ር.ሊ.ጳ ንድኻታት ኣብ ዝተሰናደወ ምሳሕ እንክሳተፉ! ር.ሊ.ጳ ንድኻታት ኣብ ዝተሰናደወ ምሳሕ እንክሳተፉ! 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለት ድኻታት 18 ኅዳር 2018 ዓምፈ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 18 ኅዳር 2018 ዓምፈ ንዝኸብር ካልኣይ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት መሰናደዊ ዝኸውን ዝሓለፈ ሰነ ዕለት 13 2018 ዓምፈ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንጦንዮስ ንኣስተንትኖ ዝኸውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ዝዝከር ኮይኑ ብምሉኡ ተርጒምና ነቅርበልኩም።

‘እቲ ድኻ ግዒሩ ኣእውዩ ኣምላኽ ድማ ሰሚዕዎ መሊሱሉ’ (መዝ 34.7)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንካልኣይ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት 18 ኅዳር 2018 ዓምፈ

  1.  ከም ደቂ ሰብ መጠን ኣብ ዝተፈላለየ ጸገማት ናይ ሥቃይን ብሕትውናን ክንርከብ እንከሎና ከምኡ እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድኻታት ኢልና እንጽውዖም ኣብ ጸገም ክርከቡ እንከለው እዘን ‘እቲ ድኻ ኣእውዩ ኣምላኽ ድማ ሰሚዕዎ’ ዝብል ቃላት ዳዊት ናትና ይኾና፣ እቲ ነዚ ዝደረዘ ዘማሪ ሥቃይን ድኽነትን ዘይፈልጥ ኣይኮነን፣ በንጻሩ ጽዑቅ ተመኲሮ ድኽነት ሃልይዎ ነዚ ከኣ ኣብ መዝሙር ምስጋናን ውዳሴን ናይ ጐይታ ይቅይሮ፣ እዚ መዝሙር እዚ ሎሚ ዕድል ይኸፍተልና፣ ኣብዚ ሎሚ ዝተፈላለዩ ድኽንታት ወሪሩና ዘሎ ዘመን እቶም ኣውያቶም ክንሰምዕን ጸገማቶም ክንርደኣሎምን ዘሎና  ሓቀኛ ድኻታት ኣየኖት ምዃኖም ንምርዳእ ይሕግዘና። ብቀዳምነት ትንገረና ዘላ እግዚብሔር ነቶም ናብኡ ዘእውዩ ድኻታት ከምዝሰምዖም ነቶም ዑቊባ ዝሓቱ ጸግዒ ይኾኖም ነቶም ብሓዘን ልቦም ዝተሰበረን በይኖም ተሪፎም ብሓለንጊ ብሕትውና ዝግረፉን ይሓልየሎም፣ ጐይታ ነቶም ክብሮም ተተንኪፉ ኣብ ውርደት ንዝርከቡን ገና ከኣ ብሓዲስ ተንሲኦም ንኽጅምሩ ብርሃንን ምጽንናዕን ንዝደልዩ ይሰምዖም እዩ፣ ነቶም ብናይ ሓሶት ክስን ኢፍትሓውነትን ዝስደዱን ብዝተፈላለየ ክትሰምዮም ዘየድልዩ ፖሊሲታት ዝጭቈኑን ዝዕመጹን ጽን ኢሉ ይሰምዕም፣ እዞም ሰባት እዚኦም ድሕነቶም ካብ እግዚብሔር ምዃኑ ይፈልጡ፣ ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ዝግለጽ ብኩሉ ምስ ተገደፍካ ናብቲ ዝሰምዕን ዝቅበልን ኣቦ ምእዋይ ከምዘድሊ እዩ። ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቲ ብፅዕና ‘እቶም ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ከመይ መንግሥተ ሰማያት ንኣታቶም እያ’ (ማቴ 5.3) ንዝበሎ ብዝበለጸ ንክርዳእ ማዕረ ብዝኾነ መጎታት እውን ከምዝግለጽ ይበርሃልና። እዚ ብርቂ ዝኾነ ተመኲሮ እዚ ሽሕ’ኳ ብብዙሕ መንገድን ኣገባብን እንተተገልጸ ምሉእ ብምሉእ ክገልጾ ዝኽእል እውን እንተዘየሎ ንካልኦት ክገልጽዎ ዝጽዕሩ ብቀዳምነት ከምቲ ዘማሪ ዝብሎ እቶም ብኩሉ ዝተረስዑን ዝተጓነዩን ድኻታት እዮም፣ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ፍቅሪ እግዚብሔር ሓደ እኳ ወጻኢ ከምዘይተርፍ ምናዳ ኣብዚ ንሃብታማት ቀዳምነት ሂቡ ከተዓባብን ንድኻታት ከጓንን ዝጽዕር ዓለምና ፍቅሪ እግዚብሔር ንኩሉ ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ። 
