ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ፍጻሜ ምስ ኢየሱስ እንራኸበሉ ሰዓት ሒዝናዮ እንኸይድ እቲ ዘወፈናዩ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 18 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝተወስዱ ምንባባት ብፍላይ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 33 ዘሎ ኣሞርኵይዞም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ፡ ናይ ሰብኣውን ግላውን ታሪኽ መደምደምታን ሸቶኣዊ መዓልቦ ከምዘለዎን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ms ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም፥ ናይ ግልን ናይ ሰብኣዊ ህልውና ፍጻሜ ከምዘለዎን፡ እቲ ዝበጽሖ ፍጻሜ ምስ ኢየሱስ ፊት ንፊት ምርኻብ ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ኣብ ምድራዊ ሕይወትና ክሳብ ክንደይ ንቓሉ ኣቃልቦ ብምሃብ ኣብ ምኽዋኑን ወይ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ክነተኵር ምዒዶም፡ ኣብ መወዳእታ ምሳና ሒናዮ እንኸይድ እቲ ዘወፈናዮ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 18 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዝተወስዱ ምንባባት ብፍላይ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 33 ዘሎ ኣሞርኵይዞም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ፡ ናይ ሰብኣውን ግላውን ታሪኽ መደምደምታን ሸቶኣዊ መዓልቦ ከምዘለዎን፡ ንሱ ኸኣ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝብል ምዃኑ ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ ኣብቲ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ናጋዶ ኣብ ዝትረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ፥ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግላዊ ታሪኽ፡ ናይ ቃላት ከይድን ትርጉም ናይ ዘይብሉ ክዋኔታት ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን፡ ኩሉ ኣቐዲሙ ከም እተወሰነ፡ ብነሲባዊውን ጽሕፎትኣውን መሰረት ተንቲንካ ክነብብ የብሉም ምስ በሉ፥

ምስቲ ዘንጸባርቕ ናይ ጐይታ ፍቕሪ ምርካብ

ኣስዒቦም፡ ናይ ሎሚ ወንጌል (ሰንበት ዕለት 18 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልኰ)፡ ዘቕርቦ ኣስተንትኖ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዘተሓሳስብን ኣብ መወዳእታ ዓለም ዝተኰረ ዘይኰነስ፡ ህልው እዋን ብሰናይ ምንባር ከምዝግብኣና ዘተሓሳስብ እዩ፡ ወትሩ ስንድው ኰይንካ ምንባር ከምዝግባእን፡ ነቲ ናይ ፍጻሜ እዋን እናስተውዓልና ብዛዕባ ሕይወትና ንኽንጸባጸብ እንጽወዓላ ሰዓት እናሓሰብና ንኽንነብር ዘተሓሳስብ እዩ፡ ብዛዕባ ጸሓይ እትጽልምተሉን ወርጺ ብርሃን ካብ ምሃብ እተቋርጸሉ ሰዓት ይዛረብ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዝኹላዕ  ናይ ሓቂ ብርሃን ዝዀነ ጐይታ ኢየሱስ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዘንጸባርቕ ናይ ፍቕሪ ገጹ ክንርእይ ኢና፡ እቲ ኩሉ ሓቂ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝቃልዓሉ ወጅሂ።

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ

እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ብኸመይን መኣስን ምፍላጥ ናትና ኣይኰነን፡ ማንም ክፍለጦ ኣይክእል እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር  ኣብ መወዳእታ ነቲ እንነጻጸረሉ መሰረት ግና ንፈልጦ ኢና፡ ምድርን ሰማይን ክሓልፉ እያቶም ቃለይ ግና እይሓልፍ እዩ፡

እቲ ወሳንን ዘየላቡን እውነተይና ነጥቢ እዚ እዩ፥ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ነፍሲ ወከፍና ብቃል ወልደ እግዚኣብሔር ንናይ ግሊ ሕይወቱ ኣብሪሁ ድዩ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሲ ቃል ብምትእምማን ንቃለ ወልድ እግዚኣብሔር ሕቖኡ ዝሃበ እንተድኣ ኰይኑ ክፈልጥ እዩ፡

ሽርሕን ጉርሕን ወይ ሃብቲ ገንዘብን ኣየድልን እዩ፡ ዘወፈናዮ ሒዝና ኢና እንቐርብ፡ ስለዚህ ሎሚ ብዝያዳ ንፍቕሪ ገዛእ ርእስና እነቕርበሉ ወሳኒ ህሞት እዩ፥

ማንም ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣይከምልጥን እዩ፡ ማንም! እቲ እንደልዮ ተክለ ሰብነት ድዩ ናይ ገዛእ ርእስና ምስሊ ከምቲ እንደልዮ ክንግመት ዘኽእለና እንጥቀመሉ ጉርሒ ኣይክጠቅም እዩ፡ እቲ ኩሉን ዝደለናዮን ከዕድገና ዝኽእል ሃብቲ ገንዘብን ኤኮኖሚያዊ ዓቕምን ኣይክጠቅመናን እዩ፡ እቲ ሒዝና እንቐርብ ኣብ ቃሉ ብምእማን ዝፈጸምናዮ ዘበል ኵሉ እዩ፡ ኣብ ቃሉ ብምእማን ዝፍጸመናዮን ዝዀንናዮን ወይ ከኣ ዘይፈጸምናዮን እቲ ዘወፈናዮን ዝለገስናዮን ሒዝና ኢና እንቐርብ።

ምስ በሉ ቅድስቲ ማርያም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግዚያውነትና ከነስተውዕል ትደግፍና ቢሎም ኣማላድነታ ምስ ተማሕጸኑ፡ ኣብ ስቓይ ክንጥሕል ኣይትሕደገና፡ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስናን ንብጻይናን ንመላእ ዓለምን ሓላፍነት ከምዘሎና ንኸነስተውዕል ትደግፍና ቢሎም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ፍጻሜ ምስ ኢየሱስ እንራኸበሉ ሰዓት ሒዝናዮ እንኸይድ እቲ ዘወፈናዩ እዩ
19 November 2018, 16:18