ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላም ይጽግው፡ ኣጽዋር ውግእ ዘምጽኦ ሰላም በራሲ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት መዛዘሚ ዓቢይ በዓል ክርስቶስ ኵላዊ ንጉስ ኣናሓሰቡ፥ እዚ ሊጡርጊያ’ዚ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ኢየሱስ ምዃኑን፡ ሕይወት ናብዚ ሸቶ’ዚ ኣሚቱ ዝገብሮ ከይዲ ዘዘኻኽርን ናይ ታሪኽ ፍጻሜ ናይ መንግስቱ ዘለዓለማውነት ዝገልጽ እዩ

ዕለት 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ኵላዊ ንጉስ ከምእተብዓለን፡ ብዕለቱ ቅዱስ ኣቦና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያ ነጋዶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 18 ካብ ፍቕዲ 33-37 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞኵይዞም፡ ኣብ ኣጽዋር ውግእን ሓቂ ኣብ ምቕባርን ዝቐውም ስልጣነ መንግስታት ይውዓል ይሕደር በራሲ ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ግና ኣብ ፍቕሪ ዝቖመን ኣብ ልቢ ዝተተኽለን እዩ፡ ሕይወት ዋላ’ኳ ብከቢድ ፈተናታትን ብጌጋታትን ብሓጢኣትን ምኵር ይኹን ሓድሽ ትርጉም ዝህቦ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኢየሱስ ናይ ሕይወትና ንጉስ እዩ፡ እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ፍቕሩ እናመስከርና መንግስቱ ነስፍሕ፥

ኣብ ኣጽዋር ውግእን ሓቒ ኣብ ምቕባርን ዝቖሙ መንግስታት ይውዓል ይሕደር በረስቲ ምዃኖም ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዕን ኣብ ልቢ ሰብ ዝትከልን እዩ፡ ነቲ ዝልግሶ ሰላምን ናጽነትን ምልኣት ሕይወት ሓንጐፋይ ቢሉ ኣብ ዝቕበል ኣብ ልቢ ሰብ ይትከል። ኵላትና ደለይቲ ሰላምን ናጽነትን ምልኣትን ኢና፡ እዚ ግና ከመይ ኢሉ ይፍጸም? ፍቕርን መንግስቲ ኣምላክን ፍቕሪ ኢየሱስን ኣብ ልብኻ ክትከል ምስ እትፈቅድ፡ ሰላምን ናጽነት ምልኣትን ክትረክብ ኢኻ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት መዛዘሚ ዓቢይ በዓል ክርስቶስ ኵላዊ ንጉስ ኣናሓሰቡ፥ እዚ ሊጡርጊያ’ዚ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ኢየሱስ ምዃኑን፡ ሕይወት ናብዚ ሸቶ’ዚ ኣሚቱ ዝገብሮ ከይዲ ዘዘኻኽርን ናይ ታሪኽ ፍጻሜ ናይ መንግስቱ ዘለዓለማውነት ዝገልጽ እዩ፡ ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማንየ፡ ልክዕ ተጻባኢ ናይ ፖለቲካ ስልጣንን ነዚ ስልጣን’ዚ ዓቢይ ፈተናን ንሱ ኸኣ ንጉስ ኣይሁድ እየ ይብል ተባሂሉን በዚ ተኸሲሱን ኣብ ቅድሚ ናይ ኢየሩሳሌም ስልጣናትን ደሓር እውን ኣብ ፊት ናይ ሮማ ህየንተን ቀሪቡ ዘጓንፎ ውርደትን መከራን፡ ጠቒሶም፡ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን፡ ንጉስ ምዃነይ ንስዃ’ኳ ትብሎ ኣሎኻ እንክብል ንግስናኡ የረጋግጽ።

ኢየሱስ ኣብ መላእ ሕይወቱ ፖለቲካዊ ህንጥይና ኣይነበሮን፡ እቲ ምብዛሕ ኣንጌራ ዝረኣየ ሕዝቢ በቲ ዝረኣዮ ተኣምር ተዋዓዊዑ ንጉስ ቢሉ ይሰምዮ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሮማዊ ንጉስ ገልቢጡ መግንስቲ እስራኤል ዘቕውም ገይሮም ይሓስብዎ፡ መንግስቲ ኢየሱስ ግና ካብኡ ዝተፈልየ እዩ፡ ብዓመጽን እምቢተይናነትን ብሓይሊ ኣጽዋር ዝኽወን ኣይኰነን።

ፍቕሪን ምስክርነት ሓቅን

ሰዓብትካ ስለምንታይ ደኣ ዘተይተኸላኸሉልካ እንብል ጲላጦስን ንዘቕረብሉ ሕቶ ኢየሱስ ዝህቦ መልሲ፥

ካብቲ ፖለቲካዊ ስልጣንን ኣጽዋር ውግእ ካብ ዘምጽእዕ ስልጣን ንላዕሊ ካልእ ዓቢይ ስልጣን ከምዘሎ የረድኦ፡ ንሱ ኸእ ፍቕርን ሓቂ ዝምስክርን ስልጣን ክፍጽም ከምዝመጸ የረድኦ።

መንግስቲ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን

ናይዚ ቃለ ወንጌል ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መልእኽቲ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝብል ምዃኑን ነዚ ናይ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ዝዀነ መግንስቲ’ዚ ኣብ ዓለም ከጽንዕ ዝደልይ ከምዝዀነ ዘመላኽት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ኢየሱስ ንጉስ ዝዀነሉ መንግስቲ፡ ካብ ፍጻሜን ክሳብ ፍጻሜ ዘመን ዝዀነ መንግስቲ፡ ኢየሱስ እምበኣር ንጐስና ኸውን ክንፈቕደሉ ይሓትተና ኣሎ ኢሎም፥

ብቓሉን ብኣብነቱን በቲ ንምድሓንና ኣብ መስቀል ብዝስዋእ ሕይወቱን ሞቱን ዝገልጾ ንግስናኡ ነቲ ዝጠፍኤ ሰብ መገዲ ዝሕብር ንጉስ፡ ነታ ብጥርጣሬን ብዕለታዊ ፈተናታትት ምልክትቲ ዝዀነት ሕይወትናን ህላዌናን ሓድሽ ብርሃን ይጽግው፡ ክንዝግዖ ዘይግብኣና እምበኣር፡ መንግስቲ ኢየሱስ ናይዚ ዓለም መንግስቲ ዘይምዃኑ እዩ፡ ሕይወትና ኣብ ገለ ገለ እዋን ብጌጋታትን ብሓጢኣትን ኣብ ቅድሚ ከቢድ ፈተና እውን ዝርከብ እንተዀነ ናይዚ ዓለም ዋቔዕን መንግስታቱን ክሳብ ዘይስዕብ ሓድሽ ትርጉም ዝህብ መንግስቲ እዩ።

ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ምስ ኣብቅዑ ጸሎት ምልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮን ንዝተረኽቡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ኣብ ወላድነት ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝሳተፉ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ሮማ ብዘይ ምቍራጽ ብርቱዕ ዝናም እውን ይንበር ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምርኻቦም ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

26 November 2018, 17:23