ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሊባኖስ ኣእንጋዲት ልቢ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምስጋና

ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ኣብ ሊቦኖስ ብዝፍጽሞ ኵሉ ቅዱስነቶም ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን ምዕሩይ ማሕበራዊ ርክብ ምህላዉን እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሱናውያንን ሸዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዘሎ ምዕሩይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከም ቀድሮስ ተሪር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንመንፈሳዊ ንግደትን ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽመክሩን ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያትን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ናይ እትርከብ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ተቕዋም ኣባላትን ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ምስ ጠቕላላ ናይታ ኣብ ሊባኖ ናይ እትርከብ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያ ብጠቕላላ ምስ 35 ብፁዓን ጳጳት ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ቀለመጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ኣብ መላእ ዓለም ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣባላት ብሓባር ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ማሮናዊ ስርዓት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ጳጳሳትን ምእመናኖም ብሓባር

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሊባኖስ ናይ ኣንጽዮኪያ ፓሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ብስም ናይ ማሮናዊት ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንቕዱስነቶም ናይ ምስጋና ቃል ኣቕሪቦምን ምስ ተጋባእያን ምስ ኣላለዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ብፍላይ ነቶም 50 ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ተቐዋም ኣባላት፥ ብሓባር ምስ ጳጳሳትኩም ምርኻብኩም ብዛዕባ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምልኡ ሓበሬታ ብኽረክብ ዝሓገዘን፡ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ማሮናዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽላለይ ዝድግፍ እዩ ምስ በሉ፡ ክትበጽሑኒ ስለ ዝመጻእኩ አመስግነኩም ቢሎም፡

ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ

ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ኣብ ሊቦኖስ ብዝፍጽሞ ኵሉ ቅዱስነቶም ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ምስልምናን ምዕሩይ ማሕበራዊ ርክብ ምህላዉን እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ሱናውያንን ሸዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዘሎ ምዕሩይ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከም ቀድሮስ ተሪር እዩ ከምዝበሉን ኣብ መወዳእታ፡ እግዚኣብሔር ንኣኻትኵምን ንኣባይቲ ስድራዅምን ሃገርኵምን ደቃትኩም ስደተይናታትኵምን ይባርኽ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሊባኖስ ኣእንጋዲት ልቢ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምስጋና

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሊባኖስ ኣእንጋዲት ልቢ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምስጋና
21 November 2018, 15:53