ታሕሳስ 17 ዕለተ ልደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽትታት ካብ ዓለም

ኣብ እምነት ጸኒዖም ንኽዓብዩ ኣደ ዓባዮም ሮሳ ማርገሪታ ቫሳሎ ዓቢይ ግደ ከምዝነበረን

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 17 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. መበል 82 ዓመት ልደቶም ኣብ ዘኽብርሉ ዕለት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መፈሳዊ መራሕያንን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽቲ ይበጽሖም ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካብታ ዕለት 17 ታሕሳስ 1936 ዓ.ም. እነሆ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ኣርጀቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ዝተወለድሉ መበል 82 ዓመት ዕድመኦም ኣብዒሎም። ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ካብ ኢጣልያ ካብ እተሰደት ስድራ ቤት ዝተወልዱን፡ እምነት ካብ ወለዶም ዝተመሓላለፈሎምን ምስ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ኣፍቀርቲ መዝሙርን ከምዝነበሩን ብስነ ቅመማ እደ ጥበብ ዝተመረቑን እዮም።

ጸዋዕታ ክህነት

ኣብ እምነት ጸኒዖም ንኽዓብዩ ኣደ ዓባዮም ሮሳ ማርገሪታ ቫሳሎ ዓቢይ ግደ ከምዝነበረንን፡ ኣብ 1958 ዓ.ም. ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣትዮም ተመካሪ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብርቱዕ ሕማም ከምዘጓነፎምን ብሕክምናን ብፍላይ ብሓንቲ ኢጣልያዊት ድንግል ልእኽቲ ወንጌል ኣብ ቦኖስ ኣይረስ በዓልቲ ሞያ ክንክን ጥዕና እናቴ ኮርነሊያ ካራሊዮን ብሓኻይምን ብዝቐረበሎም ሓገዝ ካብቲ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ሕማም ሳንቡእ ከምዝሓወዩን፡ እተን ድንግል ምስቶም ሓኻይም ተኻቲዔን እውን እንታይ ዓይነት መድሃኒት ክጥቀሙ ወሲነን ብሓቂ ካብቲ ኣጓኒፍዎም ዝነበረ ሕማም ንኽሓውዩ ዝነበረን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዕለት 3 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያ ልኡካን ተቐቢልም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከዘዘንተውዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ማዕርገ ክህነት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓ.ም. ኣብ ማዕርገ ክህነት ዝተቐብሉላ ዕለት ኣደ ኣባዮም ንዅሎም ደቂ ደቀን ንነፍሲ ወከፎም ዓቢይ ምዕዶ ዝሓዘለትነዊሕን ፍሱሕ ሕይወት ይሃልኹም፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ጉዕዞ ሕይወትኩም ገለ ገለ እዋን ስቓይ እንተኣጋጠመኵምን ኣብ ስድራ ይኹን እትቐርብዎ ሰብ ብሞት ምስ ዝፍለየኩም ብዙሕ ተስፋ ቅርጸት ክስምዓኩም ይኽእል፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይን ክቡርን ዝዀነ ናይ ሰማዕትነት ትእምርቲ ኣብ ዝዀነ መንበረ ታቦት ቅረቡ እፎይታ ርኸቡን ከምኡ እታ ኣብ ትሕቲ መስቀል ዝነበረት ማርያም ጠምቱ፡ ንሳ ነቲ ዓሚይቕ ዘጓነፈኩም መሪር ሓዘንን ቍስልን ዝግ ዘብልን ዝፍውስን ቅብኣ ቅዱስ ክትቀብኦ እያ” ዝብል ቃል ዝተነብሮ ሰታሪት ከምዝዓደላን ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዝሙረ ዳዊት ኣብ ዝደግሙሉ መጽሓፈ ጸሎቶም ከምዝዓቀብዎ ባዕሎም ዝምስክርዎ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት

ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲ ናይ ኢየሱሳውያን ሓላቓ ንኽዀኑ ተሸሙ፡ ኣብ 1992 ማዕርገ ጵጵስና ተቐበሉ፡ ዕለት 8 ለካቲት 1998 ዓ.ም. ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ተሸይሞም ናይ ኣርጀቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰኑ፡ ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ብቅዱስ ዮሓንስ ጵውሎ ዳግማዊ ካርዲናል ተሰምዩ።

ሕርየት ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዝእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምስ ኣረከቡ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዘካየድዎ ዕጽው ጉባኤ ንሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል በርጎሊያ ሓረየ፡ ቅዱስነቶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸውዕ ስሞም ንፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብምሕሳብ ነቲ ናይ ሰላምን ኣፍቃሪ ድኽነትን ዕቃቤን ክንክንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘፍቅር ፍራንቸስኮ ዝብል ስም ሓረዩ። ዕለት 19 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካብ ዝርከባ ቁምስናታት ናብ ሓንቲ ኣብ ግዳማዊ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ቍምስና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካደሉ እዋን፡ ምስ መንእሰያትን ሕጻናትን ተራኺቦም፡ ሓደ ሕጻን ስለምንታይ ር.ሊ.ጳ. ይኸውን ቢሉ ምስ ሓተቶም፡ ስለ ዝተሓርየ እምበር ሊቀ ሊቃውንት ስለ ዝኸንካ ኣይኰነን ቢሎም፡ ኣስዒቦም እውን ነታ ኣብቲ እዋን ንእትረከብ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ቢሉ እግዚኣብሔር ዝሓርዮ እዩ እንክብሉ ከምዝመለስሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና በዚ ምኽንያት እዚ እውን ይሴባሕ ዘርእስቱ ዛዕባ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝምዕድ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምዝደረሱ የዘኻኽር።

 

17 December 2018, 13:51