ራብዓይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

ውላድ ቡራኬ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ብቲቩ 2000ን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ኣባ ፖዛ ብዘቕርብዎ ቃለ መሕትታዊ ኣብ ዝምራሕ መደብ ዝለገስዎ ራብዓይ ኣስተንትኖ ሰላም ለኪ ውላድ ቡራኬ ጥራሕ ዘይኰነስ ንሓንቲ ኣደ መስቀል እውን ክኸውን ከምዝኽእል

ዕለት 6 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ዝገበረ ወትሩ ሰሉስ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ  ብምቕጻል ሎሚ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ሓሙሽተ ደቓይቕ ክመሓላለፍ እዩ፡

እቲ ራብዓይ ፍጻሜ፡ ቅዱስነቶም ውላድ ቡራኬ ምዃኑ እንከመልክቱ፡ ሓንቲ ኣደ ጽንሲ ዝሓዘት እሞ ሕማም መንሽሮ ከመዘለወን ምስ ተነግራ፡ እቲ ጽንሲ ክስደድ እሞ ዘድሊ ጸረ መንሽሮ ሕክምና ክትከታተላ ምስ ተነግረን፡ እቲ ጽንሲ ካብ ዝሰዶ እቲ ሕክምና ይትረፈኒ ቢለን ሕይወተን ስለ እቲ ዝተጸንሰ ሕጻን ዝሰዋ ዘኪሮም የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ  ቫቲካን

ውላድ ቡራኬ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ብቲቩ 2000ን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ኣባ ፖዛ ብዘቕርብዎ ቃለ መሕትታዊ ኣብ ዝምራሕ መደብ ዝለገስዎ ራብዓይ ኣስተንትኖ ሰላም ለኪ ውላድ ቡራኬ ጥራሕ ዘይኰነስ ንሓንቲ ኣደ መስቀል እውን ክኸውን ከምዝኽእል ነታ ጽንሲ ከብ ምስዳድ ሕይወተን ክስውኣ ዝመረጻ ተወላዲት ሮማ ኢጣሊያዊት ኣደ ጠቒሶም፥

ሓልዮትን ለውሃትን ኵለን ኣዴታት

ናይ ሓንቲ ኣደ ኣደነታ ብዘይ ለውሃት ኣደ ክትርድኦ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ኣደ ጥራሕ እያ ውላዳ ክትርዳእ እትኽእል፡ ገና ኣብ ማሕጸና ዕርቃኑ፡ ክትወልዶን ዕራቅኑ ምስ ተወልደ እውን ክትሓቑፎ እንከላ ዕርቃኑ፡ ማርያም እዚ ኹሉ ገይራ ከተብቅዕ ኣብ ትሕቲ መስቀል እውን ወዳ ኢየሱስ ጥራሕ ዝባኑ ትቕበሎ እሞ ከደነቶን ሸፈነቶን፡ ማርያም እታ ኩለንተናና እትፈልጥ ኣደ እያ፡ ሓጢኣት ጥራሕ ዝባንና ከትርፈና ንሳ ግና ሓቑይፋ መሊሳ ትኸድነና፡ ማርያም ከዳኒት ዕርቃንና ምዃና የብርሁ።

ጸጋ መንፈስ ቅዱስ

ማርያም ከሃሊተ ኵሉ ኣይነበረትን፡ ተራ ኣደ እያ ዝነበረት፡ ይኹን ደኣ እምበር ጸጋ ዝተመልኤት ኣደ እያ፡ ሓይሊ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጉዕዞ መላእ ሕይወታ የሰንያ፡ ኵላትና ነዴታትና ዕዳ ሕይወት ዘሎና ኢና፡ ሰላም ነዓኺ ኦ ማርያም ክንብል እንከለና ምስ ማርያም ንራኸብን ምስ ኣዴታትና እውን፡ ክላትና ዕዳ ሕይወት ኣዴታት ኣሎና።

ኣብዚ ራብዓይ ፍጻሜ ተዋሳኢት ስነ ጥበባዊት ካርላ ሲናሪስን ገና ኣብ ሕጻን ዕድሜኣ ኣዴኣ ዘዘኽተመታ መንእሰይ ልዊዛ ቨሉቲን ከምዝሳተፋን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ትንታኔ ኣደነት ኣሞርኵይዘን ሓሳበን ክገልጻን ሕይወትን ኣደነትን ዘለዎ ምትእስሳር ብቃል ቅዱስ ኣቦና መሰረት ገይረን ከብርሃ እየን፡

ሰላም ለኪ ዘረእስቱ መጽሓፍ

ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ሰላም ለኪ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርክ1ይዞም ዝልግስዎ ዘለዉ ቃለ ኣስተንትኖ ኣብቲ ኣባ ማርኮ ፖዛ ዘቕርቡሎም ቃለ መሕትት ዝተመስረተ ኰይኑ ተሓቲሙ ንናብ እውን ከምዝበቕዔ ይዝከር።

ራብዓይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000
06 November 2018, 16:00