2017-02-02  መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመት ንሰብ ውፉይ ሕይወት 2017-02-02 መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመት ንሰብ ውፉይ ሕይወት  

ውፉይ ሕይወት ምምራጽ ጅግና ምዃን ዘይኮነስ ናይ ተስፋ ሥራሕ ምዝውታር እዩ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሃገረ እስፐይን ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባል ልዕሊ ካልኦት ጀጋኑ ምዃን ወይውን ንካልኦት ነቅ ዘይብሉ ኣብነት ምዃን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ድኽነትና ዘኪርናን ኣብቲ መወዳእታ ኣልቦ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምትእምማን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝሳቀዩ ምስላፍ እዩ።` እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ መላእ ሃገረ እስፐይ ገዳማያውንን ገዳማውያትን መበል 25 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ሎሚ ዕለት 13 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 15 ሕዳር 2018ዓፈ ይካየድ ኣሎ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ንመበል 25 ዓመቱ ዝዝክር ጉባኤ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝኸውን መልእኽቲ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሕዳር ከምዝጸሓፉን ሎሚ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝተነበትን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ቅዱስነቶም በቲ ልሙድ ኣገባቦም ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢሎም ዝጀመርዋ መልእኽቶም ኣብዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካይዱሉ ዘለው ግዜ ንኩሎም ገዳማውያንን ገዳማያትን ሃገረ እስፐይን ሰላምታ እንከቅርቡ ዝስምዖም ሓጎስ ይገልጹ።

ኮንፈር ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ጉባኤ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሃገር እስፐይን ቅድሚ 25 ዓመት ምቛሙ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ከም ዕላማኡ ከኣ ኣብ መንጎ ኩሎም ገዳማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወት ናይ ሕውነት ምትእስሳርን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምዝፈጠረ ገሊጾም። በዚ ተታባቢዖም ከኣ ኣብ ሃገረ እስፐይን ኣብ መጻኢ ንዝግበር ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ብምትእምማን ንቅድሚት ክጥምቱን ነቲ እዚ ጉባኤ ከም መሪሕ ቃል መሪጽዎ ዘሎ ኤር።29.11 ‘ብተስፋ ዝመልአ መጻኢ ክህበኩም እየ’ ክእንገብዎን ኣተሓሳሲቦም።

ጐይታ ኩሉ ግዜ ተስፋ ከምዝበና ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ነዚ ከኣ ብቀጻሊ ናይ ፍቅሪ መልእኽታት እንኮላይ ኣገርህ ኣቢሉ ኣግራሞት ብዝመልኦ ሃንደበታዊ ፍጻመታት የሰንየና። ሓንሳእ ሓንሳእ ድንግርግር ክብለና ይኽእል ኮይኑ ግን እዚ ጸገማት እዚ ካብቲ ተዓጺናሉ ዘሎና ኣተሓሳስባን መንፈሳውነትን ውጽእ ኢልና ንክርሰርሕ ይሕግዙና፣ ወትሩ ኣብ ጎድንና ኮይኑ እንከሰንየና ለውሃቱን ሓገዙን ኣይፍለየናን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ትንቢት ኤር 29.11-14 ‘ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ።  ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም። ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሔር።’ ክብል ዓቢ ምጽንናዕን ተስፋን ይህበና። ጉዕዞ ጉባኤ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ሃገረ እስጳኛ ብዓቢ ትሕትናን ሱቊታን ኣብነት ተወፋይነት ሕቡእ ቅድስናን ኮይኑ እዩ። ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ሃገረ እስፓኛ ንክድንፍዕ ኣብ ምኲስኳሱን ምግልጋሉን ዝተኻእለኩም ኩሉ ኣበርክቱ። ነዚ እንክትገብሩ ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ዝኽሪ ከይረሳዕኩምን ጠመተኹም ናብ መጻኢ ብምግባርን ይኹን። ርግጽ እዩ ዘይርግጽነትን ሻቅሎትን ኣይሰኣንን ኮይኑ ግን ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ገና ውፉይ ሕይወት ትርጉም ከምዝለዎን ተሃራፊ ምዃኑን እውን ክዝንጋዕ የብሉን።

ቤተክርስትያን ሎሚ ከም ሎሚ ናይ ተስፋ ሰባት ዝኾነኡ ናይ ዘመንና ነብያት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልይዋ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝዘከርናዮ ዓመት ሰብ ውፍይ ሕይወት እውን ንመጻኢ ብዓቢ ተስፋ ንሕቈፎ ኢሉ ዓዲሙ ነሩ። ዋሕዲ ጸዋዕታ ከምኡ እውን ሽምግልና ናይቶም ዝቀደሙ ቁጠባዊ ጸገማት ወዘተ ንዕዘቦ ዘሎና ጸገም ኮይኑ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ክሕግዘና ዝኽእል እንኮ ተስፋና ኢየሱስ እዩ። ንሱ ከኣ ብእዋኑ ‘እኽሊ ብዙሕ እዩ ሠራሕተኛታት ግን ውኁዳት እዮም ስለዚ ንማእረሩ ዚኾኑ ሠራሕተኛታት ኪልእኽ ንጐይታ ማእረር ለምንዎ’ (ማቴ 9.38) ኢሉና እዩ እሞ ንጸዋዕታ ጐይታ ልቦም ምእንቲ ክኸፍቱ ኣብ ስብከተወንጌል መንእሰያት ዘገልግሉ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም። ዝኾነት ሁመት ታሪኽ ናይ እግዚአብሔር ግዜ እዩ ኮይኑ ግን ናትና እውን ስለዝኾነ ንመንፈሱ ኣብ ዝኾነ ቦታን ብዝደለዮ ግዜ ንከስተፍሰልና ንለምኖ (ዮሓ 3.8) እታ ንኩሉ ነገር ኣብ ልባ ትሕዞን ተስተንትኖን ዝነበረት (ሉቃ 2.19) ድንግል ማርያም ክትሕግዘና እያ እውን ኢሎም።  ናብራ ውፉይ ሕይወት ጉዕዞ ቅድስና እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ፍሉያትን ጀጋኑን ምዃን ዘይኮነ ዘራእቲ ተስፋ እዮም ዘድልይዎ። ስለዚ ብኩለንትናኦም ንጐይታ ወፍዮም ጻውዒቱ ዝሰምዑ ብሓልዮቱ ንክነብሩ ስንድዋት ብጸሎትን ተጻዋርነትን ዘዘውትሩ ምስ ኣቡናት ዝዋስኡ ገዳማያውንን ገዳማውያትን ጐይታ ይዓድለና ምእንታይ ከኣ ጸልዩ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
13 November 2018, 16:56