ድለ

ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራቶም ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ክራኸቡ ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራቶም ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ክራኸቡ 

ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራቶም ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ክራኸቡ

እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሓ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ንኽመክር ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ዓለም ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ጉጅለ፡ ቅድሚ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ኣብ ሃገሩ ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ክራኸቡ ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንኽመክር ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ ዘሰናድው ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት፡ ቅድሚ እቲ ናይ ወርሃ ለካቲት ዓውደ ጉባኤ ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳት ኣብ ሃገሩ ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ሕጻናትን ዜጋታትን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋኑ ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት እናተራኸቡ ብምስማዕን ጽን ብምባል ዘርእይዎ ኣብነት  ናይ ስቓይ ተኻፋልነት መሰረት ክራኸብ ዝብል ውሳኔ ከዘመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ከበድ ስቓዮም ንምርዳኣ ምራኻቦምን ምስማዖምን

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ድርገት ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳኔ፡ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ቅድሚ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ምስቶም ኣብ ሃገሮም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ቤተ ክርስቲያን ተሳታፊት ምዃናን ሓቅነቱን ስቓዮምን ክርዳእ ብኣጽንዖት ኣብ መልእኽቱ የተሓሳስብ።

ኣብቲ ናይ ወርሃ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ማእከል ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ እያቶም

እቲ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘካይዶ ርክብን ዘተን፡ ቅድም ቀዳድም ግላውን ከምኡ እውን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ማእከል ምዃኖም ዘረጋጽ ክኸውን ከምዘለዎን እቲ ርክብ ብመንፈስ ምትሕብባንር ትሕትናን ጣዕሳን ዝምራሕ ኰይኑ ክንየው እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቅልውላው ንምባል ዝድግፍ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ መልእኽቱ ገሊጹ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሜኣ ንዝሎ ብድሆ ብግቡእ ገጢማ ንኽተሰንፍ ኣብ መንጐ ጳጳሳት ጉባእያውነት ምትሕብባር ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኣቦና እምንቶ እዩ እንክብል የብርህ።

ርክብ ብዛዕባ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ግልጽነትን

እቲ ሓልዮ ሕጻናት ናይ ቅድስቲ መንበር ድርገት ነቲ ናይ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ብግቡእ ንምስንዳው ዘኽእል ብቑዕ ሓበሬታ እውን መታን ክህሉ ዝድግፍ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ መልሲ ዝህበሉ መሕትታዊ ሰነድ እውን ክጠቓለል ከምዝገበረ ብዛዕባ እቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኣሞርኵይዞም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ኣስዒቦም፡ እቲ መልእኽቲ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ግልጽነትን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት ዘተኰረ እዩ ኢሎም።

ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራቶም ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ክራኸቡ
19 December 2018, 15:30