ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፖሊቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፖሊቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፖሊቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም

ፖሊቲካዊ ሓላፍነት ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝምልከት ከምዝዀነን ብፍላይ ከኣ እቶም ካብ ሕዝቢ ክከላኸሉን ከመሓድሩን ሓላፍነት ዝለበሱ ዝምልከት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና

ብምኽንያት ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. መበል 52 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሰላም ቅውም ሓሳብ ፖለቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ዝብል ምዃኑ ሎሚ ዕለት 6 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መገልጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ናይ ሰላም መልእኽቲ’ዚ በቢ ዓመቱ ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመሓላለፍ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ 2009 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላም፥

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ኣለዎ

ፖሊቲካዊ ሓላፍነት ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝምልከት ከምዝዀነን ብፍላይ ከኣ እቶም ካብ ሕዝቢ ክከላኸሉን ከመሓድሩን ሓላፍነት ዝለበሱ ዝምልከት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ብሰፊሕ ከምዘብርሁን፡ እቲ መልእኽቲ ሰናይ ፖለቲካ ነገልግሎት ሰላም እዩ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡

ብዘይ ተኣማንነት ሰላም የልቦን

ናይ ፖለቲካ ተልእኾ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምክንኻንን ኣብ መንጐ እቶም ናይ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ዘለዎምን ኣብ መንጐ ትውልድን ባህልታትን ዘተ ምንቕቓሕ ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ሰላም መልእኽቶም ኣመልኪቶም፡ ሰላም ብዘይ ሓድ ሕዳዊ ምትእምማን ክህሉ ከምዘይክእል የብርሁ፡ ምትእምማን ነቲ እትኣትው ቃል ምኽባር ዝብል ቅድመ ኩነት ዝሓትት ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ ኣገልግሎትን ንጥፈትን እቲ ዝለዓለ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኰይኑ፡ ናይ ሕይወትን ናይ ዓለምን ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰይ ወለዶን ናይ ነኣሽቱን ድኹማንትን መጻኢ ዘተሓሳስቦን ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ ሰናይ ፍጻሜ ክረጋገጽ ዝተግህ ናይ ኣገልግሎት መጋበርያ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፖሊቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም
06 November 2018, 16:13