  2.  መዝሙር 34 ናይ ድኻ ኩነትን ምስ እግዚብሔር ዘለዎ ርክብን ንምግላጽ ሠለስተ ዓናቅ ይጥቀም፣ እታ ቀዳመይቲ ምግዓር ትብል ኮይና (ምእዋይ ምብካይ ተስምዕ ቃል እያ)። ኩነት ድኽነት ብቃላት ክትገልጾ ኣይከኣልን ምስ መረረ ገዓር ኮይኑ ንሰማያት ኣቋሪጹ ናብ እግዚብሔር ይበጽሕ፣ ገዓር ድኻታት እንታይ ክገልጽ ይኽእል እንተበልና ሰቃዮምን በይኖም ምትራፎምን ማይ ዓሚኾም ምትራፎምን ተስፋኦምን እንተዘይኮይኑ ካልእ እንታይ ክገልጽ ትብል ሕቶ ትመጽእ፣ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና እዚ ሰማየ ሰማያት ሰንጢቁ ናብ እግዚብሔር ዝበጽሕ ገዓር እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ኣእዛና ክስቈር ዘይከኣለ ደሪቅና ብእንታይገደሰኒ ንኩሉ ሸለል ክንብል ከመይ ኢሉ ይኾነልና! ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻ ዝኣመሰለ ዕለት ጽጹይ መርመራ ሕልና ክንገብርን ብሓቂ ክንሰምዖም ንኽእል ምዃና ክንርዳእን የድሊ። ንድምጾም ንምልላይ ዘድልያ ጸጥታ እዩ፣ ንሕና ባዕልና ብዙሕ እንተተዛሪብና ክንሰምዖም ኣይንኽእልን ኢና። ንክንሰምዖም ሱቅ ንበል፣ ብዙሕ ተበግሶታት ብሓቂ ዝነኣዱን መኽሰብ ዘለዎም ኣለው ክይኑ ግን ዘፍርሃኒ ጉዳይ ክንዲ ነቲ ገዓሮምን ብኽያቶምን ምስማዕ ብዛዕባ እቶም ዝሕግዙ ብዙሕ ስለንዛረብን ስለእነዋዕውዕን ነቶም ድኻታት ኣይንሰምዖምን፣ ከምዚ ምስ ኮነ እቲ ገዓር ናይ ድኻታት ኣብ ኣእዛና ኣይበጽሕን ብናይ ገዛእ ርእስና ድምጺ ይዕበለል ኩነታቶም ክንፈልጦ ክንርድኦ ኣይንኽእልን፣ ዘሎናዮ ባህሪ ጸጸኒሕካ ኣብ መስትያት ገዛእ ርእስኻ እናተመልከትካ ብማዕዶ ንእሽቶ ናይ ረድኤት ነገር እንተገበርካ እኹል እዩ ብማለት ብቀጥታ ካብ ምውሳእ ዓዲ ንውዕል። 
  3. እቲ ካልኣይ ዓንቀጽ ምምላስ ዝብል እዩ፣ እቲ ዘማሪ ኣስዒቡ ዝነግረና እንተልዩ እግዚአብሔር ንገዓር ወይ ልመና ድኻ ይሰምዕ ጥራይ ዘይኮነ ሰሚዑ መልሲ ይህብ ዝብል እዩ፣ መልሲ እግዚብሔር ምሉእ ታሪኽ ድሕነት ከምዝገልጾ ወትሩ ፍቅሪ ዝመልኦ ኩነታት ድኻ ብኣካል ባዕሉ ብምስታፍ ይምልሶ፣ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 15.1-6 እንተተመልከትና ኣብርሃም ሽሕኳ ዕድመኡን ዕድመ ሳራ በዓልቲ ቤቱን ሓሊፉ እንተነበረ ውሉድ እደሊ ኣሎኹ ኢሉ ምስ ለመኖ እግዚአብሔር መልሲሉ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኦሪት ዘጸአት 3.1-15 እንተተመልከትና እግዝብሔር ብኽያትን ልመናን ገዓርን ናይቶም ብባርነት ዝሳቀዪ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ሰሚዑ ንሙሴ ኣብታ እትነድድ ቊጥቋጥ ተገሊጹ ሽሙ እውን ነጊሩ ንሕዝቢ እስራኤል ሓራ ከውጽእ ተልእኾ ይህቦ፣ ኣብ ኦሪት ዘጸአት 16.1-6, 17.1-7 እስራኤላውያን ኣብ ምድረበዳ ብጥሜትን ጽምእን ተሸጊሮም ናብ እግዚብሔር ምስ ኣእወዩ መና ካብ ሰማይ ኣውሪዱ ማይ ካብ ከውሒ ኣንቂዑ መልሽሎም፣ እግዚብሔር እዚ ኩሉ እናገበረሎም ኣብ ዝዓበየ ሓጢኣት ናይ ክሕደት