2018.12.07  Inaugurazione del presepe e l'illuminazione dell'albero di Piazza San Pietro 2018.12.07 Inaugurazione del presepe e l'illuminazione dell'albero di Piazza San Pietro 

በዓለ ልደት፡ ጥምረት ብርእየት መድሕን ዝተማርኩ ቈላሕታ

ኣብ ኩሎም ነቶም ኣብ ከተማና ዝርከቡን ዝመጹን ኣብ ታሪኽናን ታሪኽ ሕይወትናን ፍጥረት ሰብን ንኸነለልይካ ግበር

ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብምኽንያት በዓለ ልደት፥ በቲ ዝውለድ ሕጻን ኢየሱስ ክንምራሕን ክንድነቕን ገዛእ ርእስና ንኣኡ እንሓድገሉ ቅዱስ እዋን እዩ ዝብል ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት ኣመሓላሊፉ።

ንናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ምሕረትን ምስጋና ይዅኖ፥ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ካብ ላዕሊ ሰማይ ዝድርጉሕ ጸሓይ ክበጽሕ እዩ፡ በዚ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ወንጌል ሉቃስ እነንብቦ ንውልደት ኢየሱስ ዘካርያዝ ብዘቕርቦ ውዳሴ ተመሪሕና ንምምጻእ ጐይታ ገዛእ ርእስና ከነሰናድዎ ሎሚ ንኣና ተወልድ ቢላና ከንዝክር ብዝኽእል መንፈስ ከነብዕሎ ምንዮት ሰናይ በዓለ ልደት መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መርኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መልእኽቲ ኣስዒቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝውለድ ሕጻን ምድናቕ ኣባና መታን ክህሉ፡ ልክዕ ከምቶም ጓሶት እቲ ዘሎና ሕዚና ናብቲ ዝውለደሉ መብልዒ ማል ንኺድ፡ ከይድና ርኢናን ከነበስሮ እምበር ኣብ ምድናቕና ተዓጺና ክንተርፍ ኣይዅን፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓሳብ’ዚ ዕለት 25 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያ በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት እነብዕሎ ይኹን፡ ከም ማርያም ዮሴፍን ንኣግራሞት እግዚኣብሔር ክፉታት ክንከውንን በቲ ናይ ቤተ ልሔም ሕጻን እግዚኣብሔር ክበጽሓና ስለ ዝደለየን ነዚ ምብጻሕ’ዚ ስለ ዝኸዎኖ ክንድነቕን ምድናቕና ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ሕይወት ክውልደን ብኣና ኣቢሉ ናብቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ዝተነጸሉት ምድሓን ኣምላኽ ንኸነበስር ዝድርኽ ምስ ዝኸውን ሓቀይና ምድናቕ ይኸውን ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናብ ኢየሱስ ኣቝሳልና ነብጽሕ

ኣብ መልዒ ማል ዝተወልደ ሕጻን ኢየሱስ ልባትና ይምርምር ሻቕሎትና ናቱ ገይሩ ውላድ ኣምላኽ ምዃንና ክስምዓና ይገብር፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣስዒቦም ኣባና በዓለ ልደት መንፈስ ሓልዮትን ኣስተውዕሎን  ኣበራብር፡ ኣብ ኩሎም ነቶም ኣብ ከተማና ዝርከቡን ዝመጹን ኣብ ታሪኽናን ታሪኽ ሕይወትናን ፍጥረት ሰብን ንኸነለልይካ ግበር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

         ሶውራ ለዋህነትካ ናይ ሕዝብና ተስፋን ለውሃትን ናትና ገይርና ክንጓዓዝ የብቅዓና

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 24 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ናብ ኢየሱስ ሕርጉነትናን ተነጽሎነትናን ኣቕሳልናን ክፍውሶ መታን ሒዝና ንቕረብ፡ ሓጢኣትና እውን ከምኡ፡ ከምዚ ምስ እንገብር እቲ ብእግዚኣብሔር ምፍቓርና ዘለዎ ጽባቔ ኣብ ዝውለድ ኢየሱስ ነስተማቕር ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ምስ ማርያምን ዮሴፍን ሓቢርና ኣብ መብልዒ ማል ኣብ ፊት ንሕይወትና ዕለት እንጌራ ንኽኸውን ኣብ ዝውለድ ኢየሱስ ፊት ንቝም፡ ትሑትን ኢታእላውን ፍቕሩ ነስተንትን፡ ስለ እቲ ምእንታይ ዝፈጸምካዮ የቐንየለይ ጥራሕ ንበሎ!

