናይ ማርያም ቅዱስ ምስሊ ናብ ዝተነብሮ  ስፍራ ዝውሕዙ ዝነበሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እያቶም፡ እቶም ጳጳስ ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ስለምንታይ ኢኹም ናብ ካቴድራል ተምጹ እንክብሉ ምስ ሓተትዎም ከኣ፡ ናይ ምሕረት ዓመት ንዅላትና እዩ፡ ኣኽብሮትና ክንገልጸላ ናብ ማርያም ንኸይድ ኣንክብሉ ከምዝመለሱሎም ዝነገርዎም ታሪኽ ዘኪሮም፡ ማርያም እተራኽብ ድልድል እያ ኣንክብሉ ሰፊሕ መርሂ ኣቕሪቦም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፥ ታሽዓይ ፍጻሜ ኣብ ቲቪ 2000 ቃለ ኣስተንትኖ ዛዕባ ሰላም ለኪ ጸሎት
11 December 2018, 17:17