ምስ ወረዱ ኪዳኖም ኣፍሪሶም ጣዕዋ ሰሪሖም ናብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ወረዱ እውን ኣብ ኦሪት ዘጸአት 32 ተመልኪቱ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ነዚ እውን ብልመና ሙሴ ከምዝመሓሮም ንርኢ። እግዚአብሔር ንድኻ ክምልሸሉ እንከሎ ቊስልታት ነፍሱን ሥጋኡን ንክፍውስ ናይ ድሕነት ምትእትታው ብምግባር ፍትሒ ክመልሰሉን ክብረት ዘለዎ ሕይወት ብሓዲስ ክነብር ንክጅምር ይሕግዞ፣ እግዚአብሔር ክምልሽ እንከሎ ንሕና እውን ብወገና በቲ ድሩት ዓቅምና ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ክንገብር ልመና ኣሕዋትና ሰሚዕና ክንምልስ ዝቀርብ ዕድመ እውን እዩ፣ በዚኸስ እዚ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻ እታ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ ዘላ ቤተክርስትያን ንእሽቶ መልሲ ነቶም ብዝተፈላለየ ድኽነት ዝሳቀዩ ዘለው ንምሃብን ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዘለው ድኻታት ገዓሮም ዘይተሰምዔ ከይመስሎም እጃማ ተበርክት፣ እዚ ሓገዝ እዚ ምናልባት ኣብዚ ምድረበዳ ድኽነት ከም ንጣብ ማይ ክኸውን ይኽእል፣ ኮይኑ ግን ብዓቅምና ምስቶም ድኻታት ዘላትካ ናይ ምክፋል ምልክት ኮይኑ እትሓሊ ሓውቲ ወይ ዝሓሊ ሓዊ ከምዘለው ንምምልካት እዩ፣ እዚ ተግባር እዚ ንድኻታት ንዘድሊ ነገራት ከወፍዩ ከክንዲ ካልኦት ትለኣኾ ዘይኮነስ ብኣካል ኣብቲ ድኻታት ዘስምዕዎ ገዓር ንምስታፍን ሰማዒ ከምዘሎን ንምምልካት እውን እዩ፣ እዚ ሓገዝ እዚ ሓልዮታውን ጠቃምን እኳ እንተኾነ ኣመንቲ ኣብዚ ሓገዝ እዚ ጥራይ ተደሪቶም ክተርፉ የብሎምን ኣንታይ ደኣ ከምቲ ኣብ ኢቫንደሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ዝብል ሓዋርያዊ ምህጽንታ ተመልኪቱ ዘሎ `ኣተኲሮ ፍቅሪ’ ከሰንዮ ኣለዎ፣ እዚ ከኣ ክንዲ ኣብቲ ኣድላይነት ወይ ጸገም ነተኲር ኣብቲ በዓልቤት ኣብቲ ሰብ ነተኲር ማለት እዩ።
  4. እቲ ሳልሳይ ዓንቀጽ ነጻ ምግባር እዩ፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቂሱ እንረኽቦ ድኻ እግዚአብሔር ክብሩ ክመልሰሉ ኣብ ሓገዙ ኢዱ ከምዘእቱ ምሉእ ርግጽነት ተላቢሱ እዩ ዝነብር፣ ድኽነት ባዕሉ ኣይመጸካን እዩ እንታይ ደኣ ብስስዔን ትዕቢትን ንፍገትን ፍትሒ ምጉዳልን እዩ ዝመጽእ። እዚ ክፍኣት እዚ ዕድመኡ ማዕረ ዕድመ ወዲሰብ ኮይኑ ንጽሓት ዝጽመድሉ ሓጢኣት እዩ፣ ኣስካሕካሒ ሳዕቤን ከኣ ኣብ ማሕበረሰብ የውርድ፣ ሓርነታዊ ናይ እግዚብሔር ተግባር ከኣ ናይ ድሕነት ሥራህ ኮይኑ ናብቶም ጓሂኦምን መረረኦምን ናብኡ ዘእውዩ ይመጽእ፣ ናይ ድኽነት ማእሰርትኸስ ብሓይሊ ምትእትታው እግዚአብሔር ይፍታሕ፣ ካብ መዝሙረ ዳዊት ብዙሓት ነዚ ታሪኽ ድሕነት እዚ የዘንቱን የብዕልን፣ እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት ናይ ድኻ ይንጸባረቅ፣ ኣብ መዝሙር 22. ‘ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖን፣ ኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስ፣ ሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን።’ እንክብል የዘንቱ፣ ደገፍ እግዚአብሔር ክተስተንትን ምኽኣልከስ ምልክት ዕርክነቱ ቅርበቱን ድሕነቱን እዩ። ኣብ መዝሙር 31 ‘ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።’ እንክብል ይገልጾ፣ እዚ ነእጋር ድኻ ገፊሕ ቦታ ምሃብ ዝብል ከምቲ ኣብ መዝሙር 91 ኣመልኪትዎ ዘሎ ኣብ መገዶም ተሓቢኣኡ ካብ ዘሎ ‘መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ’ ኣናጊፉ ብዘይፍርህን ምጥርጣርን ንቅድሚት ገጾም ክምርሹን ሕይወቶም ብሰላም ክመርሑን ይሕግዞም። ናይ እግዚብሔር ምሕረትከስ መልክዕ ዝተዘርገሔት ኢድ ለቢሱ ነቲ ድኻ መርሓባ ኢሉ ተቀቢሉ ይከላኸለሉ ነቲ ዘድልዮም ዕርክነቱ ከስተማቅሩ ከኣ ይሕግዞም፣ ቅኑዕ መንገዲ ሓርነት ዝግለጸሉኸስ በዚ ከምዚ ዝበለ ዝጭበጥ ቅርበት እግዚአብሔር እዩ፣ ኣብ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊት ምሕጽንታ ቊ።187 ‘ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን ኩለን ማሕበረ ክርስትያንን ንድኻ ሓራ ንምውጻእን ንምምዕባልን በዚ ኣቢሎም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣባላት ሕብረተሰብ ንክኾኑ መጋበሪ እግዚብሔር ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም፣ እዚ ከኣ ንገዓር ድኻታት ንክንሰምዕን ንምርዳኦም ስንድዋት ኰና ክንርከብን ትኩራትን ተኣዘዝትን ክንከውን ' ይግድደና።
  5. ብዙሓት ድኻታት ምስቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተጠቂሱ ዘሎ በርጠለሜዎስ ዝበሃል ድኻን ዕውርን ንገዛእ ርእሶም ምምስሳሎም ልበይ ተንኪፉኒ። እቲ ታሪኹ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 10.46 ‘ኢየሱስ ናብ ኢያሪሖ ኣተወ፣ ምስ ኣርድእቱን ምስ ብዙሕ ሕዝብን ካብ ኢያሪሖ እንኪወጽእ ድማ ባርጢሜዎስ ወዲ ጢሜዎስ ሓደ ዕውር ለማኒ ኣብ ዘፈር መንገዲ ተቀሚጡ ነበረ። ኢየሱስ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ‘ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ራኅርኃለይ’ እናበለ ክጭርሕ ጀመረ፣ ብዙሓት ከአ ስቅ ኪብል ገንሕዎ ንሱ ግን ‘ኦ ወዲ ዳዊት ራኅርኃለይ!’ እናበለ ኣበርቲዑ ጨርሐ።’ ወዲ እግዚብሔር ግን ገዓሩ ሰሚዑ ‘እንታይ ክገብረልካ ትደልየንኒ?’ እውን በሎ፣ እቲ ዕውር ከኣ ‘ኦ መምህር ከምዝርኢ’ በሎ፣’’ እዚ ትረኻ ወንጌል ነቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ከም ተስፋ ተነቢሩ ንዘሎ ክውን ይገብር። በርጠለሜዎስ ሓደ ድኻ ሰብ ኮይኑ መሰረታዊ ነገራት ስለዝጐደሎ ልዕሊ ኩሉ ክርኢ ስለዘይክእል ንናብራኡ ዝኸውን ክሰርሕ ኣይከኣለን። ሎሚ ኣብ ዓለምና ግን ምስ ምሉእ ኣካሎም እንከለው ብምኽንያት ሥራሕ ኣልቦነት ነዚ መሰረታዊ ናብራኻ ናይ ምምራህ ናይ ሥራሕ ዕድል ስኢኖም ዝተወገኑን ኣለው፣ሽሕ’ኳ ዘመንና ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣብ ዝበሃለሉ ብምኽንያት ሕማምን ዝተፈላልለይ ናይ ሕብረሰብና ባርነትን ክሰርሑ ዘይከኣሉ ብዙሃት ኣለው፣ ክንዳይ ናይ ሎሚ ድኻታት ከም በርጠሜዎስ ኮይኖም ኣብ ጐደናታት ኰፍ ኢሎም ትርጉም ምንባሮም ንምርካብ ዝቋዝሙ ዘለው ንሕሰብ! ክንደይ እዮም ካብዚኦም ስለምንታይ ኣብቲ ደረጃ እቲ ከምዝወረዱን ከመይ ገሮም ካብኡ ክ ወጹሉ ዝከኣለሉ መንገዲ ይሓስቡዶ ይኾኑ! እዞም ሰባት እዚኦም ከምቲ ናይ በርጠሜዎስ ካልኦት ሱቊ በል ክብልዎ ከለው ከምቲ ኣብ ማር 10.49 ተመልኪቱ ዘሎ ‘ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ አሎ፡ በልዎ።