ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ

ቅዱስነቶም ሰላም ብነኣሽቱ ነገራት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልወና ርክብን ልክዕ ከምቱ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኩነትን ትሕዝቶን ዘላዘበ ኣንሕና እውን ክምኡ ክንምኮሮ ከምዝግብኣና የተሓሳስቡ፡

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ልባዊ ሰላም ምንባርን፡ ዓመጽ ብዘተ ክትካእን ኣብ ዓለም ሰላም ብግብሪ ምንባርን ምስ ካልኦት ብመገዲ ሰላም ምርኻብን ኣብ ዝብል ዘማእከለ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“ኵላትና ሰላም ንደልይ፡ ብፍላይ እቲ ብስእነት ሰላም ዝሳቐይ” ብዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም፡ ሰላም ዝብል ቃልን ናይ ሰላም ጻውዒትን ወትሩ ዝደጋግምዎን ኣብ ልቦን ዘሎ ክቡር ዕሴት እዩ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ሰላም ምስ ዝጐድል፡ ሰላም ኣብ ዓለም ኣይህልውን፡ ጸሎት እቲ ዝሓመመ ናይ ዓመጽ መሳለጢ ካብ ስሩ ክመሓው ንዝግበር ጻዕሪ መሰረት እዩ፡ “ኣልቦ ዓመጽን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓልዮትን፡ ንማንም ዘይንጽል ወንጌላዊ ሰላም ንሕነጽ፡ ኣብ ልዕሊ ልሳን ኣጽዋር ውግእ ልሳን ልባትና ክስዕር ብሓባር ንጸልይ”፡

ብዝሒ ዓመጽ

 ቅዱስነቶም ሰላም ብነኣሽቱ ነገራት ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልወና ርክብን ልክዕ ከምቱ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኩነትን ትሕዝቶን ዘላዘበ ኣንሕና እውን ክምኡ ክንምኮሮ ከምዝግብኣና የተሓሳስቡ፡ ሰላም ብዙሕ እዋን ንስግኣት ዝተቓልዔን ኣብ ዝቡሕ ከባቢ ዓለም ሕሩም ዝዀነ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣመና ፍልዩን ብርቅን እዩ፡ ሕቡራት መግስታት ዓለም ኣብ ናይ 2018 ዓ.ም. ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ 90 ሚእታዊ ኣደዳ ዓመጽን ግጭትን ትሕቲ ዕድመን ደቀንስትዮን ከምዝዀኑ ይሕብር፡ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 21 ሺሕ ሕጻናት ግብረ ዓመጽ ከምእተፈጸመ ከመልክት እንከሎ፡ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት እውን ብወገኑ ካብ 1948 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 52 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ብምኽንያት ውግእን ዓመጽን ንምዝብልናን ስደትን ከምእተዳረጉ ይሕብር።

ባዶ ዓመጽን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓልዮትን

ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ባዶ ዓመጽን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓልዮትን  ዝብል ጻውዒት ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት መርሕ ገይሮም ባዶ ዓመጽ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓልዮትን ዝብል ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ማሕበራዊ ጎስጓስ ክካየድ ክምዝወሰኑን፡ ብፍላ ከኣ ኣብቲ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካን መክሲኮን ዘዳብው ከባቢ ዝረአይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ እናሓሰቡ፡ ናይ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕልው ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን መንእሰያት ማሕበር ቅዱስ ቁርባን እውን ብወገኑ ብምድጋፍ ዝተፈላለዩ ሓልዮት ዘነቓቕሖ ተበግሶታት የሳልጥ ኣሎ።

ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝዝርግሕ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ሰላም ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ክህሉ፡ ሰላም ካብ ልብን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን እዩ ክብገስ ዘለዎ፡ ምስ ኩሎም ኣብ ጉዕዞና እንራኸቦም ሓቢርና ኣብ ምንባሩ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ እንራኸቦ ካልእ መጻእተይና ምስ ዝኸውን፡ ሰላም ኣብ ዓለምን ስምምዕ ኣብ መገድታትናን ኣባይትናን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮናን ስድራቤትናን ኣብ ልዕሊ መጻእተይናን ካልእን ዝንዛሕ ጽልእን ዓመጽን ብምንጻግን ከም ንሱነቱ ብምኽባርን ምቕባልን እዩ ዝኽወን እንክብሉ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ ይትንትኑ።

ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ
07 November 2018, 16:59