ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን 

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ህልው ኩነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘኪሮም፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መእለዪ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽናት ዝተቐትሉ ክልተ ካህናት ዝርከብዎም 42 ሰባት እናሓሰቡ፡

ቅዱስ ኣቦና ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ዕለት 18 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዛ ዕለት መጋበርያ ምሕረት ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ምዃንና እተዘኻኽረና ዕለት እያ ኢሎም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት መዓልቲ ድኻታት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ 1,200 ድኻታት ናይ ምሳሕ መኣዲ ከምእተቛደሱ ክፍልጥ እንከሎ፡ ብውሳኔ ቅዱስነቶም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 18 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ክይኑ ክሕሰብን፡ ማሕበረ ክርስቲያንን ቁስምናታትን ዝተፈላለያ ማሕበራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ገዳማትን ካቶሊካውያን ምንስቓሳትን ንድኻታት ብቓልን ሕይወትን ቀረባ ምዃን ሕይወት ክርስትና ምዃኑ ዝምስክሩላ ዕለት እያ።

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ንረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን

ቅዱስ ኣቦና ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ህልው ኩነታት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘኪሮም፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መእለዪ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽናት ዝተቐትሉ ክልተ ካህናት ዝርከብዎም 42 ሰባት እናሓሰቡ፡ ኣብታ ሃገር ፍሉይ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ንምብጋስ ቅዱስ በሪ ዝኸፈቱላ ከምዝነበረት ዘኪሮምን፡ ነታ ሃገርን ህዝባና ቅርበቶም ፍቕሮምን ገሊጾም፡ ስለ እቶም ናይ ሞታ ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝቖሰሉን ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስራቓዊ ከባቢታ ሃገር ተኸሲቱብ ዘሎ ዝቐዝሕ ቁሪ ዘስዓቦ ናይ ሞት ሓደጋ እውን ጠቒሶም ስለ ዅሎም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝቖሰሉን ዝሳቐዩን ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ንድገም ቢሎም ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ንዅሎም ብሩኽ ሰንበት ተመንዮም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ
18 November 2018, 16:26