ድለ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ካይላሽ ሳትያርቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ካይላሽ ሳትያርቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን 

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ካይላሽ ሳትያርቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ከምዝነበረን፡ ኣብ መላእ ዓለም ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽን መርበባዊ ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእልን ዝኽልክል ውሳኔ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ክድንገግ ዝብል ዕላማ ዝገበረ ዘካይድዎ ንዘለዉ ጐስጓስ ካብ ቅዱስነቶም ድጋፍ ንምርካብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ህንዳዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓትን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ዝፍጸም ኵለ መዳያዊ ዓመጽን ምዝመዛን ጥሕሰት መሰልን ክብርን ክውገድ ብዝተፈላለዩ መድረኻትን ብቓልን ሕይወትን ዝቃለሱ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ህንዳዊ ካይላሽ ሳትያርቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ናይ ወሲብ ዓመጽን መርበባዊ ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእልን ዝእግድ ውሳኔ ክቐርብ ንዘካይድዎ ዘለዉ ጐስጓስ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምሉእ ምትሕብባር ከምዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ካይላሽ ሳትያርቲ ዕለት 11 ጥሪ 1954 ዓ.ም. ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማድይሓ ፓራደሽ ከተማ ቪዲሻ ዝተወልዱ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንጡፍ ተቓላስን ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ሓለዋ ዕሸላት ዝብል ምእንቲ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ሓለዋ ዘገልግልን ከምኡ እውን ሰናይ ማዕበል እተሰምየ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝዓዪ ምንቅስቓስ ሓልዮ ሕጻናት ዝመሰረቱን በቲ ኣብ ህንዲ ብዘቖምዎ ሓልዮ ሕጻናት ምንቅስቓስ ኣቢሎም ልዕሊ 87 ሕጻናት ካብ ናይ ስራሕ ጊልያነት ካብ ዝተፈላለዩ ሰባኣዊ ክብርን መሰልን ዝጥሕስ ግብረ ጊልያነትን ምዝመዛን ዘናገፉ ምዃኖም ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ስራሕ ምውፋር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ክካይድ ከምዝገበሩን እዚ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ 103 ሃገራት ከምእተኻየደ እውን ይዝከር።

ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ሳትያርቲ ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸቡ ሓቢሮም፡ እዚ ናይ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ክሌኣዊ ርክብ ቅድም ቢሉ ብዝክረ ነገር ዝተተሓዘ ከምዝነበረን፡ ኣብ መላእ ዓለም ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽን መርበባዊ ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእልን ዝኽልክል ውሳኔ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ክድንገግ ዝብል ዕላማ ዝገበረ ዘካይድዎ ንዘለዉ ጐስጓስ ካብ ቅዱስነቶም ድጋፍ ንምርካብ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ንኽዝትይ ቅዱስነቶም ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ምኽንያት እውን ንቕዱስነቶም ከምዘመስገንዎምን ካብቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ግብራዊ ዝዀነ ሓባሪ ፍኖት ክረቅቕ ተስፋ እገብር ምስ በልዎም ከኣ ባዕሎም ቅዱስነቶም ከምኡ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ከምዘረጋገጹሎም ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ካይላሽ ሳትያርቲን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

 

17 November 2018, 17:36