ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኣልባኒያ ልኡካን መፈሳውያን ነጋዶ

ኣብ 1468 ዓ.ም. ድህረ ዕረፍቲ ስካንደርበርግን ብወረራ ቱርክን ብዙሓት ኣልባንያውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶምን ካብቶም ዝተሰዱ መብዛሕቲኦም ኣብ ኢጣሊያ ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሃገር ካላብሪያን ሲቺሊያን ከምዝኣተዉን፡

መበል 550 ዓመት ዕረፍት ኣበው ሃገረ ኣልባኒያ ጆርጆ ካስትሪዮታ ስካንደርበግ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ካብ ኣልባኒያ ንመንፈሳዊ ንግደትን ንወግዓዊ ምብጻሕን ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣልባኒያ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ፖለቲካ መራህትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ዕለት 19 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጆርጆ ካስትሪዮታ ስካንደርበግ ኣብ ኣልባኒያ ናይ ክርስቶስ ስፖርተይና ዝብል መጸውዕ ስም ዝተወሃቦን ምእንቲ መንፈሳያን ዕሴታትን ክርስቲያናዊ መጸውዕ ሕይወት ኣሕሊፍካ ክሳብ ምሃብ ዝተኸላኸሉ ናይታ ሃገር ባህሊ መለለዪ ብቓልን ሕይወትን ዝቐረጹ ኣብ ክትዕ ዘይኣትዉ ናይ ጥምረትን ብሔራዊ ሓድነትን ትእምርቲ ዝዀኑ ብነጻነት ንዝተቐበልዎም ልዑላን ዕሴታት ብዘይ ምንም ዓይነት ስክፍታ ብተኣማንነት ዝነበሩ ሰማዕት ኣበው ኣልባኒያ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦም ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣዘኻኺሮም፡ እዞም ኣብ 15 ከፈለ ዘመን ሃገረ ኣልባኒያ ዘወሃዱን ካብ ባዕዳዊ ወራሪ ቱርካዊ ኦቶማን ዝተኸላኸሉን ምዃኖም ታሪኽ ጠቒሶም ምስ ገለጹ፡

ንምዕሩይ ምዕባለ ሰናይ ኩነት

ዝኽሪ መበል 550 ዓመት ዕረፍት ስካንደበግ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተቐበልዎም ናይ ኣልባኒያ ብፁዓ ጳጳሳትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፍሳውያን መራሕትን መፈሳውያን ነጋዶን፡ ቅድሚ 50 ዓመት ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ዕረፍት ኣበው ኣልባኒያ ስካንደርበርግ ንኣልባኒያውያን ልኡካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፥

እዚ ተዘክሮ’ዚ ዓመት መጸ ዝደጋገም ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ምምስጋን ጥራሕ ዝተሓጽረ ልምዲ ዘይኰነስ፡ ኩሉ ኣልባንያዊ መግስትን ዜጋን ብፍላይ ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ ዝመርጹ ንምዕባሌኣ ወሳኒ ተራ ዘለዎም በዚ ምርጫኦም’ዚ ሃገሮም ንድኻምነት ክትቃላዕ ዝገብሩ ንሰብኣውን በርገሳውን ዕብየታ ዘገድሱ ንመንእስያትን ሓድሽ ወለዶን ንምዕሩይን እውነተይና ምዕባለ ንዘረጋጽ ንዝተሓደስ ህርኩት ጻዕሪ ምእንቲ ሃገርን ሕዝብን ዘተባብዕ ይኹን

ማሕበረሰብ ኣርበረሽ

ኣብ 1468 ዓ.ም. ድህረ ዕረፍቲ ስካንደርበርግን ብወረራ ቱርክን ብዙሓት ኣልባንያውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶምን ካብቶም ዝተሰዱ መብዛሕቲኦም ኣብ ኢጣሊያ ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሃገር ካላብሪያን ሲቺሊያን ከምዝኣተዉን፡ ካብቲ ኣዋን ኣትሒዞም ኣብቲ ከባቢ ናይ ኣልባንያ ባህልን ስርዓትን እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ከምዘቖሙን፡ እዚ ኣርበረሽ ማሕበርሰብ ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ኣልባንያዊ ሕብረተሰብ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እቲ ኣበው ሃገረ ኣልባኒያ ዘውረሶ ባህልን ቋንቋን ዕሴትን ኣብ ምስግጋር ዝርከቡ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፡ ኣርበሽ ምስ ሃገሮም ፍርያም ዝዀነ ርክብ ከምዘለዎም ርእዩ እዩ ኢሎም።

መንነት ህብረ-ሃይማኖታዊ መንፈሳውነት

ጆርጆ ስካንደርበግ ፍሉይ ኣርማ ጸሊም ዝሕብሩ ጭዋዳምናት ንስሪ ድሕረ ምድሪ ቀይሕ ዝሕብሩ ሎሚ ናይ ኣልባኒያ ሰንደቕ ዕላማ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣልባኒያውነት’ዚ ሃይማኖታዊ ባህርይ ዘለዎ ንመላእ ኣልባንያውያን ዝጥርንፍ መንነት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ምስ ገለጹ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ብቐረባ ዝረኣይዎ ኣብ መንጐ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣስላምን ሓድ ሕዳዊ ምክብባርን ምትእምማንንእ ዝዓሰሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ብሓቂ ናይታ ሃገር ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ ብርቃዊ ሃብቲ እዩ ኢሎም።

እዚ ብርቃዊ ሃብቲ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሰዓብቲ ሃይማኖታት ምእመናን ዜጋታት ዘሎ ኣብ ፍልልይ ዝቖመ ጥምረትን ስምረትን ነጻነትን ናይ ሓደ ሕዝቢ ተራ ዝዀነ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምትሕብባርን ሕውነትን ዘምጽእ መሃዝነትን ብሉጽ ሓይልን የበራብር፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ንናይ ሓባር ዘተ ባይታን ኣጋጣምን ይኸውን፡ ስለዚህ ብሓባር ነባሪ ሰላም ንምሕናጽ ዝብል ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምኽባርን ናይ ሓባር ድላይ ዝምስክር እዩ።

ዝኽረ ሰማዕታትን እናቴ ቅድስቲ ተረዛ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እምነትን ሕይወቶም ብምስዋዕ ዝመስከሩ ሰማእታት ኣልባኒያን ተወላዲት ኣልባኒያ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታን እናሕሓቡ በቶም ኣብ ቀለመንጦስን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ኣልባንያውያን ኣቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንመላእ ሃገርን ሕዝብን ኣልባኒያ ኣመሓላሊፎም ዛዘሙ።

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኣልባኒያ ልኡካን መፈሳውያን ነጋዶ
20 November 2018, 17:07