ሻድሻይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

ንሳ ምልእተ ጸጋ እያ፡ ዮሴፍ ከኣ ጻድቕ ቃል እግዚኣብሔር ዘኽብር - ዝነብር እዩ ዝነበረ፡ ውበትን ውህበትን ዝዓሰሎ ሓዳር

“ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም እምበር ናይ እግዚኣብሔር ዕሱብ ሰራሕተይና ኣይነበረን” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞ ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ2000 ብእተሰየ መደብር ተለቪዥን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ኣስዒቦም ኣብ ዘቕረብዎ ሳድሻይ ፍጻመ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ቲቪ 2000 ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፥

ማርያም ከምቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ባህሊ ዝእዝዞ፡ ንበዓል ሓዳራ ተኣዛዚት እያ ዝነበረት” ዕዮ ቤት ኵሉ ትፍጽምን ምስኡን ብዛዕባ ሕይወቶምን ብዛዕባ ኢየሱስን ትመያየጥ፡ ገና ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብኦም ተፈልዩ ምስ ጠፍኤ ሰንቢዶምን ተረቢጾምን ይደልይዎ፡ ውላድካ ምስኣን ዘሕድሮ ስንባደን ጓህን ዝተመከሩ እያቶም። ናይቲ እዋን ዕለታዊ ሕይወት ዝፈጥሮ ኵሉ ዝተመከሩ እያቶም፡ ዓበይቲ ውሳኔታት ከም እዋኑ ዮሴፍ እዩ ዝፍጽሞ ዝነበረ፡ ማርያም ብዙሕ እዋን ኣብ ድቃሳ መልእኽቲ እግዚኣብሔር ይበጽሓ ነበረ፡ ንሳ ምልእተ ጸጋ እያ፡ ዮሴፍ ከኣ ጻድቕ ቃል እግዚኣብሔር ዘኽብር - ዝነብር እዩ ዝነበረ፡ ውበትን ውህበትን ዝዓሰሎ ሓዳር።

ፍቕሪ ንውላድ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ውላድ ዝህልው ርክብ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ኣስተትኖ፡ ኣብ ኣርጀቲና ቦኖስ ኣይረስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ብዙሕ እዋን ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ዝጥቀሙ ብምንባሮም፡ ዝጓዓዝል ኣውቶቡስ ትሓልፎ ዝነበረ ቤት ማእሰቲ ቪላ ደቮቶ እተሰምየ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ኣፈት ቤት ማሕቡስ ብዙሓት ኣዴታት ደቃተን ክበጽሓ ዘለወን ሒዘን ተሰርዔን ይርእዩ ከዝነበሩን፡ ንዝተሓበሰ ውላደን ክበጽሓ ዝኸዳ ኣዴታት ክፍተሻ ስለ ዝነበረን ብዙሕ ውርደት የጓንፈን፡ ይዅን ደኣ እምበር እተን ኣዴታት እዚ ኹሉ ብዘየገድስ ውላደን ንምርኣይ ጥራሕ እዩ ድልየተን፡ ማርያም ብዛዕባ ወዳ ካልኦት እንታይ ይብሉ ዕጅብ ዝብላ ኣይነበረን፡ ምእንታናን ምእንቲ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ገዛእ ርእሱ ንኸወፍይ ሓዲግዋ ይኸይድ፡ ንሳ ግና ኩሉ ሳዕ ኣብቲ ንሱ ዘለሉ ስፍራ ትርክብ። ክሳብ ኣብ መስቀል እውን፡ ኣብ ትሕቲ ምስቀል ወዳ ንዓና ንኹልና ወለደት።

ኣደ እግዚኣብሔር (እመ ኣምላኽ)

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ሳድሻይ ኣስተንትኖ ዛዕባ ሰላም ለኪ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል መሰረት ገይሮም ሓሳብ ከቕርቡን ብዛዕባኡ ካብ ተመክሮኦም ተበጊሶም ብቓለ መሕትት መልክዕ ርእይቶኦም ዝገለጹ ዕዱማት፡ ጋዘጠይና ፍራቸስካ ፓሮዲን ጀናሮ ትሪያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዱስ ኣቦና ማርያም ኣደ እግዚኣብሔር፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ከም ዝብሎ እግዚኣብሔር ናይ ኵላትና ሓጢኣት ተሰኪሙ ክሳብ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ኣዋረደን-ኣውረደን ኣንኣሰን፡ ንሱ ኣልቦ ሓጢኣት ክነሱ ምእንታና ሓጢኣት ኰነ (ኣንሕና ኣብቲ ናቱ ሰብኣውነት ክንሳተፍ ናትና ምዃን ናቱ ገበረ) ዝብል ዓሚዩቕ ኣስተንትኖ የቕርብ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ቅዱስ ኣቦና ብመልክዕ ቃለ መሕትት ኣብ ሰላም ለኪ ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተንትኖ ድሮ ተጠርኒፉን ተሓቲሙን ንንባብ ከዝበቕዔ ይፍለጥ።

ሻድሻይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

Photogallery

ሻድሻይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ
22 November 2018, 16:54