` ከምዝብሎ `ኣጆኹም ተንስኡ ጐይታ ይጽውዓኩም ኣሎ’ ዝብሎም ይጽበዩ ኣለው። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን ተጻይ ናይዚ እዩ ወትሩ ዝፍጸም! ድኻታት ዝገዓሩ እንተገዓሩ ሱቅ ክብሉ ዝገንሑ ድምጽታትን ንኩሉ ከቋርጹን ጥራይ እዮም ዝእዘዙ! ድምጽን ገዓርን ድኻታት ምስቲ ዘሎ ኩነታት ስለዘይከይድ ወትሩ ምስ ተነጽገ እዩ ዝገደደ ከኣ ሕማመ ድኻታት ክትፍብሎ ዘድፍር ንድኻታት ከም ምኽንያት ጸገምን ሁከትን ዘይምርግጋእን ዝግምት ኣንፈት እውን ኣይተሳእነን፣ በዚ ከኣ ካብ ማሕበረሰብ ርሒቆም ክነብሩ ክስጐጉ ከምዘለዎም ከም ውሁብ ስለዝቊጸር ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቲ ኣለዎ ዝበሃል ሕብረተሰብን ራህቂ ንምፍጣር ይጸዓር እዚ ከኣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ መንጎ ገዛእ ርእስናን መንጎ እቲ ኣብ ድኻታት ዝግለጽ ኢየሱስን ሓጹር ነንብር ኣሎና ማለት እዩ፣ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ 58.6-7 ‘እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን? እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን?’ ንክብል ንዝገልጾ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ ቀንዲ ተልእኾ ክርስትያን፣ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ 1ጴጥ 4.8 ዘመልክቶ ሓጢኣት ከምዝሕደግ ይገብር፣ ኢሳያስ ከምዝገልጾ እውን ፍትሒ ንዝጀመሮ ንክፍጽሞ ‘ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡’ እንክብል ውዑል ዝመስል ኣገባብ ናይ ምትሕግጋዝ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ከምዘሎ ንሕና እውን ንጽጉማት ኣሕዋትና ክንሕግዝ ጻውዒት የቅርበልና።
  6. እግዚብሔር ወትሩ ኣብ ጥቃኦም ምሳኦም ከምዘሎ ዘለልዩን ዝምስክሩን ወትሩ ድኻታት እዮም፣ እግዚብሔር ንዝሃቦ ተስፋ ኣጽኒዑ ከምዝሕሉ ብምርግጋጽ ከኣ ወላውን ኣብቲ ዝጸልመተ ግዜ ጉዕዞ ሕይወት ብናይ ፍቅሩን ጽንዓቱን ምውቀት ንዘለዓለም ጸኒዑ ከምዝብር እምነትና እዩ፣ ከቲ ኣደታትና ጐይታ ኣሎኒ እሙን ቃሉ ዘይጠልም ኪዳኑ ኮይኑ ንኩሎም ድኻታት ከም ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከምዝስምዖም ይገብር፣ ከምቲ ኢቫንጀሊ ጓውድዩም ታሕጓስ ወንጌል ኣብ ዝብል ሓዋርያዊ ምህጽንታ ቊ.198 ከምዝገልጾ ከኣ ነቲ ኣብ ሕይወትና ዚሰርሕ ዘድህን ሓይሊ ክንርድኦን ኣብ ጐደና ናይታ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት እትርከብ ቤተክርስትያን ክነቀምጦ የድሊ፣ ከምቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት 22.26 ‘ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ።’ ዝብልዎኸስ ኣብዚ ዕለተ ድኻታት ዓለም ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ተዓዲምና ኣሎና፣ ኣብ ቤተመቅደስ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ሥርዓተ መሥዋዕቲ ንኩሉ ዝኸውን መኣዲ ይቀርብ ከምዝነበረ ይዝከር፣ ነዚ ሁመት እዚ ብዙሓት ድኻታት ናይ ቤት ሙቀት ኣስተሪሖም ኣብ መኣዲ ዝቅመጡሉ ኣጋጣሚ ብምዃኑ እቶም ነዚ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ተግባራዊ ንምግባር መኣዶም ዘሳትፉ ሕውነት ይገልጹ ነሮም፣ ኣብዚ ሎምዘመን ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ድኻስ ይኹን ኣብ ዝመጽእ ዝክርታቱ ከምዚ ዓይነት ብሓባር ናይ ምምጋብ መንፈስ እንደገና ክበራበር ምደልኹ፣ ከም ማሕበረ ክርስትያን ብሓባር ምጽላይ ከምኡእውን ሰንበት ብሓባር ኣብ መኣዲ ምስታፍ ኣብታ ናይ ጥንታዊት ቤተክርስትያን ዝግበር ዝነበረ ማለት ሉቃስ ኣብ ግ.ሐ 2.42-46 ‘ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ።’ ዝብል እንደገና ኣብ ግብሪ እንተነውዕሎ ክንደይ ጽቡቅ ምኾነ። 
  7. ኣብ ቅድሚ ዓይናን ተሰጢሑ ንዘሎ ዝተፈላለየ ሕብርታት ድኽነት መስተርሆት ንምፍጣርን ምልክት ጒርብትና ንምሃብን ዕለት ዕለት ብዝተፈላለያ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዝግበር ብዙሕ ተበግሶታት ኣሎ፣ እዚ ተበግሶታት እዚ ካብ ብሃይማኖት በተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሰብኣውያውያን ተቊዋማት ብሰብኣዊ ምድንጋጽ ዝንቀሳቀስ ኮይኑ በይንና ክንገብሮ ዘይንኽእል ሓገዝ ንኽነበርክት የኽእለና፣ ኣብዚ ውቅያኖስ ድኽነት ናይ ዓለምና ዓቅምና ድሩትን ድኹምን ዘይእኹልን ምዃኑ ምርግጋጽከስ ሓገዝን ምትሕብባርን ካልኦት ብምሕታት ብዝበለጸ ነቲ ዕላማና ክንወቅዕ ከምእንኽእል የረጋግጸልና። ነቲ ንነፍሲ ወከፍና ናብ እግዚአብሔርን ናብ ቅድስናን ከይገደፍና በቲ ዘተሓባብረና ዕላማ ብሓገዝን ምትሕብባርን ዝተወራረቁ ተቍዋማት ክሕግዙና ከምዝኽእሉ ብምእማን ነቲ ብእምነትን ናይ ፍቅሪ ስራሕን እንገብሮ ረድኤት ነደንፍዕ፣  ኣብዚ ንሕና ኲልና ብዘይቃልዓለም ክንህቦ እንኽእል እኹልን ምሉእን ወንጌላዊ መልስኸስ ንምትሕብባርና ብነጻ ንምውፋይ ምስ ዝተፋላለያ ተቊዋማት ተመኲሮን ትሕትናን ዘተ ምፍጣር እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት እንሓቶ ነገር ብዙሕ ግዜ መቃለሲ ባይታ እዩ፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ግን ብትሕትና ክነረጋግጾ ዘሎና ነቲ ናይ እግዚብሔር መልስን ምሳና ምህላውን ዘመልክት መንፈስ እዩ።  ኣብ ጥቃ ድኻ ክንቀርብ ዕድል ከጋጥመና ከሎና ነዕይትናን ንልብናን ዝኸፈተልና ንሱ ስለዝኾነ ቀዳምነት ናቱ ምዃኑ ንግንዘብ፣  ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ድኻታት ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑ ኣየድልን እዩ ዘድልስ ነቲ ዝተገብረ ጽቡቅ ተግባር ንምስዋርን ንምርሳዕን ዘኽእል ፍቅሪ እዩ፣ ናይቲ ተዋስኦ ቀንዲ ተዋሳእቲ ጐይታን እቲ ድኻን እዮም። እቲ ከገልግል ዝደሊ ነታ ህላዌኡን ድሕነቱን መግለጺት ዝኾነት ኢድ እግዚአብሔር መጋበሪ እዩ፣ ቅ.ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ ቀድመይቲ መልእኽቱ ነቶም በቲ ዝተቀበልዎ ውህበታት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝወዳደሩ ዝነበሩ ዘዘኻኸሮም ንመልከት። ‘ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ።’ (12.21) ይብሎም። ኣብታ እትቅጽል ኁልቊ ከኣ ‘እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ።’ በዚ ከኣ እቶም ቀንዲ ንሰውነት ዘድልዩ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ምዃኖም ምስ ገለጸ ‘ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ፣ እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ።’ (22-25) በዚኸስ ቅዱስ ጳውሎስ ነታ ማሕበረ ክርስትያን ብዛዕባ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ መሠረታዊ ትምህርቲ እንከቅርብ ኣብቲ ብብርሃን ወንጌል ድኹማትን ድኻታትን ኮይኖም ዝረኣዩ ዘለዎ ሳህሮ እውን ይገልጽ፣ ክንዮ እቲ ኣርድእቲ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ድኹማትን ዝነበሮም ናይ ምስትንዓቅ ወይውን ምድንጋጽ ስግር ኢሉ ቅድም ቀዳድም ከክብርዎም ቀዳምነት ክህብዎም ከምዘለዎም እዚ ከኣ ድኻታትን ድኹማትን ናይ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም ናይ ምህላው ምልክት ከምዝኾኑ ነቲ ኣብ ማቴ 25.40 ‘ካብዞም ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሃደ ዝገበርክምዎ ንዓይ ከምዝገበርኩምዎ ሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹም` ክብል ነቶም ኣበይከ ጠሚኻ ጸሚእካ ወዘተ ርኢናካ ዘየገልገልናካ ' ኢሎም ኣብቲ ይግባይ ዘይብሉ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ንዝጽዕሩ ወገን ጸጋም ዝተቀመጡ ዝተዋህበ መልሲ የብራህርህ።
  8. ኣብ'ዚ መነባብሮና ካብቶም ሥልጣንን ሃብትን ንዘለዎም ካብ ዝናዱን ዝኽተሉን ክመስልዎም ሒዅ ዝብሉን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ነቶም ድኻታት ዘገልሉን ከም ጐሓፍ ማሕበረሰብን ዘሕፍር ነገርን ገሮም ዝምልከቱ  መነባብሮ ክሳብ ክንደይ ርሒቑ ከምዘሎ ክንዕዘብ ንኽእል፣ ቃላት ሓዋርያ ጳውሎስ ዝዕድመና ግን ምስቶም ድኹማትን ትሑት ተውህቦን ዘለዎም ኣካላት ክርስቶስ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ዘሎና ምትሕግጋዝ ወንጌላዊ ምልኣት ክንህቦ ይዕድሙና፣ ‘ስለዚ ሓደ ኣካል እንተተቐንዘወ ኵሉ ኣካላት ብሓደ ይቚንዞ፣ ሓደ ኣካል እንተጸገነ ከኣ ኵሉ ኣካላት ምሳኡ ሓቢሩ ይጽግን’ (1ቆሮ 12.26) ከኣ ይብለና፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ከኣ ‘ምስቶም ዝሕጐሱስ ተሓጐሱ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ። ኣብ ነንሓድሕድኩም ተሰማሚዕኩም ንበሩ። ናብቶም ዝተሓቱ ደኣ እምበር ናብ ዝለዓለሉ ነገራት ኣይትመጣጠሩ፣ ንርእስኻትኩም ድማ ኣዕቢኹም ኣይትገምቱ’ (12.15-16) እንክብል ይምሕጸነና፣ ጸዋዕታ ሓዋርያ ክርስቶስ ተኸታሊ ክርስቶስከስ እዚ እዩ፣ ኣብ ሕይወትና ብቀጻሊ ክንበጽሖ ክንቃለሶ ዘለና ዕላማ ከኣ ነቲ ‘እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ’ (ፊሊ 2.5) ክብል ንዝምሕጸነና ክንለብሶ ናትና ክንገብሮ ንጽዓር። 
