ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ.፥ “እግዚኣብሔር ኣብዚ ዘይነብር ዶ ይኸውን? ናብ ዝብል ዓውደ መጽናዕቲ

ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊ ንብረት ናይቲ ዝሰረሖምን ዝሓነጾምን ህዝቢ እምነት ዝምስክርን ብዛዕባ እምነትን ወንጌልን ቃል ኣምላኽን ዝነበሮም ኣመለኻኽታን ናይ እምነት ሕይወቶምን ንኣስፍሆተ ወንጌልን ስብከትን ትምህርተ ክርስቶስን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መጋበርያን ኵሉ ዝገልጽ እዩ

ናብቲ ቅድም ክብል ዝተባርኵ ናይ ኣምልዀ ስፍራ ከይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩን ድሓር ካብዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተሰናበቱ ነበር ኣባይቲ ክርስቲያን ኣማእኪሉ፡ ናብ ዝመክር ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ምስ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብን ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ናብ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምእተነበን፡ ንስግደትን ኣምዀን ዝተባርኩ ስፍራ ኣባይቲ ክርስቲያንን ኣባይቲ ጸሎትን ደሓር እውን ካብቲ ካብ ዝተባረኽዎ ኣገልግሎቶም ምስ ተሰናበቱ እውን ኣገዳስነት ዘለዎም ኰይኖም እዮም ዝተርፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ እግዚኣብሔር ኣብዚ ኣይነብርን ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ርእሰ ጉዳይ ናብ ዝገበረ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቶም ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዝነበሩ ደሓር ካብዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝተሰናበቱ ነበር ኣባያተ ክርስቲያንን ነበር ኣባይቲ ጸሎትን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ባህልዊ ውርሻ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደሩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊ ንብረት ናይቲ ዝሰረሖምን ዝሓነጾምን ህዝቢ እምነት ዝምስክርን ብዛዕባ እምነትን ወንጌልን ቃል ኣምላኽን ዝነበሮም ኣመለኻኽታን ናይ እምነት ሕይወቶምን ንኣስፍሆተ ወንጌልን ስብከትን ትምህርተ ክርስቶስን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መጋበርያን ኵሉ ዝገልጽ እዩ፡ እቲ ዝነበሮም ኣናስር ኣደበተ ርቱዕነት ደሓር እውን ካብ ዝተባርኩ ናብ ዘይተባርኩ ኩነት ምስ ዝተሰናበቱ ጠሩሹ ዘይሃስስ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ሎሚ ከም ቤተ መዘክር ዘምስሎም ኩነት እቲ ኣብ ውሽጦም ዝተበረ ታሪኻዊ መንፍሳዊ ቅብእን ኣሳእል ናይ ስነ ጥበብ ታሪኽ ጥራሕ ከይኑ ኣይኰነን ዝሕሰብ፡ ከም ቤተ መዘክርን ናይ ባህልን ስፍራ ከይኖም ይነበሩ ቤተ ክርስቲያናዊ ተልእዀኦም ቀጻሊ ምዃኑ ተስተውዕል።

ናይ ግዜ ምልክታ እያቶም

ክሳብ ቁሩብ ኣዋን ኣብ እምነትን ኣምልዀን ስግደትን ኣዚዮም ኣገዳስነት ዝነበረን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያናውነት ምስ ወጻ ብዘይ ብዙሕ ሽቑል ሃንቀውታ እቲ ዝዀነኦ ምቕባል የድሊ፡

ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበራ ክሳብ ቀረባ እዋን ልዑል ኣገዳስነት ዝነበረን ገዳማት ዝነበረን፡ ብዙሓት ምእመናን ዝሓቑፋ ዝነበራን ካህናት ዝነበርውን፡ ሎሚ ግና ተሰናቢተን ንኻልእ ኣገልግሎት ኣብ ምውዓል እውን ይሃልዋ፡ ሎሚ ባህላውያን ንብረት ምዃነን ብዘይ ሽቑል ምንፋቕ ዘይምምላክተን እዩ፡ ክውንነት ምቕባል የድሊ፡ ናይ ጊዜ ምልክታ እያተን፡ እዚ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተገሊጹ ንረኽቦ፡ ግዜ ቦታ ይሓትትን ንቦታ ይዅልዕን ንድሕሪ ምምላስ ዘይብሉ ናብ ቀጻሊ ዕብየት ይልውጦ፡ ስለዚህ ንጊዜ ግቡእ ትርጉሙ ምሃብ የድሊ፡ ቦታ ዝውንን ምዃኑ ምልላይ የድሊ፡

ብፁዓን ጳጳሳት ንጭቡጥ ውሳኔታት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ነበር ናይ ስድገትን ኣምልዀን ኣባይቲ ኣጠቓቕማን ንምንታይ ኣገልግሎት ምውዓል ዝብል ጉዳይ ናይ ሓባር ውሳኔ ክረክብን ብዛዕባኡ ምስ ዝምልከቶ በርገሳዊ በዓል መዚ ዘተ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅድሚ ምሕባሮም፥

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ እቶም ነበር ኣባይቲ ስግደት ኣምልዀን ዝምልከት መምርሕን ክሰዓብ ዝግብኦ ጭቡጥ ሓሳብ ዘቕርብ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን፡ ይዅን ደኣ እምበር ብዛዕባ ነባራት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝምልከት ተግባራዊ ውሳኔ ንጳጳሳት ዝምልከት እዩ፡ ንምእመና ዕንቅፋት ዘይፈጥር ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ፡ ብዕምቆት ተጸኒዑን ኩሉ ይኩን ቢሉ ክሰማምዓሉ ዝክእል ውሳኔ ምቕራብ የድሊ፡

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

30 November 2018, 17:39