ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ 2018 ዓ.ም. ምስሊ

ቢሎም። ሰብኣዊ ፍትረት ብኢጐነት ተዋሒጡ መንእሰያትን ሕጻናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ተነጺሎም ንኽነብሩ ይድርኽ ከምዘሎን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕፍረትን ሓናኽነትን ትርጉም ዘጥፍኤ ኰይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ዘሕፍር ናይ ምሕፋር ትርጉም ምጥፋእ ምዃኑ ገሊጾም

ቃልን ዘተን ቀጥታዊ ርክባትን ሕውነታዊ ምትሕቑቛፍን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2018 ዓ.ም. ምስሊ ዝገልጽ እዩ። ከይድታን ዘተን ጉዕዞን ንቕድሚት ምጉዓዝን እዚ ግና ብጥበብ ዝምርሐ ኰይኑ ክፍጸም ዘለዎ እዩ፡ ደረጃ ብደረጃ ዝፍጸም፡ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብ ዝሓትትን እዚ እውን እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ዘተን ስምምዕን ዝገልጽ ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ ኣብ ሃገራት ባልቲክ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ምምላሶም ነቶም ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ቃልን ዘተን ቀጥታዊ ርክብ ዝብል ተግባር ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ 2018 ዓ.ም. መግለጺ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ስንኩፍ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ እውን ኣማእኪሎም እንክዛረቡ፡ ሓደ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባልን ሓደ ካህን እውን ይኹን፡ ካህን ጓሳ ንኽኸውንን ሕጻናት ናብ ቤተ ኣምላኽ ክመርሕ ዝተሓርየ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጽሞ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሕጻን እውን ይኹን ክትገልጾ ዘይከኣል ዘሰንብድን ዘሕፍርን ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ እንክብሉ ኣብ ዝገልጽዎ ሓሳብ ብቐረባ እነስተውዕሎ መንነት ቅዱስነቶም እዩ፡ እቶም ነቲ ከቢድ ኢሰብኣዊ ገበን ዝፍጽሙን ኣካላው ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ሕልና ዓመጽን ስልጣን ዕርዲ ብምግባር እውን ዝፍጸምዎ ዓመጽ ኵሉ ጠቒሶም ባዕሎም ብቐዳምነት ስለ እቲ ዝተፈጸመ ከቢድ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ይቕርታ ይሓትቱ፡ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ወርሒ ነሓሴ ኣብ ዝተካየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ስድራ ቤት ምኽንያት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዝበልዎን፡ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምኽንያት ስቓይን ሕፍረትን ከምዝዀኖም ገሊጾም፡ ፍትሕን ሓቅን ጭቡጥ ተግባርን ኣብ ምድላይ ምትጋህ ዘድሊ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ይዝክር። ቤተ ክርስቲያን ተሓተትቲ ንሕግን ፍትሕን ካብ ምቅራብ ገዛእ ርእሳ ኣይትበቕቕን፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፈጽመ ግብኡ ፍርዲ ክረክብ ንሕጊ ከምእተረክብን ገበናት እትኽውልን ትሕተ ግምት እትህብ ከምዘይኰነት ምፍላጥ የድሊ፡

ድልያ ፍትሕን ሓቅን

ኣብ ዝሓለፈ ታሪክ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፈጸሙ ኣብ እዋኑ ዝተወሃቦም ፍርድን ግምትን ገሊኡ እውን እቲ ዝተፈጸመ ገበን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ተረዲኡ ክሳብ ዝተፈጸመ እዩ ቢሉ ንምእማን ተሳኢንዎ እውን ይኸውን ወይ ካብ ጉድለት ተመክሮ ከየቃልዔ ዝተረፈ ዘስቐጠ ይኸውን፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ብናይ ዝሓለፈ ኩነት ምንባብን ምትንታንን ግድን ይኸውን፡ ወይ ከኣ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም ሓላፍነትን ብዘይ ሕጹጽነትን ነቲ ከምዚ ዓይነት ገበን ሸለል ብምባል እውን ይኹን፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር’ዚ ንሓዋሩ ፈጺሙ ክህልው የብሉን፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቆራጽ ውሳኔ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ደጋጊሞም ዝገልጽዎን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ።

ድኻታት ምፍላጥ

ዕለት 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሶዩም ኣደባባይ ኣብ ዝዓረገ ጸሎት ፍኖተ ምስቀል ተራኺቦም ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎት እቲ ብውግእን ብምክፍፋልን ዝተገማምዔዓለም ዘሕፍርን ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕፍረት እውን እዩ ቢሎም። ሰብኣዊ ፍጥረት ብኢጐነት ተዋሒጡ መንእሰያትን ሕጻናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ተነጺሎም ንኽነብሩ ይድርኽ ከዘሎን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕፍረትን ሓናኽነትን ትርጉም ዘጥፍኤ ኰይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ዘሕፍር ናይ ምሕፋር ትርጉም ምጥፋእ ምዃኑ ገሊጾም። … ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ቀረባን ናብኦም እትወጽእን ክትከንን ውግእን ዓመጽ ኩሉ ንኸህሉ ብምግባር ናይ ሓውን ብጻይን ጐረቤትን ተምሳልካን መሰረታዊ ድላይ ግዱስ ምዃንን ፍትሒ ምንቕቓሕን የድሊ፡ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮን ካልኦት ሕሙሽተ ብፁዓን ቅድስና ንምእዋጅ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቶም ቅድስና ዝተኣወጀሎም ኣብ ሕይወት ወንጌል ኣማእኪሎም ወጌል ዝመስከኡን፡ ብኢየሱን ዝተማረኸን በሕዋት ዝተሳሕበን ንኢየሱ ምፍቕር ነሕዋት ቀረባ ብምዃን ዝነበሩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

መንእሰያትን ምስ ብዙህነት ምንጽጻርን

ምንጻግን ዘይተቐባልነትን ዘምእንጋድን ንኻልእ ምፍራሕን ዝብል ባህሊ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ብሕውነት መንፈስ ብምቕባል ጥራሕ ምስናፍ ዝከኣል ምዃኑደጋጊሞን ንመንእሰያትን ሕጻናትን ይምዕዱን ምስ ብዙህነት ንጽኑዕ ሓድነት ምዝታይን ምንጽጻን ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽቱ፡ እዚ በቲ ዝብልዎን ዝፍጽምዎን ርክባት ጥራሕ ዘይኰነ መንእሰያትን እምንትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ብዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብፁዓ ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣቢሎም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከይዲ ምዃኑ የረጋግጹ፡ ነቲ ካባኻ ንዝተፈልየ ክፉት ምዃንን ናይ ሰላምን ዘይምንጻልን ወምውጋድን ዘተን ባህሊ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣገዳሲ ምዃኑ ብዘይ ምስልካይ ብቓልን ሕይወትን የተሓሳስቡ።

 

31 December 2018, 17:48