በታ ቪድዮ

Cerca

Vatican News
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ውጥናትና ይሰብርን ናብ እግዚኣብሔር የመስርቐናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ውጥናትና ይሰብርን ናብ እግዚኣብሔር የመስርቐናን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ውጥናትና ይሰብርን ናብ እግዚኣብሔር የመስርቐናን

ቃል እግዚኣብሔር ስሑል እዩ፡ ክሳብ መዓሙቕ ልቢ ፍሒሩ ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ዘብጽሕ እዩ፡ ክልተ ዝኣፉ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሰይፍ ኣዚዩ ስሑል ስለ ዝዀነ ኣብ ልቢ ሰንጢቑ ይኣትው እሞ ጥዑውን እወታውን ሃውጺ ይፈጥር፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ንመንፍሳዊ ሱባኤ ሮማ ንዝኣተዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕብረተሰብ ቤት ምኽሪ ኣባላት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም፥ ሓይሊ ቃል እግዚኣብሔር፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም፡ ቃል ኣባና ሓቂ ይኸውን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብቓል እግዚኣብሔር ሰባት ክልወጡ ምግባር፡ ዝብል ሓሳብ ናይቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕብረተሰብ ዕላማ ምዃኑ ኣብቲ ናይቲ ማሕበረሰብ ቅዋም ምልኩት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነቶም 40 ናይቲ ማሕበረሰብ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣዘኻኺሮም፡

“ ቃል እግዚኣብሔር ሕያውን ስሉጥን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ [ … ] ስምዒትን ሓሳብን ልቢ ዘለልይ እዩ፡ ዝብል ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ዘሎ ቃል ኣቢለ ነቲ ‘ሓይሊ ቃል ኣምላኽ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሕኩም ኣብ ሮማ እተካይድዎ ዓመታዊ ሱባኤዅም ዕዉት ክዀነልኩም ምንዮተይ እገልጸልኵም ”

ኢሎም።

ብዘይ ውጽኢት/ሳዕቤት ዘይተርፍ ቃል

ቃል ኣምላኽ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ሕያውን ስሉጥን እዩ፡ ብኣኡ ኣቢሉ እዩ እግዚኣብሔር ንዓለም ዝፈጠረን ኢየሱስ ብቓል ኣቢሉ ዝጸልመቱ ልብታት ዝዀልዔ፡ ትንቢተ ኢሳያስ ጠቒሶም፥ (ቃል ኣምላኽ) ‘ብዘይ ውጽኢት/ሳዕቤን እቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ከየስለጠ ኣይክተርፍን እዩ እንክብሉ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ኣዘኻኺሮም።

“ ቅዱስ መጽሓፍ ምስቲ ዘለዎ እጹብ ፍሉይነት ከተእንግዱ እላበወኩም፡ ምንዮተይ ከኣ ንሱ እዩ፡ ቃሉ በቲ ሕይወት ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ፡ እቲ ሕይወት ዝዀነ ሕይወትና ፍርያም ክኸውን ምስ ዝገብር ኢየሱስስ ዜራኽበና እዩ፡ ብጀካ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ማንም ዓይነት መጽሓፍ እዚ ሓይሊ’ዚ ዘለዎ የሎም። ”

ክሳብ መዓሙቕ ልቢ/መንፈስ ዝፍሕር ቃል

ቃል እግዚኣብሔር ስሑል እዩ፡ ክሳብ መዓሙቕ ልቢ ፍሒሩ ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ዘብጽሕ እዩ፡ ክልተ ዝኣፉ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሰይፍ ኣዚዩ ስሑል ስለ ዝዀነ ኣብ ልቢ ሰንጢቑ ይኣትው እሞ ጥዑውን እወታውን ሃውጺ ይፈጥር፡

“ ክልተ ኣፉ ስሑል ካብ ዝዀነ ሰይፊ ኣዚዩ በሊሕን ስሑልን ስለ ዝዀነ የሕምም እዩ፡ እቲ ዝፈጥሮ ስምዒት ሕማም ግና ጸጋ እዩ፡ ስለምንታይ እቲ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ፍቕርን ዘረሕቐናን ዘሰናኽለናን ኵሉ ስለ ዝጉንድብ እዩ። ”

ቃል ውጥናት ይሰብር

ቃል ኣምላኽ ሓቂ ብምብጻሕ ሓሶትን ዘይቅኑዕነትን መታለልነትን ሓሳብን ስምዒትን ብምልላይ እናመሓወ ኣእጋር ሕይወት ብዘይ ምቁራጽ ናብ እግዚኣብሔር ከብላ የመስርቕ፡

“ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ብቕድመ ይኸውን ግምታትናን ዘይጭበጥ ውጥናትና ዝሰብር ሕዳሴ የምጽእ ”

ብቓሉ ንኽንበብ ምስ እንፈቅድ ናጻ ክፉቱነት ኣባና ይህልውን ናይ ኢየሱስን ናይ ሕዳሴታቱን መሰካኽር ንኸውን እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቃል ውጥናትና ይሰብርን ናብ እግዚኣብሔር የመስርቐናን
02 November 2018, 17:07