ዝብል ሓሳብ ከዘስመርሉ የዘዝኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 24 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያ በዓለ ልደት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆኣጽራ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝዀኑን እዚ ናይ በዓለ ልደት ሊጡርጊያ ብዓለም ምስማዐ ርእየት ናይ ተለቭዥን ኣገልግሎት ከምዝመሓላለፍ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 19 ታህሳስ 2018 ዓ.ም. ልደት ዓወት ትሕትና ኣብ ልዕሊ ትዕቢትን ተራን ገርሄይናን ሕይወት ኣብ ልዕሊ ወጃዕጃዕን ሱቕታ ኣብ ልዕሊ ጫውጫውን ዝግለጸሉ እዩ፡ ጸሎት ኣብ ልዕሊ ግዜይ ካብ ምቕዳን ናይ እግዚኣብሔር ግዜ ምንባር ዝብል ምርጫ ዘዐውት ኩነት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘካኺሩ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 25 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያ በዓለ ልደት Urbi et Orbi - ንከተማ ሮማን ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ክህቡ እዮም፡ ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመታዊ በዓል ቀዳሜ ሰምእቲ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ።

ዕለት 19 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝገለስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

እነሆ ኣምበኣር ከም ዮሴፍ ንሱቚታ ዝኸውን ግዜ እንተሎና ከም ድንግል እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካለይ ይኹነለይ ክንብል ኣንተኽኢልና ከም ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ብጽምዋ ተበሊዑ በይኑ ዘሎ ሰብ እንተዀንና ከምቶም ጓሶት ካብ ደምበታትና ጐዪና ምስ ኢየሱስ ሕጻን ክንከውን እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ልደት ዝኸውን! ኣብታ ድኻ በዓቲ ቤተልሔም ብርሃን ክንርኢ እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ልደት ዝኸውን። ብዘብለጭልጩ ዓለማዊ መብራህትታ እንተሸለምና ዘይተኣደነ ውህበት እንተኣከብና ዓበይቲ ግብዣታት ምሳሕን ድራርን እንተገበርና ኮይኑ ግን ነቲ ንእግዚአብሔር ዝመስል ሓደ ድኻ እኳ እንተዘይሓገዝና ከመይ ኣብ ልደት እግዚአብሔር ከምድኻ ስለዝመጸ እዚ በዓለ ልደት ኣይክዀነልናን እዩ!

ቢሎም፥

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ በዓል ልደት እምነየልኩም፣ ዘይተጸበናዮ ሺሻይ ኢየሱስ ዝዕድል ልደት ይግበረልና። ምናልባት እዞም ነገራት እዚኦቶም ዘይምችኡና ክመስሉና ይኽእሉ ኮይኑ ግን ጣዕሚ እግዚአብሔር ዝገልጹ እያቶም። ኣሜን ኢልና እንተተቀቢልናዮም ንገዛእ ርእስና ዘደንቅ ውህበት ውህበን ንረክብ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጢ ልባትና ዘይተጸበናዮ ዘደንቕ ውህበት ዕቑር ሓይሊ ናይ ምሃብ ክእለት ኣሎና። ኣብዚ በዓለ ልደት ኢየሱስ ብዘይሓሰብናዮ ብር እንክንብል ከደንቀናን ከሐጉሰናን ነፍቅደሉ እግዚአብሔር ይሃበለይ።

እንክብሉ ብዘገለጽዎ ቃል ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘመሓላለፎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ የጠቓልል። 

24 December 2018, 15:51