ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መዝሙርን ሙዚቃን መጋበሪያ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዘይ ወደርተይናነት

ሙዚቃን መዝሙርን እውነተይና መጋበርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ዕምቆት ቃል ኣምላኽ ዝምስክርን እቲ ዓሚዩቕ ቃል ኣምላኽ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑ ዘረጋግጽን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያ ዝስርዑ ምስጢራት ዘብዕል

ሙዚቃ ኣብ ሊጡርጊያን ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣናጒስጢስን ወመዘምራንን ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2018 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምእተኻየደን፡ መላእ ተጋባእያን ዕለት 24 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ካብ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከምእተለገሱን ዕለት 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብዘዕርገው መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክሳተፉ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና መዝሙርን ሙዚቃን ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ብዘይ ወደርተይናነት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበሪያ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ሓጐስን ሓዘንን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ብምዃን ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘስምዕ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣናጒስጢስን ወምዘምራን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጐሊሑ ክርኣይ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕን እቲ መንፈሳዊ ማሕሌት ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብ ፈጣሪ ክንቕሕ ዝድግፍ እዩ፡

መሳለጢያ ኣስፍሆተ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣቐዲሞም ነቶም ተጋባእያን ምስ ቅዱስነቶም ንኸላልዩን ቅዱስነቶም ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን ንዝልግሱሎም ምዕዳን ንምምስጋንን ቃል ንዘስምዑ ንናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣመስጊኖም፡ እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዙ ዝተኻየደ ሲኖዶስን ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ዘኪሮም፡ ሙዚቃ ንሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ልሳን እዩ ኢሎም፡ ሙዚቃን መዝሙርን እውነተይና መጋበርያ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ዕምቆት ቃል ኣምላኽ ዝምስክርን እቲ ዓሚዩቕ ቃል ኣምላኽ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑ ዘረጋግጽን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያ ዝስርዑ ምስጢራት ዘብዕል ብፍላይ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ንኽትሳተፍ ዘነቓቕሕን ናይ መንግስተ ሰማይ ኩነት ከተማዕድው ዝድግፍ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣናጒስጢሳውን መዘምራናውን ኣገልግሎትኩም ትጉሃት ኩኑ ኣይተቋርጽዎ፡ ንኣገልግሎትኩም ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ፡ ብማህሌታዊ መዛሙራትኩም ኣቢልኩም ነቲ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ሰብ ልቢ ዘሎ ዓሚይቕ እምነት ቃል ገይርኩም እትገልጹ ኢኻትኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክብሎ ዝደልይ ግና ክገልጾ ንዝስኣና ዓቢይ ጽባቔን ውህበትን እትልስኑ ኢኻትኩም። ኣብ ጓህን ሓጐስን ቤተ ክርስቲያን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀረባ ከይና ናይ እምንት ስንዮታ ከተቕርብ እያ፡ ንስኻትኩም ናይዚ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽርን መጋበያን ኢኻትኩም፡ ሙዚቃን መዝሙርን ኣብ ናይ ብዙሓት ምእመናን ናይ እምነት ተመክሮን ብእምነት ዝተተንከፉላን ዝተለወጡላን ዕለት ተዘክሮ መሊሶን ንኽነብርዎን ንኽባርኽዎን ይሕግዝ፡

ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣናጒስጢስን ወመዘምራንን ማሕበር

ቅዱስ ኣቦና ምልስ ቢሎም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ህብረ ባህሊ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ሕዝባውያን ባህልታትን ናብ ጸሎት ዝቕየር ምዃኑ ዝገልጾ ሓሳብ ዘኪሮም፡

ሕዝባውያን ርህራሄን ማለት ህዝባውያን ግብረ ሃይማኖታት ጸሎትን መዝሙርን ከይኖም ይቐርቡ፡ ሓደ ጳጳስ ከምዝበልዎ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓደጋን ሕማምን ክፋእን መከላኸሊ ስርዓት እዩ፡ መዝሙር ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መከላኸሊ ስርዓት ሒዙ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጓዓዝ እዩ፡ ዓለም ሓቆፋዊ ኰይኑ ብሁባሬ ናይ መላእ ህዝበ እግዚኣብሔር ውዳሴን ምስጋናን ናብ እግዚኣብሔር የብጽሕ።

ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን

እቲ ናይ ኣናጒስጢስን መዘምራንን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት መግለጺ እዩ፡ ኩላውነትን ብዙህነትን ቤተ ክርስቲያን፡

መዛሙራትኩምን ሙዚቃታትኩም ብፍላይ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርብ ሓደ ኣካል ምዃንና ለቡ ዝብልን ብሓደ ድምጺ እንኵ እምነት ዘመስክር እዩ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋ ንዛረብ እውን ንዅን፡ በቲ እነቕርቦ መዝሙር ንረዳዳእን በቲ ኣናንዞዞ እምነትን በታ እንማዕዳዋ ኣሓቲ ተስፋ ንረዳዳእ፡

ኣብ ወደርተይናነት ዘይምእማን

መዝሙር ጸሎትን ስርዓት ሊጡርጊያ ዝድግፍን ውሁድ ቅንይት እዩ፡ ኩለንተናኻ ናብቲ ደረት ሰገር ዝቓንይ፡ ቅንይት ኵላውነት፡ እዩ ስለዚህ ሓደራኹም

ናብ ወደርተይናነት ከይተብሉ፡  ወደርተይናታት ምስ እትዀኑ ኣገልግሎትኩምን ጻዕርታትኩም ይድብን ናይ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ሱታፌ ኣብ ጸሎት የዛሕትል፡ ቀዳማይ ቀደመይቲ ዝብል ውደራ ኣይሃሉ፡ ናይ መላእ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ጸሎት ኣተብጽሑ ኢኻትኩም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን ጸሎት ኣብጸሕቲ፡ ዘመርትን ህዝበ እግዚኣብሔር ዘይራኸቡ ኣይኹኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ኣቢያተ ክርስቲያን መዘምራንን ህዝበ እግዚኣብሔር ዘይራኸቡ ከይኖም ትርእዮም፡ ይዝመር እሞ ምእመና ግና ኣይዝምሩን፡ እዚ ዓይነት ምግምማዕ ኣይሀሉ፡ ሓደ ድምጺ ምዃን።

ሃይማኖታዊ ውርሻ

ነቶም መዘምራንን ማህሌታውያንን ናይ ሕዝቢ ሃይማኖታዊ ርህራሄን ድንጋጼን ከኽብሩ እንክምዕዱ፥

ሓለውቲ ቅዱሳት ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣኽብሩ፡ መንፈሳዊ ንግደትን መንፈሳዊ ዑደትን ኣፍቅሩ፡ ናይ ሕዝቢ መዛሙራት ኣፍቅሩ፡ እዚ ኵሉ እቲ ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ዝዓዪ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ዝገልጽ  ናይ ሃይማኖት ውርሻ እዩ፡

ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ሓደራኹም ስሌይ ምጽላዕ ኣይትረስዑ፡ ብመዝሙር እውን ቢሎም ንዅሎም ንቅድስቲ ቸቺሊያ ሓላዊት ዘማርያን ቅድስቲ ኣወኪፎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

24 November 2018, 17:39