  9. እምነት ኣብ ልብና ዘለዓዕሎ ተፈጥራዊ መድምደምታኸስ ቃል ተስፋ እዩ፣ ነቲ ብግዝያዊ ናብራ ተዋሓጡ ካብ ዝመላለስ ሕይወትና ዝፍልፍል ኣብ ድኻታት ዘሎና ሸለልትነት ረጊጹ ዝሓልፎ ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ድኻ ባዕሉ እዩ፣ በዚ ከኣ እቲ ድኻ ናብ እግዚብሔር ዝገብሮ ኣውያት ወይ ገዓር ከስ ብኽያት ተስፋ ኮይኑ እግዚብሔር ሓራ ከምዝወጽእዎ ብምትእምማን እዩ ዝገብሮ፣ እዚ ተስፋ እዚ ኣብቲ ኣብኡ ንዝኣምኑ ዘይሓድግ ናይ እግዚብሔር ፍቅሪ ዝተመስረተ እዩ (ሮማ 8.31-39)። ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ኣብቲ መንገዲ ፍጽምና ዝብል ጽሑፋ ‘ድኽነት ብዙሕ ሓይልታት የጠቃልል፣ ሰፊሕ ግራት እዩ፣ ንምድራዊ ነገራት ዝንዕቅ ዘበል ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሥልጣን ከምዝሕዝ የረጋግጸልኩም’ (2.5) ኢላ ትጽሕፍ፣ ክንዮ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ሰጊርና ነቲ ሓቀኛ ጽቡቅ ነገር ክንሕዝ ምስ ከኣልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ከኣ ጥበበኛታት ንኸውን፣ ብሓቂ ከኣ ከምኡ እዩ! መጠን እቲ ንሃብቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ተረዲኡና ዝግብኦ ቦታ እንተሂብና ብሰብኣውነት ንዓቢ ምስ ካላኦት ንክንማቀሎ ከኣ ንኽእል።
  10. ነሕዋተይ ኣቡናትና ካህናትን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ነቶም ንድኻታት ከገልግሎ ኣንብሮ እድ ዝተገብረሎም (ግሐ 6.1-7) ዲያቆናት ከምኡ እውን ንገዳማውያትን ገዳማያንን ምእመናንን ኣብ ቊምስናታት ማሕበራት ናይ ቤተክርስትያን ምቅስቃሳት ነዚ ናይ ድኻ ገዓር ጭቡጥ ናይ ቤተክርስትያን መልሲ ክህቡን ነዛ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻ ከኣ ከም ፍሉይ ግዜ ናይ ሓዲስ ስብከተወንጌል ክነብርዎ እዕድም፣ ድኻታት ዕለት ዕለት ጽባቄ ወንጌል እንደገና ከም እንርኢ ብምግባር ወንጌል ይሰብኩልና። ነዚ ናይ ጸጋ ዕድል እዚ ከይነጥፍኦኸስ ሓደራ፣ በዚ ዕለት እዚ ንሕና ኩልና ሰብ ዕዳ ድኻታት ምዃና ዘኪርና ኣእዳውና ንነሕድሕድና ዘርጊሕና ንእምነትና ዘሐይል ናይ ድሕነት ርክብ ፈጢርና ነቲ ናይ ፍቅሪ ስራሕና ተግባራዊ ገሩ ናብቲ ክመጽእ ንጽበዮ ዘሎና ጐይታ ንገብሮ ጒዕዞ ርግጽነት ሂቡ ንተስፋና ከደንፍዕ ሓደራ።

ካብ ከተማ ቫቲካን ዕለት 13 ሰነ 2018

ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!

Photogallery

ር.ሊ.ጳ ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ምስ ድኻታት!
18 November 2018, 17:13