ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ጆርጅ ሃርበርት ዋልከር ቡሽ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ጆርጅ ሃርበርት ዋልከር ቡሽ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ 

ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ጆርጅ ሃርበርት ዋልከር ቡሽ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጋልቨስቶንን ሁይስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኒየል ኒኮላስ ዲ ናርዶ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ነፍሲ ነፍሰ ሄር ጆርጆ ቡሽ ንመለኰታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር አማዕቁብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 41 ነበር ርእሰ ብሔር ጆርጅ ሃርበርት ዋልከር ቡሽ ምኽንያት ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉን፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ቡሽ ዘራኽብ ናይ ሰላም ድልድል ኣብ ምሕናጽን ነጻነት ሃገሮም ኣብ ምውሓስ ዝፈጸምዎ ምስጉንን ህርኵን ጻዕሪ ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ሕልፈት ነበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆርጅ ሃርበርት ዋልከር ቡሽ ዝፈጥሮ ሓዘን ጠቒሶም፡ ንመላእ ስድራ ቤት ቡሽ ጸሎቶምን ምጽንናዕን ካብ እግዚኣብሔርን ተማሕጺኖም፡ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ጸሎትም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጋልቨስቶንን ሁይስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኒየል ኒኮላስ ዲ ናርዶ  ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ነፍሲ ነፍሰ ሄር ጆርጆ ቡሽ ንመለኰታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር አማዕቁብ ፡ ንመላእ ስድራ ቤት ቡሽን ስለ ዕረፍቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኵሎም ምጽንናዕን ቡራኬ መለኰታዊ ሓይልን ሰላምን ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ተዘክሮ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኒኤል ኒኮላስ ዲናርዶ ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብፁዓን ጳጳሳትን ዝተሰመዖም ሓዘን እውን ከምዝገለጹን፡ ጆርጅ ቡሽ ዓብይ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ውልቃዊ ረብሓ ናጻ ዝዀነ  ንሃገሮም ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ዓቢይን ዘይርሳዕን እዩ ከምዝበሉን፡ ናይ ሰላም ድልድል ኣብ ምሕናጽን ኣብ ሃገሮም ናጽነት ውሑስ ክኸውን ዝፈጸምዎ ህርኩት ጻዕሪ እውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ ቢሎም፡ ዘለዓለም ዕረፍቲ ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም፡ ንስድራ ቤቶም ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ሕይወቶም ኣብነታዊ እዩ ነይሩ ከምዝበሉ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

 

06 December 2018, 15:46