ር.ሊ.ጳ. ዕለት 12 ታሕሳስ ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ር.ሊ.ጳ. ዕለት 12 ታሕሳስ ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 12 ታሕሳስ ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ልቢ ሰብ ዝማርኽ እንኰ ብቑዕ ሓይሊ ለውሃት እግዚኣብሔር መግለጺ እዩ

ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ድርገት ዕለት 27 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶ ዕለት 12 ታሕሳስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ መርያም ዘጓዳሉፐ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩሉ ዓመት ኣትሒዞም በቢ ዓመቱ ዝፍጽምዎ ሊጡርጊያዊ መርሓ ግብሪ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ከም ተወላዲ ላቲን ኣመሪካን ንመላእ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ እውን ዓቢይ በዓል ክኸውን እንከሎ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሓላዊት ቅድስቲ መላእ ላቲን ኣመሪካ እውን ምዃና ዝኩር እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ልቢ ሰብ ዝማርኽ እንኰ ብቑዕ ሓይሊ ለውሃት እግዚኣብሔር መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ፡ ንጸሎት መእንቲ ሰላምን ሕውነትን ቅዱስ ኣጋጣሚ እዩ

ዕለት 12 ታሓሳስ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሕይወቱ ሃረር ዝብሎም ምትሕብባርን ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ሓሴትን ዝብሉ ዕሴታት ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ኰይኑ ኣብ ልቢ ቅድስቲ ማርያም ዘንብር እዩ፡ እቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካዊ ተቕዋም ፒዮስን ናይ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ምዘምራን ብሓባር ብዘቕርብዎ መንፈሳዊ መዛሙር ዝተሰነየ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ፡ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 12 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ድርሕሪ ቕትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሽድሽተ ዝዓርግ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ቢሉ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ጸሎት መቝጸያ ከምዝድገምን ኣብ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መራሔ መዝሙር ከምዝቐርብ እውን የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ውድብ ኣብ ሮማ ኣብ ዘካይዶ መበል 42 ክፍለ ጉባኤ መኽፈቲ ተረኺቦም ዘረባ ከምስምዑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 27 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

 

28 November 2018, 16:03