ሓምሻይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000

ናይ ማርያም ቅድስና፥ ንጹር እሞ ብቐሊሉ ክትገልጾ ዝከኣል ገርካ ዝሕሰብ ይመስል፡ ይኹን ደኣ እምበር ብገዛእ ርእሱ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ቅድስና እዩ፡ ማርያም ምልእተ መንፈስ ቅዱስ እያ፡

ዕለት 13 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰላም ለኪ ኣሞርኵይዞም ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቪ 2000 እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣቢሎም ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ማርኮ ፖዛ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ወትሩ ሰሉስ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል ሎሚ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ሓሙሽተ ደቓይቕ ክመሓላለፍ እዩ።

ስምዖን ተ.  ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብዚ ሓምሻይ ፍጻሜ ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ቀዲሙ ዝመጽእ ብምዃኑ ገባሬ ኵሉ እዩ ዝብል ገባሬ ኵሉነት ባህርይ እግዚኣብሔር ዘብርህ ኣስተንትኖ ከቕርቡ ከምዝዀኑን፡ ቅድስና ማለት እግዚኣብሔር ክዓዪ ምፍቃድ ማለት እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብቲቩ 2000 ን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለውዎ መደብ ፈነወ ስማዐ ርእየት፡ ሓቢሮም እቲ ቀንዲ ተጻይ ቅድስና ኵሉ ባዕለይን ካባይን እዩ ስለዚህ ቅዱስ ኽኸውን ንዘይክኸውን ድልየትን ፈጻምነትን ኣባይን ናይተይ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ገባሬ ኵሉን ቀዲሙ ዝመጽእ እግዚኣብሔር ምዃኑ የረድኡ።

ማርያምን ቅድስናን

ናይ ማርያም ቅድስና፥ ንጹር እሞ ብቐሊሉ ክትገልጾ ዝከኣል ገርካ ዝሕሰብ ይመስል፡ ይኹን ደኣ እምበር ብገዛእ ርእሱ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ቅድስና እዩ፡ ማርያም ምልእተ መንፈስ ቅዱስ እያ፡ ፈረንሳዊ ደራሲ ጆሰፍ ማለጉአ ብዛዕባ ልክዕ ማእከላይ መነባብሮ ከምእንብሎ ማእከላይ ደርባዊ ቅድስና ቢሉ ይገልጾ፡ እቲ ቀንዲ መታዓናቕፎ ወይ ጸገም ህልዎተ ወይ ኢህልዎተ እግዚኣብሔር ምርዳእን ምትንታንን ዘይኰነስ እቲ ክርስቶስ ዝዀነ እግዚኣብሔር ምርዳእ እዩ፡ እዚ እዮ እቲ ዓብይ ዕንቅፋት፡ ማርያም ናይዚ መተዓናቕፎ’ዚ ማእከል እያ።

ኣጋይሽ

ኣብዚ ሎሚ ዝመሓላለፍ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዛዕባ ሰላም ለኪ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ መሰረት ገይሮም ሓሳብ ከቕርቡን ብዛዕባኡ ካብ ተመክሮኦም ተበጊሶም ብቓለ መሕትት ዝገልጹ ዕዱማት እተን ገና ኣብ መበል 26 ዓመት ዕድመኤን ነፍሰ ጹር ዝነበራ ሕማም መንሽሮ ስለ ዝተረኸበክን እቲ ጽንሲ ተነጺሉ ሕምክና ጸረ መንሽሮ ክጅምራ ተሓቲተን እቲ ዝተጸንሰ ፍጥረተ ሰብ ካብ ምንጻል ኣነ ክሓልፍ ቢለን ነቲ ዝተጸንሰ ሕይወት ንምድሓን ገዛእ ርእሰን ናይ ዝሰወኣ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኣግልጋሊት እግዚኣብሔር መጸውዕ ክብ ናይ ዘበለተን ማሪያ ክርስቲና ቸላ በዓል ቤት ካርሎ ሞቸኢንን ኣባል ማሕበር ደናግል ፍቕሪ ፍልሰታ ለማርያም እናቴ ቪቪያና ተራኚን እናቴ ኪያራ ካብሪኒን ከምዝዀና ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ሰላም ለኪ ዘረእስቱ መጽሓፍ

ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ሰላም ለኪ ርእሰ ጉዳይ ኣሞርክ1ይዞም ዝልግስዎ ዘለዉ ኣብቲ ኣባ ማርኮ ፖዛ ዘቕርቡሎም ቃለ መሕትት ዝተመስረተ ቃለ ኣስተንትኖ ተሓቲሙ ንናብ እውን ከምዝበቕዔ የዘኻኽር።

ሓምሻይ ፍጻሜ ቃለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ጸሎት ሰላም ለኪ ኣብ ቲቩ2000
13 November 2018, 17:03